ጣቋ ፖሊቲካ

ጣቋ ፖሊቲካ
ብዛዕባ ፖሊቲክ ክዝረብ ወይ ክግለጽ ነዊሕ ዘመናት ዘቁጸረ’ዩ። ፖለቲካ ኣብ’ቲ ድሒሩ ዝመጸ 17-18 ክፍለ ዘመን ምስ ምዕባለ ኢንዱስትሪታትን ንኣሽቱ ቤት ዕዮታት ስፍሓትን ዕብየትን ፖለቲካ ብዝተፈላልየ መኣዝን ዝተረኣየሉ ብፍላይ ኣብ ንጉሳውን መንግስታውን ደረጃ ዕብየት’ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑስ ድሕሪ ቀዳማይ ካልኣይ ኵናት ዓለም ንጹር ዝኾነ ስነ-ሓሳባዊ (Ideology) ብዝተሰነየ ነቶም ቀዳሞት ግሪኻውያን፡ ፋርሳውያን ምዕቡላት ፈላስፋታት ወይ መሃዝቲ ስርዓት ሕብረተ ሰብ፡ ሕጋውነቱ ማሕበራውነቱ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ቅርጺ ዘትሓዘን ግን ከኣ ዝተፈላልየ ደረጃ ማሕበራዊ ናብራ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ሕቶ ዝመለሰ’ዩ ዝነበረ’ዩ ክበሃል ይኽእል፡መጎተን ምርጫን ግን ኩሉ ግዜ ነይሩ’ዩ።
መልእክቲ ጽሑፍ ንምሕጻሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሰንሰለታዊ መግዛእቲታት፡ ምስ’ቲ ዝነበሮ ምሕደራዊ ቅርጺ ንመድረኻት መግዛእቲ ንምልላዩን ንምፍላጡን ግዜ ኣወሰደሉን። ቀንዲ ጣቋ ፖሊቲካ ንዝብል ኣርእስቲ ከኣ ኣብ’ዚ ዝተመርኮሰ’ዩ።
እወ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ መግዛእቲታት ክቋወም ዝገበሮ ዝሓሸ ምምሕዳርን ቅርጽን፡ ሓድነትን፡ ክብሪ ስለ ዝነበሮ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ከኣ ነቲ ዋላ ብትሕዝትኡ ድሑር ናውትን ፡ኣገባብ ማእቶት ይንበሮ፡ መተካእታ ዘይብሉ ሂወት ናብራ ባርነት ክመርጽ ኣይገበሮን። ብኣንጻሩ ምስ ሕሱም ድኽነቱ ነጻነት መሪጹ። ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ክመጽእ ባህርያዊ’ዩ። መልሱ ከም’ቲ ገዛእቲ ሓይልታት ከይተረፉ ዝምስክርዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሓደረሉ ኣገባብ ስርዓታት ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማዕርነት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ድልዱል ሓድነት ዝፈጥር ኮይኑ ስለ ዝተሰርዐ፡ ምስ ኣገባብ ስርዓት ገዛእቲ ሓይልታት ዝቓዶን ዝሰማምዕን ብዘይምንባሩ’ዩ። እዚ ብዝተገለጸ ይገለጽ ሓደ ንጹርን ግሉጽን ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝጣበቕ ጣቋ ፖሊቲካ’ዩ። ስለ’ዚ ከኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ንመዋእል ሃገሩ ከይትድፈር ተኻላኺሉ ዝጸንሐን ክሳብ ሕጂ ካብ ውሽጣውን ግዳማውያን ሓይልታት ዝከላኸል ዘሎን።
ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብቀጥታ ንረብሓ ህዝቢ ዘይውክል፡ ጃንዳ ህግዲፍ ዝመርሖ ፖለቲካዊ ዕንክሊል፡ ምስ’ቲ ገገለ ብትንኩልና፡ ገገል ብግርህነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝዝርጋሕ ፖለቲካዊ ጣቋ ወይ ፖለቲካዊ ቁምነገር ዘይብሉ፡ ግን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈላልን ዝበታትን ዝካየድ ሃቐነን ፈተነታትን’ዩ። እዚ ፖለቲካዊ ጣቋ ዘይብሉ ትሕዝቶ ከኣ ንደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ንምፍልላይ ብውሽጢ ሃገር ብምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝበጋገስ፡ ዘይተባህለ መርዛም ወረ ዝነዝሕ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልኣይ ከኣ ኣቃልቦ ህዝቢ ንምዝንባል፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዛዕባ ኤርትራ ዝዝረብ ከም ቀንዲ ኣገዳስን ውራይ ኤርትራውያን ኮይኑ ንምቅራብ ዝግበር ትዋስኦታት’ዩ። እዚ ሽግር’ዚ ንህዝብና ብሓፈሻ ብፍላይ ንደላይ ፍትሒ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ምድንጋራት ኣይፈጠረን ክበሃል ኣይክእልን። ብዙሕ ጉድኣታት ኣስዒቡ’ዩ፡ የስዕብ ከኣ ኣሎ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ምበር ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ እንተሃለወ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ኣብ ዕላምኡ ጸኒዑ፡ ነቶም ከዘናብልዎ ዝፍትኑ ምምካት’ዩ።
ረብሓ ህዝብ ኤርትራ ዘይውክል ርእይቶ ዝኸደ ርሕቀት እንተኸደ፡ ዝበለ እንተበለ ንዘለኣለም ረብሓና ዝውክል ክሳብ ዘይኮነ ብእዋኑ መስመርካ ኣለሊኻ ጣቋ ፖሊቲካ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ምክብባርን ደኣ’ምበር ብዝኾነን ዘይኮነን ኣውራጃን ሃይማኖትን፡ ብሄርን ዓሌትን ብምዝማር ዝመጽእ ጥፍኣት እንተዘይኮይኑስ ሓንቲኳ ማሕበራዊ ለውጢ ከረጋግጽ ዝኽእል ኣይኮነን።
ጣቋ ፖሊቲካ ምስ ረብሓ ዝተኣሳሰረ’ዩ ዶ ኢልና፡ እሞ ኣብዛ ነጥቢ እንተተሳማሚዕና፡ ብዛዕባ’ቶም ኣንጻር ቃልስና ዝምድሩን ዝዛረቡን ውሽጣውያን ይኹን ግዳማውያን ሓይልታት ከም ገጸ በረኸት ንዝበልዎ ኣሉታዊ ኣምጺእና ኣብ ክንዲ ጉዳይና ዝበልዎ ክንደጋግም ግዜና ነጥፍእን ግዜና ኣብኡ ከነሕልፎ ኣይግባእን። መደባትካን ጉዳይካን ኣቀሚጥካ፡ ጸላእትኻ ኣንጻር መደባትካ ንዘልዕልዎ ፈላላዩ ኣርእስቲ ክትዛረበሉ ክወግሕ ክመሲ ምስ ምንታይ ክቁጸር ይከኣል።
ብዛዕባ ከባቢኻ ክትፈልጥ፡ ጋዜጣ ከተንብብ፡ ዜና ሬድዮን ቲቪ ክትሰምዕ ግቡእ’ኳ እንተኾነ፡ ሚዛን ወሲድካ መስርሕ ቃልሲ ንምትዕርራይን ንምትኽኻልን ክትጥቀመሉ’ምበር ተመሊስካ ጓኖት ኣንጻርካ ንዝበልዎ፡ ከም ዝወከልካዮም ብዘምስል ኣገባብ ጉዳይካ ረሲዕኻ ብዛዕብኦም ምዝራብ ተደላይነት ዘለዎ ኣይኮነን።
ካብ ጓኖት መራሕቲ ዝብልዎ መራሕትና፡ ካብ ሬድዮታት ቲቪታት ጓኖት ዝብልዎ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝጣበቕ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራ ዝብልዎ ምድጋም ዶ ኣይመሓሸን። ካብ ምሁራት ጓኖት ዝብልዎ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነባራትን መንእሰያትን ሓርበኛታት ዝብልዎ ምድግጋም ዶ ኣይምሓሸነ ? ብዘይ ቃል ዓለም እወ ምሓሸ። ምእንቲ’ዚ ነዚ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ንሓድነት ዝግስግስ ዘሎ ጸጋታት ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ደጊፍካ ምዝራብ ዝለዕለ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝጣበቕ ታሪኻዊ ምጽንባር መደኽ ዝሓቶ እዋናዊ’ዩ። ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክርከብን ክሰኣን ከኣ በዚ ዳሕረዋይ ሕጡብ መግለጺ ኤርትራውያንን ኤርትራውነትን’ዩ።
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ሽፋ መሓመድ ኑር
11 ግንቦት 2020
You must be logged in to post a comment.