ረአዩኒ ረአዩ ሕብኡኒ ሕብኡኒ (ላኣመጽእ)የምጽእ!!!

ረአዩኒ ረአዩ ሕብኡኒ ሕብኡኒ (ላኣመጽእ)የምጽእ!!!
ኣቦታትና ክምስሉ ከለዉ ብጣዕሚ ጥዑማት ኢዮም። ሓደ ሰብ ንዘይኮኖ ነገር ኣምሲሉ ክዋሳእ እንከሎ ” ብቛንቛ ትግረ ረአዩኒ ረአዩን ሕብኡኒ ሕብኡኒ ላኣመጽእ” ኢሎም ይምስሉሉ። ኣብ ኣብ ባህልና ወትሩ ምስላ ደርቢኻ ኣይክየድን ኢዩ። የግዳስ መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ስለዝበሃል ምኽንያት ምድጋም ምስላ ኣቦታተይ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።
ስርዓት ህግደፍ ለንቅነ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ለበዳ ኮቪድ .19 ክድሕን እንቃዓ እንቃዓ ምልዕዓላት ከካይድ ቀኒዩ። እቲ ምልዕዓል ብመንገዲ ሙዚቃ ተዋስኦ ቀጥታዊ መግለጺታት……ወዘተ መሳጢ ኣገባብ ኢዩ ዘቅርቦ ዘሎ። ትሕዝቶ ናይቲ ምኽሪ ግን ልክዕ ከምቲ ብኹሉ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክቀርብ ዝጸነሐን ዘሎን ከም ውሸባ ማሕበራዊ ርሕቀት በቲ ቫይረስ ንዝተለኽፈ ነብሰ ምንጻል ምሕጻብ ኢድ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ብዝሒ ሰብ ምውጋድ ዝዓይነቱ ምልዕዓላት ኢዩ። እቲ ምልዕዓል ካብ ናይ ካልእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ፍሉይ ዘምስሎ እምበእር ኣብ ፕሮፓሃንዳዊ ጻዕቁን ትረቱን ጥራሕ ኢዩ። ህግደፍ ከም ወትሩ ሓሌት ህዝብን ሃገርን ብዝምልከት ክመስሎ ዝደሊ ካብ ናይ ከባቢኡ መንግስታት ኣረ ካብናይቶም ዝማዕበሉ መንግስታት ጽፉፍን ብቅልጡፍን ናይ ምትግባር ስረሓት ከም ዝዓምም ኮይኑ ክረአ ዩ ዝፍትን። ነዚ ኣገባቡ እዚ ድማ ከምቲ ፋሽሽቲ ሂትለር “ፕሮፓጋንዳ ህዝቢ ኣብ ገሃነም እሳት እንከሎ ኣብ ገነት ከም ዘሎ ዝገብር ዕዮ ኢዩ” ብዝብል ርኹስ መርሆ ካብ ግብራዊ ኣገልግሎት ህዝቢ ባዶ ክንሱ ንሓንጎል ወዲ-ሰብ ብዝሓጽብ ጽዑቅ ናይ ሃልኪ ዜናዊ ዕዮ ኣገባብ ኢዩ ክፍጽሞ ዝረአ ዘሎ። እዚ ልቢ የወሃት ዝሰርቅ ፍረ ኣልቦ ኣገባብ ድማ ህዝብና ንነውሕ ዓመታት ዝተሳቀየሉ ተመኩሮ ዩ። እቲ ህግደፍ ኣብዚ ኣዚዩ ሰብኣዊ ሕልና ዝድለየሉ ናይ ሞት ወይ ሂወት ኣዚዩ ጽንኩር እዋን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ህዝቢ ንምድሓን እናበለ ገንዘብ ንምእካብ ናይ ወፈያታት ጽዑቅ ወፍሩ ንብዓት ሓርገጽ ከፍስስ ይርከብ ኣሎ።
ብግብሪ ኣብ ባይታ ዘሎ ሃለዋት ዜጋታት ግን በንጻር ናይቲ ህግደፍ ከካይዶ ዝርከብ ናይ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ናይ ሓሌት ምስሉይነት ኢዩ። እቲምንታይሲ ብኣማእት ኣሸሓት ዜጋታት ኣብ ቤት ማእሰርትታት ይርከቡ። ካልእስ ይትረፍ ዋላ ነቶም ብክሲ ስግረ-ዶብ ካብ ኣሃዱኦም ኮብሊሎም እናበለ ኣብ ትሕቲ ጎዳጒዲ ኣኪብዎም ንዝርከብ ዜጋታት ኣብዚ ፈታኒ ናይ ሰብኣውነት እዋን ክለቆም ኣይከኣለን።
እቲ ኣዚዩ ዝገረመንን ነቲ ከም ናይ ጽሑፈይ ኣርእስቲ ኣስፊረዪ ንዘለኹ ምስላ ኣቦታት ክደግም ዝገበረኒ ምኽንያት ግን ለንቅነ ኣብ ማዕከን መናፍሕ ቲቪ ህግደፍ ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና ዕድመ ተገሩሉ ምኽርታቱ ንህዝቢ እናገለጸ ከሎ ጸጋጠም ተረኽቦ ኢዩ። መሳኪን ሂወት ዘድሕኑ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሓቂ ናብ ህዝቢ ናይ ምብጻሕ ዝዕላምኦም ጋዜየኛታትን ብምዓከናት ጨፍጫፊ ስርዓት ዓደምትን ተዓደምትን ኮይኖም ስርሖም እናኣበርከቱ ዘጋጥሞም ጸገም ብዙሕ ዩ። እወ በቲ ሓደ ሸነኽ ንህዝቦም ከገልግሉ ይህንጠዩ በቲ ካልእ ድማ እንታይ መዘዝ ኮን ይስዕበኒ እናበሉ ይሳቀዩ። ኣብዘን ሕደት መዓልታት ኣብ ቲቪ ህግደፍ ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና ተዓዲሙ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ብዝምልከት ብጋዜጠኛን ካልኦት ብተለፎን ተኣታቲዮም ብዝሓቱ ዜጋታት ንዝቀርበሉ ሕቶታት እናመለሰ ኣብ ዘስተምህረሉ ዝነበረ እዋን ።
ጋዜጠኛ:– ሃለው መን ክብል?ሓንቲ ዋዕሮ:– ክስቶ ጓል ኩስቶ ካብ ዓዲ ሶግዶ ኢየ።
ጋዜጠኛ:—ሕራይ ኩስቶ ቀጽሊ እንታይ ክትብሊ ደሊኺ ኣለኺ?
ዋዕሮ:– ተሓጸቡ ተሓጸቡ ትብሉና ኣለኹም ማይ የለን ማይ ዘየለ ብምንታይ ተሓጸቡ ትብሉና ኣለኹም!!!!????????!!!
መስኪናይ ጋዜጠኛ ኣብ ትሕቲ ኣረመን ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ክቀርብ ኣይተጸበየን መስለኒ ሸለብ ገለብ ክብል ጸኒሑ ሕራይ እምበኣር ዶክተር ኣብዚ እዋን ኮቪድ19 ካብቶም ተወሺቦም ዘለዉ ስድራ ንኣዚዩ ኣድላዪ ዝኾነ ጉዳይ ሓደ ሰብ ንደገ ክወጽእ ፍቁድ ዩ ስለዚ ንገዛ ምስተመልሰ እቲ ማይ ንዑኡ ክኸውን ኣለዎ ወይስ ከመይ ትብል ዶክተር ???????
ኣነ ብሸነኸይ:— እወ ለጋሳት ህግደፋውያን ስጋይ ስጋኻ ዘይብል ኣብ ጥቃ ሓራስ ኣይቅረብ። እወ ነቲ ብደገ ዝመጸ ክኸውን ኣለዎ!!!!!!!!!!!!!
መስኪናይ በዓል ሞያ ጥዕና:–እእእ እንተተኻኢሉ ኩሉ ክሕጸብ ኣለዎ እንተዘይኮነ ግን እቲ ብደገ ዝመጸ ክሕጸብ ኣለዎ።
ረአዩኒ ረአዩኒ ሕብኡኒ ሕብኡኒ (ላኣመጽእ) የምጽእ
ርዱእ ክኸውን ተስፋ ይገብር
ርሑስ ፋሲጋ
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.