ብምኽንያት ተመሓላላፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ህዝብና ኣቃልቦ ክገብረሉ ዝግባእ ኣገዳሲ ሓበሬታ፡

ብምኽንያት ተመሓላላፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ህዝብና ኣቃልቦ ክገብረሉ ዝግባእ ኣገዳሲ ሓበሬታ፡
ዓለምና ብምኽንያት ተመሓላላፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ በጺሕዎ ዘሎ ኩነታት፡ ንኩሉ ምንቅስቓሳት ማለት ማሕበራዊ ርክባት፡ ፋቢርካታት፡ ንኣሽቱ ቤት ዕዮ፡ ሆቴላት፡ ቤት መግቢ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ትራስንስፖርት ወዘተ ኣብ ደውታ ኣብጺሕዎ ይርከብ ዳርጋ ክበሃል ይከኣል። ዓለምና ብዓብዩ ነዚ ሓደገኛ ሕማም ንምክልኻል፡ በቲ ቫይረስ ንዝተለኽፉ ሕሙማት ንምእላይ፡ንህዝቢ መዓልታዊ መምርሒ ንምሃብ ሓበሬታ ንምስናቕ፡ መራሕቲ ሃገራት፡ ሕክምናዊ ሞያውያንን ክኢላታትን ን24 ሰዓታት፡ ሰብኣውን ገንዘባውን ዓቕሚ ንምድላው ኩሉ ዝከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ። ኩለን ሃገራት ከኣ ብዓቕመንን ክእለተንን ንዜጋታተን ብዝውሓደ ክሳራ፡ ብዝሓሸ ዓድማዕን ውጺእታውን ዝኾነ ስርሓት ነዚ ጽንኩር ኩነታት ንምስግጋር፡ ኣንጻር ተመሓላልፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ እዚ ዘይብሃል መደብ ስርሓት ሰሪዐን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተታሒዘንኦስ ይዛረባሉን ይሰርሓሉን ምህላወን፡ በብዘለናዮ ሃገር ብመንግስታዊ መራኺብ ብዙሓት ብቲቪ፡ ይኹን ሬድዮ፡ ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከኣ ብዝተመሳሳሊ ሓበሬታት ይዝርጋሕ ንርእዮን ንሰምዖን ነንብቦን ኣለና።
ይኹን’ምበር ኣብ’ዚ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኣብ Facebook,Youtube, Twitter,Linkdel,Instagram ንህዝቢ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኩሉ ውልቃዊ ሓበሬታታት ሓቕነት ዘለዎ ስለ ዘይኮነ ህዝብና ፍሉይ ኣቃልቦ ክገብረሉ ዝግባእ’ዩ ንብል። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ንሻቅሎት ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ንስድራ ቤታት ዘለዉዎ ሃለዋት ብፍሉይ ብምምዝማዝ፡ ብሞያውያን፡ ሕክምናዊ ኪኢላታት ተፈላጥነት ዘይብሉ፡ ኮሮና ቫይረስ ንምፍዋስ ዝመሓላለፍ ዘሎ ምኽሪ ይኹን ማዕዳ ወይ ንመሸጣን ንግድን ዝዓለመ ዝግበር ዘሎ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ብዝምልከት’ዩ ከነስተውዕለሉ ንዝግበር ስርሓት፡ ገገለ ብግርህነት፡ ገገለ ከኣ ንቁጠባዊ ረብሓ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ህዝብና ክፈልጦ ይግባእ። ህዝብና ንዝኾነ ምኽሪ ይኹን ማዕዳ ምስ ዘድልዮ ምስ’ቶም ኣብ ቀረብኡ ዘለዉ ሞያውያን፡ ሕክምናዊ ትካላት ብምምኽኻር ንዝረኸቦ ሓበሬታታት ኣዛሚዱ ክጥቀመሉን ይግባእ።
ካብኡ ብዝተረፈ ግን ካብ ዓቕሊ ዝጽበትን ረበሻን ንዝኾነ ዝረኽቦ ሓበሬታ ብዘይ ኣገባብ ክጥቀመሉ ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ከይበዝሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ሳዕቤናቱ ብምፍላጥ፡ ብህድኣት፡ ብዓቕሊ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ’ቲ መንግስታዊ ትካላት፡ ሞያውያን ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ተቀቢልካ ምኻድ ከም ምርጫ ዝሓሸን ዝበለጸን’ዩ። ካልእ ዓብይ ጸጋ ከኣ ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ኤርትራዋያን ብሕክምናዊ ሞያ ዝሰርሑ ምውካስን ምሕታትን፡ ኣብ ውሽጥና ንዘሎ ሻቅሎትን ፍርሕን ንምውጋድ ምኽሪ ክንረኽበሉ ንኽእል።
ድሮ’ውን ክነኣድ ዝግብኣኦ ኣብ ገገለ ከባቢታት ነዚ ንምምካት ብሓልዮትን ውልቃዊ ተበግሶ ሓካይምን፡ ኣብ ሕክምና ዝሰርሑ ኤርትራውያን ንህዝብና ንምሕጋዝ ሓበሬታን ምኽርን ክህቡ ጀሚሮም ስለ ዘለዉ ከም ቀዳማይ ምርጫ ነዚ እንተወሰድና ዝሓሸ’ዩ። ብተወሳኺ ነዚ ብስነ ፍልጠት ዝተሰነየ መንግስታውን ትካላውን፡ ብሬድዮ ይኹን ቲቪ ተሰንዩን ብሓላፍነት ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታታት፡ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ነቲ ዝመሓላልፍ ዘሎ ሓበሬታ ዘይከታተሉ ወገና፡ ሕጸረት ቋንቋ ዘለውም ሕብረተ ሰብና ክንተሓጋገዞም ይግባእ።
ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ
25 መጋቢት 20202
You must be logged in to post a comment.