ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቀዳማይ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ።

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቀዳማይ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ።
ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዕለት 28–መጋቢት 2020 ዓ.ም,ፈ ቀዳማይ ጉባኤኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ጉባኤ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኣቶ ተስፋሚካኤልን ዮሃንስን ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ከም ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብቲ ቀዲሙ ዝተጠቅሰ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:00 ጀሚሩ።
ኣቶ ተስፋጋብር ተኽለ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ሽማግለ ወኪሉ ቃል ኣቅሪቡ። ንሱ ኣብ ዘቅረቦ መግለጺ ጉባኤ ኩሎም ኣባላት ዞባ ነዚ ጉባኤ ኣብ ምድላው ብዝለዓለ ተወፋይነት ከምዝሰርሑ ድሕሪ ምብራህ ጉባኤ ብኣካል ተራኺብና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኢንድያና (state) ከተማ ኢንድያና ፖሊስ ክካየድ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ኣብ ዓለምና ኣጋጢሙ ዝርከብ ኮሮና ቫይርስ . 19 መራኸቢታት ዙሓን ናይ ተክኖለጂ ክግበር ወሲና ኢሉ ገሊጹ። ብመሰረት ዝተዋህበና ጉባኤ ናይ ምድላው ሕድሪ ኩሉ ዘድሊ ዝበልናዮ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ኢሉ ዝርዝር ስረሓት ኣሰናዳኢት ኣቅሪቡ ኩሉ ኣባል ብተወፋይነት ከም ዝሰረሐ ኣብሪሁ ጉባኤ ብዓወት ክፍጸም ንዘለዎ ትምኒት ድሕሪ ምግላጽ ንኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ቃል ውድብ ንከቅርብ ኣብ መደረኽ ዓዲሙ።
ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ንህልው ኩነታት ሃገርናን ውድብ ሓድነት ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ንሂወት ወዲ-ሰብ ኣብ ቅድሚ ከቢድ ብዶሆታት ኣዋጢሩ ንዝርከብ ሕማም ኮሮና ቫይርስን ብዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቅሪቡ። ኣቶ ተስፋሚካኤል ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ባዕሉ ጀሚሩ ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ብዶሆታት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኩሉ ዝከኣሎ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ። ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብሓድነት ተመላሊእካ ዝብጻሕ ዕላማ ብምዃኑ ምእንቲ ሓድነት ደምበፍትሒ ብተወፋይነት ክንሰርሕ ንዘሎ ተደላይነት ኣረጋጊጹ። ኣብ መደምደምታ ቃሉ ጉባኤኹም ብኣድማዒ በደባት ብዓወት ክሰላሰል ንዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።
ስዒቡ ኣቦ መንበር ግዝያዊት ሽማግለ ኣቶ ባሪህ መልኣከ ግዝያዊት ሽማግለ ዞባና ናብዚ ጉባኤዚ ናይ ምብጻሕ ዕማማታ ፈጺማ ብማለት ብዘይካ ናይ ገንዘባዊ ጉዳያት ኩሉ መዳያዊ ጸብጻብ ኣቅሪቡ። ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣቶ ባሪህ ሰፊሕ ኳ እንተነበረ ገለ ካብኡ ኩለን ኣብ states ናይ ሕ.መ.ኣ ዝርከባ ጨንፈራት ነብሰን ወዲበን ንኩሉ መዳያዊ ኣድማዕነት ይሰርሓ ምህላወን ኣብሪሁ ጉባኤና ብዓወት ክዛዘም ንዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።
ስዒቡ ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳያት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣቶ ሙሴ ተስፋማርያም ጸብጻብ ኣቅሪቡ፡ ኣቶ ሙሴ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈፍ ገንዘባዊ ጉዳያት ብሓፈሻውን ብዝርዝርን መልከዓት ኣነጺሩ ኣቅሪቡ። ንሱ ኣብዚ መዳይዚ ንመጻኢ ኣብ ኣሰራርሓን ዕላማ ክዕመም ንዘለዎ ስረሓት ንጉባኤ ገሊጹ።
ብድሕሪ ዚ ጉባኤ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጹ ኣብ መደብ ዕዮ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝሰፈረ መደባት ምርኩስ ብምግባር ብዙሕ ዝርዝራት ዝጠቃለሉ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዓሚቑን ዓዚዩ ውዕዉዕን ምይይጥ ኣካዩዱ።
ንሳቶም ድማ
1– ህልው ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራን ደምበ ደለይቲ ፍሕን ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ንሓድነት ደምበ ፍትሕን ክሰላሰሉ ዝግቦኦም ዕማማት ብራኢ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ደላይ ፍትሒ ከበርክቶ ዘድሊ እጃምን
2– ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ዕላማታት ንምርግጋጽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም መሳርሒ አመጠን ምስዚ ኣብ ኩሉ ዓለም ኣጋጢሙ ዝርከብ ጥዕናዊ ሓደጋ ብምዝማድ ኣብ ኩሉ መዳያት ክኽተሎን ከሰላስሎን ዘለዎም ዕማማትን።
ጉባኤ ነዞም ሰፊሕ ዝርዝራት ዘለዎም ኣጀንዳታት መሰረት ገሩ ዓሚቑን ግሉጽን ዘተ ኣካዪዱ። ብደረጃ ዞባ ግዲኡ ኣልዕሉ ክሰርሕ። ብደረጃ ውድብ ንዝዕመም ድማ ናብ መሪሕነት ለበዋታቱ ኣቅሪቡ።
ብድሕሪ ዚ ሰክረተርያ ጉባኤ ስርሓ ፈጺማ ጉባኤ ኣምራጺት ሽማገለ ኣቑሙ ንክልተ ዓመት ንዞባ እትመርሕ ሾውዓት ቀወምቲ ክልተ ድማ ተጠባበቅቲ መሪሕነትን ሓደ ተቆጻጻሪ ኦዲቶር ዞባ መሪጹ። ኣስማት ናይቶም ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት ዞባ
1–ሰለሙን ከፈላ
2-ኣለም ኣብረሃ
3-ባሪህ መልኣከ
4–ሙሴ ተስፋማርያም
5-ኣብረሃም ግርማይ
6-ወልደሱስ መብራህቱ
7-ጀማል ዑስማን
ኦዲተር ዞባ
ጎይቶኦም ኣድሓኖም
ኣብ መደምደታ ጉባኤ ደምዳሚ ኣዋጅ ኣውጺኡ ስርሓቱ ብዓወት ፈጺሙ። ጉባኤ ብኽንያት ሓደጋ ኮሮና ቫይረስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከጎንፎ ዝኽእል ሓደጋታት ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ንውድብ ጥዕና ዓለም (WOH) ድማ ብፍላይ ሰብኣዊ ሓላፍነቶም ክስከሙ መግለጺ ኣማሕጺኑ እቲ ምሕጽንታ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ማድ ሚድያ ክስዕብ ኢዩ።
በዚ ዝተገልጸ ሓፈሻዊ ስእሊ ብዝህብ መልክዕ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዕለት 28-መጋቢት ልክዕ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ ጀሚሩ ሰዓት 8:00 ድ:ቀ 11 ሰዓት ኣብ ዝወሰደ ግዜ ብዓወት ተሰላሲሉ።
ሰክረተርያ ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
29-መጋቢት 2020 ዓ.ም.ፈ
You must be logged in to post a comment.