መልእኽቲ በዓል ትንሳኤ ንህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ ኣ/መ ፈ/ሽ ውሐደለ

መልእኽቲ በዓል ትንሳኤ
ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ
ኣ/መ ፈ/ሽ ውሐደለ
ብምኽንያት ዓብይ በዓል መዓልቲ ትንሳኤ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንእትርከቡ ህዝብና እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሓልኩምን፡ ኣብ በዓል ፋሲካ ኣብጽሓኩም እንዳበልኩ ሰላምታይ ከመሓላልፍ እፈቱ። ዝኽበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣመንቲ ክርስትና ኤርትራውያን፡ ኣብ’ዚ እንርከበሉ ዘለና እዋን ንህዝብናን ንህዝቢ ዓለም ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣዝዩ ዘሻቅልን ኣብ ማሕበራዊ ሂወትና ከቢድን ተጽዕኖ ዘለዎ ኩነታት ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19 ዝበዓል ዘሎ መዓልቲ ፋሲካ ወይ ትንሳኤ ክርስቶስ ፍሉይ ዝገብሮ ብዙሕ ክጥቀስ ዝኽእል’ኳ እንተሃለወ ብሕጽር ዝበለ፡ እዚ ሎሚ ዓመት ነብዕሎ ዘለና በዓል ትንሳኤ፡ ንኩሉ ህዝቢ ዓለምና ንዝተማልአ ማሕበራዊ ሂወት፡ ሕልናን፡ ተስፋን ትንሳኤ ደቂ ሰባት ክኸውን ትምኒተይ እገልጽ።
ደጊመ ርሑስ በዓልት ትንስኤ ይግበረልና፡
ተስፋሚካኤል ዮሃንስ
ኣ/መ ፈ/ሽ ውሓደለ
18 ሚያዝያ 2020
You must be logged in to post a comment.