ኣኼባ ኣባላት ውሓደለ ዞባ ኤውሮጳ ፡

ኣኼባ ኣባላት ውሓደለ ዞባ ኤውሮጳ ፡
ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ውሓደለ ብ2 ግንቦት 2020 ብግዚያዊት ዞባ ሽምግለ ተማእኪሎም ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብ’ዚ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ፡ህሉው ኩነታት ዓለምና ብጠንቂ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሓደጋ ትርከበሉ ዘላ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ይውሓድ ይብዛሕ ስርሓት ተወንዚፉ ዝኸይድ ዘሎ ንኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ውሓደለ ዝፈልዮ ብዘይምንባሩ፡ ኣኼባታት ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኣብ ሳይቨር ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ኩሉ ኣባል ተሳታፊ ኣኼባ፡ ብኣትኵሮ ዘቅረቦ ሓሳብን ርእይቶን፡ ኣብ’ዚ ተኣፋፊ መድረኽ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘለዎ ሻቕሎቱን ዝገልጽን፡ ፍታሕ ንምርካብ ዝድህስስ ምንባሩ’ዩ።
ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ዘይብሉ ምሕደራ መላኺ ስርዓት ደረጃ መነባብሮ ህዝብና ካብ ግዜ ንግዜ እንዳንቆልቆለ፡ ጭቆናን ግፍዕን እንዳከበደ ብቀጻሊ ዝረኣየሉ ዘሎ ኩነታት፡ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተወሲኽዎ ሂወት ህዝብና ሃገርና ካብ’ቲ ዝነበሮ ዘይርጉእ ሃለዋትን ኩነታትን ብናህሪ ንሓደጋ ዝመርሕ ብምዃኑ ብምግንዛብ፡ ውሓደለ ምስ ደላይ ፍታሕ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማሕበራት፡ውድባት፡ሰልፍታት ብምትሕብባር ህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ጻዕርታት ከካይድ ከም ዘለዎ ርእዩ። ኣብ ኤርትራ ንዘሎ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣሊኻ ብህዝባዊ መንግስቲ ንምትካእ ኩሉ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታትን ውሳኔታትን ዘሎ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓድነት ክጸምድ ጸዊዑ።
እዚ መስርሕ ሓድነትን ኮነ ሓባራዊ ኣሰራርሓን ምትሕግጋዝን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ይጽንሓለይ ዘይበሃለሉ ቀንዲ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ መልሲ ክርከበሉ ግድነት ዝገብሮ፡ ትጽቢትናን ድሌትናን ድሌት ህዝብና ስለ ዝኾነ’ዩ። ነዚ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ንምትግባሩ ማዕረ ክብደት ግፍዒታት ህዝብና ብርቱዕ ጻዕሪ ክካየደሉ ዘለዎ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ መድረኻት ቃልሲ ዝፈጠሮ ፍልልያት ንጎኒ ገዲፍናን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ኣቐሚጥና፡ ብሓድሽ መንፈስ ብሓድነትን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንበገስ።
ክንዕወት’ና
ዜናን ሓበሬታን
ዞባ ኤውሮጳ ውሓደለ
4 ግንቦት 2020
You must be logged in to post a comment.