ብሰንኪ ኮቪድ-19 ህዝብና ከርእዮ ዝሕተት ሓልዮት ቅዱስ ሕልናን

ብሰንኪ ኮቪድ-19 ህዝብና ከርእዮ ዝሕተት ሓልዮት ቅዱስ ሕልናን
ኣብ’ዚ ንርከበሉ እዋን ጽንኩርን ኣሕዛንን ኩነት ኮቪድ-19 ፡ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘርእይዎ ዘለዉ ሓልዮት፡ ንስግኣታቶም ዘንጸባርቕ ብምኽርን ተገዳስነትን ዝገብርዎ ኣስተዋጾ ቅዱስ ስርሓት’ዩ ኢዩ። ህዝቢ ካብ ህዝቢ ውድብ ካብ ውድብ፡ኣውራጃ ሃይማኖት…ወዘተ ከይተፈላልየ ብሓባር ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ክሓትት ይረአን ይስማዕን ኣሎ።
ተርእዮ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓለምና፡ንህላወ ወዲ ሰብ ዝፈታትን ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ለበዳ ሕማም፡ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ብምህላው’ዩ። ብሰንኪ ኮቪድ19 ኣብ ዓለምና ተበጺሑ ዘሎ ስግኣት፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ሎሚ ክንዮ’ቲ ዝሓለፈ ኩሉ መዳያዊ ዕንወትን ክሳራን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ህልውናኡ ከጓንፎ ዝጸንሐ ተጻብኦ ክረአ እንከሎ፡ ሓደ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ዝሓስብ ክብሎን ክሓተሉን እትጽበዮ ዉሁብ ዝኾነ’ዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ ንሕና ኤርትራውያን ከም ኣካል ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም መጠን ፡ ካብቲ ዝጸናሕናዮ ንዓና ዘይገልጽ ሂወትን ሃለዋትን ወጺእና፡ነቲ ሓቀኛ ትርኢትና ንመስለሉ፡ልባዊ፡ቅኑዕ፡ፍትሓዊ፡ሓልዮት፡ርህራሀ ምትሕግጋዝ፡ ምትብባዕ፡ ተስፋ ዘመንጩን ዘፈልፍልን፡ብሕልናን ግብርን ክንሰርሕ ከም ወትሩ ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ብፍሉይ ኣትኵሮ ክንሓስብ ዝገብረና መወዳእታ ዘይብሉ ፍሉይ ምኽንያታት ዘለዎ’ዩ። ኣብ ጉዳይ ድሕነት ሃገር መደባት ይስራዕ፡ መስርሕ ይጅምር እንዳተገምገመ ከኣ ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ሸተኡ ይበጽሕ። ሙሉእ ፍታሕ ከኣ ይረክብ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ፡ ነዚኣ መድረኽ’ሞ ንሕለፋ እንዳተባህለ ዝቀርብ ቀጻልነት ተሳትፎ ዘይብሉ ዝተበታተኸ መደብ ዋጋ የብሉን።
ኤርትራውያን ንህዝቦምን ሃገሮምን ኣመልኪቶም ድሕነት ክብሉ ዘካየድዎ ቃልሲ፡ ዝኸፈልሉ ከቢድ ዋጋ ዓመታት ኣቁጺሩ’ዩ። እዚ ጸዋዒት ድሕነት፡ ንኩሉ ነቲ ንህዝብና ብቀሊሉ ከሰንፎን ኣብ ሓደጋ ከውድቆ ዝኽእል ተርእዮታት ብምልላይ፡ ጉዳያት ማሕበራዊ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ከባቢያዊ ጽረየትን ብከላ፡ ምዕቃበ ሃገራዊ ጸጋታት፡ ንረብሓ ህዝቢ ዝውዕለሉ ትካላት ህንጸት ህዝብን ሃገርን፡ ቀዳምነት ብምሃብ ክስርሓሎም ዝብል ዝነበረ’ዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ሃገርና ዝተራእየ ግን ንዕብየት ወዲ ሰብ ዝገትእ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንጭቆና ዘገልግሉ፡ ዘይሕጋውያን ቤት ማእሰርትታት፡ ምስ ኵናት ዝተኣሳሰረ ጎንጽታት…..ወዘተ እዮም።
ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና ኤርትራ ምህናጽ ክበሃል ከሎ፡ ማለት ንኮቪድ- 19ን ካልኦት ተመሳሰልቲ ለበዳ ሕማማት ባህርያዊ ሓደጋታት ማይ-ሓዊ- ኣብ ልዕሊ ወዲ-ሰብ ዝገድፍዎ ተጽዕኖን ሸኸም ንምክልኻል ዘብቅዕ ኣብ ውሽጡ ዝሓቆፎ ምስጢር ሃገራዊ ዕላማን ራእይን ኢዩ’ውን ነይሩ። ግዛኣተ ሕጊ ዝሰፈኖ ምሕደራ ንረብሓን ድሕነትን ህዝቢ ዘገልግል ንኩሉ መዳያዊ ሂወት ወዲ-ሰብ ዝገዝእ ዝምድና ወይ ቀጥዒ ዩ። ብኩራቱ ከኣ ብመንን ካበይን ይምጻእ ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ ህዝቢ ግቡእ ምሕደራ ኣብ ዘይብሉ እዋን ንዝያዳ ሓደጋ ዘቃልዕ ብምዃኑ ሎሚ ኣብ’ዚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘለና ንሕስያ ዘይብሉ ስግኣት ሓደጋ ኮቪድ-19 ገጽ ንገጽ ኣራኺብና’ሎና።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብዋዛ ዘይረአ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ። ኤርትራዊ ኣብ ህዝቡን ሃገሩን ዝጸንሖን ዘለዎን ሓልዮት ጥንታዊ ምልክቱ’ኳ እንተኾነ። ነዚ ሓልዮት ኤርትራውያን ህያው ዝገብር፡ መደያይቦ መሳርሒ ዝኸውን ስርዓተ- ምሕደራ ኣብ ምርግጋጽ ግን ገና ኣይተዓወተን። እወ ብርግጽ ኤርትራዊ ኣብ ውሱን መድረኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ብወለዶታት ዝገለጽ ሓያል ቃልሲ ዝተኻየደሉ ጉዕዞ ከም ዝተጓዕዘ ታሪኹ ዝምስክሮ ሓቂ ’ዩ። ይኹን እምበር ከም ሃገር ኤርትራ ዝጸንሐ ኣካይዳ ፍሉይ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ ብተብተብ እሞ ነባሪ ዘይኮነስ ንግዜያዊ ፍታሕ ካብ ምሕሳብ፡ ብእዋኑ ተዳሊኻ ንምጽናሕ ዘኽእል ኩሉ እንተናዊ ምምሕዳራዊ ሰንሰለታት ብቕዓት ክህልዎ ዝገብር ትካላዊ ኣሰራርሓ’ዩ ዝግባእ ነይሩ።
ሎሚ ሃገራውን ሰብኣውን ሓላፍነት እንስከመሉ መሪር እዋን መጺኡና ብምህላዉ ሕጅውን ሓቢርና እንብገሰሉ ብዶሆ ኢዩ። ይትረፍዶ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምልካዊ ምሕደራ ዝርከቡ ህዝብን ሃገራትን፡ እቶም ዘመክሕ ምዕቡል ትካላዊ ኣገባብ ምሕደራ ዘለዎም’ውን እንተኾኑ፡ ንሕማም ኮቪድ.19 ፍታሕ ከምጽእ ኣብ ከቢድ ፈታኒ ጻዕርን ስራሕን ይካየድ ብምህላዉ ንሕና ኤርትራውያን’ውን፡ ካብ’ቲ ዘካይድዎ ዘሎ ስርሓት ትምህርቲ ክንቀሰምሉ ዝግባእን፡ ሓቢርና ከኣ ንድሕነት’ ህዝብና ክንሰርሕ፡ እዋኑ ካብ ማንም ንላዕሊ ይደሃየና ኣሎ። ስለዝኾነ
ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ንቡር ምሕደራ ምስኣኑ ንዝያዳ ሓደጋ ከይቃላዕ ኣብዚ ኣዚዩ ናይ ሞትን ሕየትን በዳሂ እዋን ከም’ዚ ልዕሊ’ሉ ክጥቀስ ዝጸንሐ፡ ብምስምስ ሕማም ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንብሕታዊ ስልጣን ዘይኮነስ፡ ሎሚ ሓቂ ከም ዘይቲ ኣብ ልዕሊ ማይ ጸምበለል ዝብል፡ ኩሉ ሽግር ህዝብና ላዕሊ ወጺኡ፡ ሰባት ክዛረብሉ ዘይደፍሩ ኩነታት ባዕሉ ዝዛረበሉ ዘሎ ግዜ በጺሕና ብምህላውና፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሕግን ስርዓት ክንብል ይግባእ። ሕግን ስርዓትን ምሕታት ኵርዓት’ምበር ሕፍረት ኣይኮነን። ዘሕፍር ሞት፡ ስደት፡ ጥፍኣት ሕማም፡ ድንቁርና፡ ጥምየት’ምበር።
እወ ንስኒትን ሰላምን
እወ ንህዝባዊ ትካላዊ ምሕደራ፡
እወ ንስብኣዊ ክብርን መሰልን
እወ ንምድግጋፍ – ንምትሕብባር ኢሉ ክለዓል ኣለዎ።
እዚ ኣብ ትግባረ ክውዕል ኣወንታዊ መልሲ ዘድልዮ ፡ ሓድሕድ ስምምዓት ቅሩብነት፡ ጽቡቅ ድሌት፡ መሻርኽቲ፡ ይሓትት። ብንጹር ኣገላልጻ እቶም ኩልና ኣብ ስደት ዘሎና ኤርትራውያን፡ ኣብ ዘዘለናዮ ሃገር ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ንምክልካል ብዝወሓደ ክሳራ ንምስግጋርን፡ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ምምሕዳራዊ፡ቴክኒካዊ፡ ሎጂስቲካዊ ውህደት ኣሰራርሓ ሞዴል ድሕነት ሓንቲ ሃገር ዘረጋግጽ፡ ንሕና እንታይ ንምሃር’ዩ።
ስለዚ ኣብ ንትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ ንዝርከብ ህዝብና ውሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ሓገዝን ሓበሬታን ክበጽሖ፡ እንተዘይተኻኢሉ ብመንገዲ ሳልሳይ ኣካል ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቦልካ ንዝኽእል ደገፍን ምትሕብባርን ክረክብ ኩሉ ውድባት ሰልፍታት ማሕበራት ውልቀ ሰባት ዝከኣለና ክንሰርሕ ንሕተት ኣሎና። ነቶም ኣብ ከም መደበራት ስደት ሱዳን ኢትዮጽያ ጅቡቲ……ወዘተ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኣካላትና ደገፍ ንምብርካትውን ሓባራዊ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ብምቋም ሰብኣን ሃገራውን ግቡእና ክንፍጽም ይግባእ። ተዓሚትካ ትገብሮ ተዓሚትካ ከለኻ ከኣ ይጠፍእ። ኩሉ ብዘይወዕልን ስምምዕን ከም እትገብሮን እትፍጽሞን ግብሪ ከም ማለት’ዩ። ምእንቲ’ዚ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርና ብሕግን ስርዓትን ኢድና ክንሕውሰሉ ክንሳተፎ ግደናን እጃምናን ከነበርክት ይግባእ።
ዜናን ሓበሬታ ውሓደለ
1 ሚያዝያ 2020
You must be logged in to post a comment.