መግለጺ ሓዘን ሓርበኛ ነባር ተጋዳላይ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል

መግለጺ ሓዘን ሓርበኛ ነባር ተጋዳላይ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል
ሓርበኛ ነባር ተጋዳላይ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ ብ15 ግንቦት 2020 ብሞት ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩና። ተጋዳላይ ፍቕረማርያም ካብ ግዜ ንእስነቱ ብዝነበሮ ተገዳስነት ኣብ ሕጊ፡ባህሊ፡ ታሪኽ ኤርትራ ዘሕደረሉ ልዑል ተገዳስነት ንሃገራዊ ፍቕሪ ዘበራበሮ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ንቃልሲ ንበረኻ ኣብ ዝወፈረሉ እዋን፡ ፍቕረማርያም ምስ መሓዙቱ ነጻ ኤርትራ ክርኢ ዝበሃጎ ከም ኩሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ማሙቕ ሂወት ስድራ ቤት፡ ትምህርቱ ገዲፉ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ተሰሊፉ ተቃሊሱ። ኣብ ቃልሲ ከኣ ብጻይ ኩሉ ተጋዳላይ ሓላይን ኮይኑ ዝሕለፎ ናብራ ገድሊ ዝኽሪ ትማሊ ሕያዋይ፡ መዓዲ መምህር ምንባሩ ዝግለጽ ባእታ’ዩ። ድሕሪ ዝሓለፎ ጽንኩር ገድሊ ሂወት ከኣ ስደት ኣብ ሃገር ሰሜን ኣሜሪካ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ንልዕላውንት ሕግን ፍትሕን፡ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ኣብ ጎኒ ደላይ ፍጥሒ ዝኾነ ተባዕ ህዝቡ ኮይኑ ክቃለስ ጸኒሑ።
ውሓደለ ንመዋቲ መንስተ ሰማይ፡ ንስድራ ቤት ከኣ ሓይልን ጽንዓትን ይሃብ ይብል።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ
16 ግንቦት 2020
You must be logged in to post a comment.