ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝዝረብ ዘሎ ሓደገኛ ወስታት ውሓደለ ተጸዋርነት የብሉን !

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝዝረብ ዘሎ ሓደገኛ ወስታት ውሓደለ ተጸዋርነት የብሉን !

1 ግንቦት 2020 ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዝኽበረሉ’ዩ። እንተኾነ በዚ ሎሚ ንህዝቢ ዓለም ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓድሽ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ሳዕቤናቱን ከም’ቲ ንቡር ዝካየድ ክብርን በዓልን ኣይክኸውንን’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ ኣህጉራዊ ሰራሕተኛታት፡ ውሓደለ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምትና ብምቅዳም፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ከኣ ሓድነቱ ከስፋሕፍሕ፡ከድልድል፡ከጎልብትን ከሕይልን ይጽውዕ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ክዝረብ ክጸሓፍ ዝቐንየ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታትን ከይዱ ከይዱ ከኣ ምድንጋራትን ፈጢሩ ንምብትታኑ ዝዓለመ ሓደገኛ ወስታታት ውሓደለ ተጻውርነት የብሉን። ውሓደለ ከም ሃገራዊ ውድብ መጠን ሓድነት ህዝብን መሬትን ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ዝገበረ፡ ብውሳኔታቱ ምስ ኩሎም መሓዙት ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ንተጻይ ተበግሶ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰርሕ ንዘበለ ይውግድን ይቃወምን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ዝሓለፎን ዝሕልፎን ዘሎ ጭቆናን ትንፋስ ዘይህብ ሂወት፡ ንሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ንምስግጋር፡ ንባዕሉ ዓብይን ሰፊሕን ጥርናፈ ዘድልየሉ ሓቢርካ መፍትሒ ንምርካብ ደኣምበር፡ መትሓዝን፡ መኣዝን ዘይብሉ ፈላላዩ ነጻሊ፡ ጽልእን ቅርሕንት ዝፍሕትር መስርሕ ጭርጭር ቃልሲ፡ ንደላይ ፍትሒ ውድቐት፡ ንመላኺ ከኣ ገጸ በረኸት ወይ ህያብ ንፖለቲካዊ ዕንደራ ህግዲፍ’ዩ።

ምእንቲ’ዚ ሓደ ንጹር ሃገራዊ ፖለቲካዊ ራእይ ኣቐሚጥካ ሓቢርካ ምቅላስ ኣማራጺ ዘይብሉ እዋኑ ዝጠልቦ ኣገባብ ቃልሲ’ዩ። ኩሉ ከም ዝርድኣኦ ከኣ ትሕተ ሃገራዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ኣገባብ ቃልሲ ንህዝብና ከም ዘየዕውቶ ፍሉጥን ብሩህን’ዩ። ኤርትራውያን ከም ኤርትራውያን ብሓባር ወዲቕና ብሓባር ንትስኣሉ፡ ኩሉ ወገን ዝሓብረሉን ዝረብሓሉን ዝኸብረሉን ክኸውን ብዝግባእ መርሕ ቃልሲ ብንቕሓት ክትሓዝ ከም ዘድልዮ ክንግዘበሉ ይግባእ። ልክዕ ኤርትራ ዝተፈላልዩ ብሄራትን፡ እምነትን ዘለዋ ሃገር’ያ። ብዙሕነትና ከኣ መርኣያ ታሪኽናን ባህልናን’ምበር ከቶ መፈላልዩ ክኸውን ኣይግባእን። እቶም ፈላላዪ ፖለቲካዊ መርዚ ዝነዝሑን ዘደናግሩን ንባዕሎም ብዘጋጥሞም ማዕበል ተቃውሞ ሙሉእ ብሙሉእ ረብሓታቶም ክረጋገጽ ከም ዘይክእልን ይፈልጡ። ብኣንጻር’ዚ ተግባራት ከኣ ሓድሕድካ ብምክክባር፡ ብምትሕግጋዝ ሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ክስርሓሉ ንክእል ሰፊሕ ባይታ ቃልሲ ስለ ዘሎ፡ ብሓድነታ ሰንሰለታዊ መግዛእትታ በናጢሳ ነጻነታ ዝረኽበት ታሪኻዊት ሃገር ክብራ ዓቒብና፡ ክብርና ዓቒብና ንኤርትራ መሲልና’ዩ። ኤርትራ ንኩልና’ምበር ንሓደ ፍሉይ ብሄር ወይ እምነት ጥራሕ ክትመስል ኣይትኽእልን’ያ። ኤርትራ ንዓይ መሲል ክትነብር ኣለዋ ዝብል ኣበሃህላ ከኣ ዓብይ ሓደጋ’ዩ። ሓድነታ ዝሓለወት ኤርትራ ኩሉ ክህሉ ዝኽእል ብዙሕነት ባህልን፡እምነታትን ኣብ ማዕርነት ዝተሞርኮሰ ናቱ ክብርታት ክህልዎ ብዘተን ልዝብን ክብጻሕ ስለ ዝኽእል፡መሰረት መትከላዊ እምነት ቃልሲ ውሓደለ ንፍጹም ዓወት ከኣ ካብ’ዚ ዝነቐለ’ዩ።

ንህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ዘካይዶ ዘሎ ዕቱብ ጎደና ቃልሱ ንምውጻእ፡ ንምድኻም፡ ንድሕሪት ንምምላስ ዝግበር ከንቱ ፈተነታትን ሃቐነን ከኣ ብትሪ ንቃወምን ንኹንን።

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

1 ግንቦት 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.