ሻቅሎት ለበዳ ኮሮና ቫይረስን፡ ጫንቓ ማይ ተቐማጦ ኣስመራን !

ሻቅሎት ለበዳ ኮሮና ቫይረስን፡ ጫንቓ ማይ ተቐማጦ ኣስመራን !
ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ንህዝብታት ዓለም ኩሉ መዳያዊ ኩነታቱ ክበሃል ዝካኣል ሻቅሎት ኣብጺሕዎ ከም ዘሎ ብመስኮት ቲቪ ዝዕዞቦን ዝርእዮን ዝሓልፎን ዘሎ ሂወት ምዃኑ ሓበሬታ ዘይድልዮ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ጽንኩር ኩነታት ከኣ ሰባት ብደቆም፡ ወለዶም ፈተውቶም ከም ዝሻቀሉ ፍሉጥን ርዱእን’ዩ። ብፍላይ’ኳ ነቲ ርሑቅን ኣብ ዝተደራረበ ጸገማት ማሕበራዊ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተሓረሞ ምምሕዳር ዝነብር ከም ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሻቅሎት ተወሳኺ ሰማይ ከም ዘዕርጎ ርዱእ ነገር’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዕሽሪት ዓመታት፡ ብኣዝዩ ጸቢብን ጽንኵርን ሂወት ማሕበራዊ ናብራ ከም ዝሓለፈ፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ ባዕሉ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ዝመሰከረሉ’ዩ። ክሳብ’ቲ ባዕሉ ዝመስከረሉ ግዜ ዘይትጽበየሉ መናባብሮ፡ ሂወት፡ ህዝብና ግን ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞ ሂወቱ ዝንበብ ስለ ዝነበረ ምስክርነት ዘድልዮ’ኳ ኣይነበረን። ግን ከኣ ነቶም ሃገርና ጽቡቅ ኣላ ዝብሉ ደገፍቲ ስርዓት ሕርሕራይ ገይሩ ዝመለሰን፡ ዓብይ መጽፋዕቲ ምንባሩ ምዝካር ጽቡቕ’ዩ።
ሎሚ ሻቅሎት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብናህሪ ኣብ ህዝብታት ዓለም ኣብ ዝመሓላለፈሉ ዘሎ፡ እተን ኣብ ዘመናዊት ዓለም ብቁጠባን፡ ቴክኖሎጂን፡ ሕክምናን፡ ዝማዕበላ ብሉጻት ዝበሃላ ሃገራት ንምክልኻሉን ንምዕጋቱን ካብ’ቲ ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋታት ንምህዳእ፡ ምስ ሞያውያንን ክኢላታትን ዘድሊ ምኽሪ ብምውሳድ ተደላይነት ኣለዎ ንዝበሃል ግዜያዊ መምርሒታት፡ መከላኸልን ንህዝቦም ክገብሩ እንከለዉ፡ ብውግእን ወረ ውግእን፡ ብድኽነትን ምልካዊ ምሕደራ ክትሕመስ ዝጸንሐት ኤርትራን ህዝባን ከ ዕጫኣ እንታይ’ዩ፡ ኩነታት ብኽመይ ክፍትሑ ይኽእሉ፡ ድኻ ህዝብና ብኸመይ ክሓልፎ ወዘተ ዝብል ሕቶታት፡ ካብ’ቲ ሕማም ኮሮን ቫይረስ ንላዕሊ ንፍታሕ ዝቀርብ ሓሳብ ከም ዘጸግም ዘካትዕ ኣይኮነን። ሎሚ መላእ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ከተማ ኣስመራ ብጫንቓ ማይ ክትሕመስን ክትሽገርን እንከላ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ካብ’ቲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንላዕሊ እንሆ እቲ ተፈጥሮ ዝዓደሎ ብሰማይ ዝወረደ ኣድላይን መባእታዊ ዕቛር ማይ’ኳ ህግዲፍ ወኒንዎስ፡ ልዕሊ’ቲ ኣብ ፋርማሲታት ክሽየጥ መከላኸሊ መድሃኒታት ዝያዳ ንህዝብና ከሸግር ይርከብ ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ በቲ መግዛእቲ ጣልያን ዝሃነጾም ዲጋታትን ሓጽብን፡ ዝርገሐ መስመር ሻምቡቆታት ማይ ከተማታት ክካየድ ከም ዝጸንሐን፡ ድሕሪ ጣልያን ዝመጹ ምሕደራታት’ኳ ከይተረፈ ፍሉይ ቤት ጽሕፈታት ተሓልዩን ተኣልዩ ክኸይድ ዝጸንሐ’ዩ። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ግን ነቲ ብሰማይ ወሪዱ ኣብ ጎዳጕድ ዝዓቆረ ማይ ንህዝቢ ብዝግባእ ከይባጻሕ እቲ ዝተሓተን ዝወሓደ ንጽህና ዜጋታት ክሕሉ ዝኽእል መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ከልኪልዎ ፡ ሓሪምዎ ይርከብ። እሞ ኣብ ሩባን ሓጽብን ሃገርና ዘሎ ማይ ክዕድል ዘይከኣለን ዘይበቕዐን ስርዓት፡ ከመይ ገቢሩ’ዩ ካብ’ቲ ኣብ ኣሚሪካን ኤውሮጳን ዘሎ ሩባን ሓጽብን ቀዲሑ ንህዝቢ ኤርትራ ከስትን ከክላኸል ፈተነታት ዘካይድ።
እንተኾነ ምዑት ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ሕሱም ግዜ ካብ ልባዊ ሓልዮትን መጀምሪያ ነፍሱ ክኢሉ፡ ተኸላኺሉን፡ ንዝረኸቦ ምኽሪ ከኣ ንመቅርቡን ፈተውቱን ህዝቡን እንተለጊሱ፡ ካልእ ክግብሮ ዝግባኦን ዓቕሙ ዘፍቅዶ፡ ቅንዕና ዘለዎ ንድሕነት እዚ ግፍዕ ህዝቢ ከልዕል እዋናዊ ሕቶ’ዩ። ሎሚ ሓደ ንሓደ ሂወት ሰብ ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ከይዱ ከይዱ ንድሕነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ብዘለዎ ኣገባብ ክንሓስብ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም መንግስቲ ኣልቦ ሓላይ ዘይብሎም ኣብ ቦታ ስደተኛታት ዝርከቡ ህዝብና ልዑል ኣቃልቦ ክግበረሎምን፡ መፍትሒ ክረኽቡ ክኽእሉ ቀሊል ዘይኮነ ጻዕሪ ከም ዘድልዮ ብእዋኑ ፈሊጥኻ ወዓል ሕደር ዘይብሉ መደባት ሰሪዕኻ፡ግብራዊ ስርሓት ንምክያድ ዓብይ ትጽቢት ዝግበረሉ ቀዳማይ ረዲኤት ፍታሕ’ዩ።
ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ
1 ሚያዝያ 2020
You must be logged in to post a comment.