ዘሕጉስ ቅንያት ዝኽሪ ክብሪ መዓልቲ ኣደታት

ዘሕጉስ ቅንያት ዝኽሪ ክብሪ መዓልቲ ኣደታት
ዝሓለፈ መዓልታትን ሰሙንን (ሳምንቲ) ብትሕዝቶኡ ኣዝዩ ዘሕጉስ ዘገርም፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ጽንኩር ኩነታት ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ተስፋ ዝህብ፡ ልቢ ዘረስርስ ዘሕጉስ ቅንያት ዝኽሪ መዓልቲ ኣደታት ብዙሕ መሰረታዊ ትርጉም ዘለዎ ታሪኻዊ ማሕበራዊ መላኽቲ ተመሓላሊፉ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ሎሚ ዓመት ኣዝዮም ብዙሓት ብፍላይ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ነባራት መቃልስቲ፡ መሓዙትን ፈተውትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ዝኽሪ ኣደታት ንኩሉ ዝውክል ፍቅርን ናፍቆትን ዝመልኦ፡ ከም ኣደታት ኩልና ዝተዘከራን ዘርኢ ምንባሩ ስምዒታዊ ጥራሕ ዘይኮነ ብልክዕ ሞያ ኤርትራዊት ኣደ ዝገልጽ’ዩ ነይሩ። ሎሚ ዓመት ብቁጽሮም ብዙሓት ብስእሊ ምስ ኣደታቶም ወላዲቶም ብስእሊ ከላልዩና ከለዉ፡ ኣብ ስእሊ ኣደታቶም ስእሊ ካልኦት ኣደታት ከም ዘንጻበርቅ ገይሮም’ዮም።
መዓልቲ ክብሪ ኣደታት ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ዘይኮነስ፡ ካብ ማሕጸን ክሳብ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሕን ብሃልሃልታ ፍቅሪ ቀጻልነት ዝስዕብ ህላውነት ወላዲት መወዳድርቲ ዘይብሉ ኩሉ ግዜ ህሉው’ዩ። መቼም ኩሉ ግዜ ክመ’ቲ ጉዕዞ ብኪሜ፡ ግዜ ከኣ ብክልኢት መቁጸሪ ስለ ዘድልዮ ወላዲት ከኣ ንኩሉ ሓልዮታን ፍቅራን ሞያኣን ከም መቁጸሪ ሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ክትህሉ ንስለ ዝተደለየ መዓልቲ ዝኽሪ ክብሪ ኣደታት ክህሉ ግድነት’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዝተፈላየ ኣህገራት ዝተፈላልየ መዓልቲ ዝኽሪ ክብሪ ኣደታት የብዕሉ። ከም ኣብነት ኣብ ኣሜሪካ፡ፊንላንድ፡ደንማርክ ኣብ ካልኣይቲ ሰንበት ግንቦት ይካየድ። ኣብ ሽወደን፡ ሞሮኮ፡ፈረንሳ መወዳእታ ሰንበት ኣብ ወርሒ ግንቦት ይካየድ። ኣብ ኖርወይ ዕለት 2 ጥሪ ይካየድ። ኣገዳስነት ዝተፈላልየ ዕለት ዘይኮነ ዝኽሪ መዓልቲ ክብሪ ኣደታት’ዩ።
ካብ’ቲ ዝገርም ምስ ብዙሓት ኣደታትና ብስእሊ ክንላለን፡ መልክዕ ስእሊ ኣደታትና ክንርእን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንዝኸፈልኦ ሓፍ ዘይብል ከቢድ ዋጋ ዘዛኻክር ታሪኻዊ ስእልታት፡ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ ዝኽሪ ርእና።
ካብ’ዚ ዝዓቢ ተስፋ፡ትጽቢት ከኣ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ጉዳይ ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካዊ ሸነኻቱ ዘሕልፎ መልእክቲ ቀሊል ኣይኮነን። ብግዜ ገድሊ ይኹን ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብድሕሪኡ ፍልሰት መንእሰይ ኤርትራ ጉዕዞ ምድረበዳታት ሲናይ ሊብያ፡ ማእከላይ ባሕሪ ደሚርካ ኣደታት ዘሕለፍኦ ስቓይ ናብራ፡ ተመሊሱ ብስእሊ ኣደታት ኣብ ደቐን ዝረኣይ ምረትን ማሕበራዊ ሂወትን ስደትን፡ ንፍትሒ ዘማዕዱ ምስ መሰል ስድራ ቤት ህንጸት ሕብረተ ሰብ ዝተዛመደ ኣዝዩ ብዙሕ መልእክቲ ዝሓዘለ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን።
ካልእ ኣብ’ዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ሓደን ኣገዳስን ቁምነ ንገር ኣሎ። እዚ ከኣ ሓድነት ኤርትራውያን ብውዕለትን ሞያን፡ ርህራሀን ፍቅርን ኣደታትና ኣቢሉ ሰሊኹ ዝኣተወ ፍትሓዊ Mህደራ ተኣምር ሓድነትና’ዩ። ምእንቲ እዘን ብሂወት ዘለዋን ዝሓለፋን ኣደታትና ክንኣትዎ ዘለና መብጽዓታት ሓይሊ ሓድነት ከኣ ነጺሩ ዝረአ መልእክቲ ዝሓዘለ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ መዓልታት ቅንያት ስእሊ ኣደታት ኤርትራውያን ብምርኣይና ብፍሉይ ስእሊ ኣደይ ዘይሰደድኩ ዝብል ስምዒት ዘሕደረ ደላይ ፍትሒ ኣሎ ዝብል ስምዒት የብለይን። ከመይስ ናይ’ተን ድሮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዝUሃት ወኢጽኡ ዘሎ ስእልታት ስእሊ ኣደታት ኩልና ስለ ዝኾነ። እዚ ከኣ ዘዅርዕ ባህሊ ኮይኑ ክቅጽልን። ብመንፈሰንን ዝኽረንን ክንብርትዕ ሓልዮትን ፍቕርን ከኣ ንሓድነትና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክሳብ መወዳእታ ክንምክት ዝገብርና’ዩ።
ካብ’ቲ ዝገርም ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ካብ’ቲ መዓልቲ ክብሪ ኣደታት ብብዝሒ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ምዝርግሑ ውልቃዊ ናፍቆት ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገራዊ ናፍቆትን ሕሉፍ ተሞክሮታት ኣደታት ኣብ ቃልሲ ከይተረፈ መግለጺ ዝነበሮ ንስለ ንኣሉታዊ መርትዖ ቦታ የብሉን። ኣደ ትኽብረሉ ሃገር ከኣ ፍትሒ ከም ዝህሉ ርጉጽ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብዅሩ ዘሎ ፍትሒ ክውን ንምግባር በዚ ኣጋጣሚ ኩልና መብጽዓታትና ከነኽብር ይግባእ። ከም’ዚ ክብርታት ዘለዎ ወግዒ ከኣ ክብርና መሰልና ክምለስ ዘለዎ ተኽእሎ ዓብይ ምኳኑ ክንግንዘቦ ይግባእ።
ፍትሒ ይንገስ
12 ግንቦት 2020
You must be logged in to post a comment.