ሓጻር መገሻ ተርኽቦ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከተማ ዮቶቦሪ ሽወደን ወርሒ ጥቅምቲ 1998፡ ቀዳማይ ክፋል

ቀዳማይ ክፋል

ሓጻር መገሻ ተርኽቦ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከተማ ዮቶቦሪ ሽወደን ወርሒ ጥቅምቲ 1998

እዛ ጽሕፍት ቅድሚ 22 ዓመት ዝጸሓፍክዋ መጽሐት ”ሎሚ’ኸ ናበይ ገጽና’ና ” ትብል ዘርእስታ ዝተወስደ ሓደ ክፋል ተሞክሮን ሓይልን ጥርናፈ ህዝብታት ትገልጽ ጽሕፍቲ ዝተወሰደ’ዩ። እዚ ሕቶ ሎሚ’ውን ድሕሪ 22 ዓመታት ዝኣክል ሓሊፉ ከም’ቲ ሽዑ ዝነበረ ውዕይ ሎሚ’ውን ውዕይ እዋናዊ ሕቶ ኮይኑ እታ ጽሕፍቲ ከም ዘላታ ንኣንበብቲ፡ናባኹም።

ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ክንኾርዓሉ ክንሕበነሉ ዝዛረበሉ ዝነበርኩ፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ቁጽሪ ጥራሕ ክርኢ ንስለ ዝሕጎስ ኣይኮነኩን። ብዙሕ ህዝቢ ተኣኪቡስ ብምክብባር ሓቢሩ ንጠቕሙ ረብሕኡን መደብት ክሰርዕ እምበር። ከም’ቲ ኤርትራዊ ተኣኪቡ ክሕግዘኒ ትጽቢት ዝገብረሎም ዝነበርኩ መድረኻት፡ ሕጂ ከኣ ነቶም ካባይ ሓገዝ ዝጽበዩ ኤርትራውያን፡ ብኣገባቡ ዓቕመይ ዘፍቅዶ ሓገዘይ ክገብር ሕልናይ ስለ ዝወቅሰኒ፡ መን፡ ኣበይ፡ እንታይ ብዝየገድስ እቲ ንዓቕሚ ሓገዘይ ጻዋዒት ዝገበረ ብኣገልግሎተይ ቅድመ ኩነት ጠጠው ክብለሉ፡ ግድነት’ዩ። ሽግራት ሓደጋታት ብምርጫ ብድሎ ተዳሎ ብመደብ ዝመጹ ኣይኮኑን። ምእንቲ’ዚ ንዝተፈላዩ ሽግራት ዝተፈላልየ ደገፋት፡ ቀጺሉ ብኣገባቡን መልክዑን ነገራዊ ሓገዛት ንምብርካት ቅሩብነት ይሓትት። ኤርትራዊ ምትእኽኻብ ካብ ሰብኣዊ ሕልና መንፈስ ዝረሓቐ ምትእኽኻብ ስለ ዘይኮነ፡ ሽግራት ዜጋታትና ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዝተሓጸረ ብዘይምኳኑ፡ ኣብ ሱዳን፡ሊብያ፡ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት ኩነታቶም ብቀዳምነት ኣብ ጸብጻብ ክኣቱ ዝግባእ’ዩ።

ኤርትራዊ ማሕበራት ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ስደት ንዘሎ ህዝብና ልዑል ተገዳስነት ሓያል መሰረት እንተዝነብሮ፡ ዝሕለፈ ዝረኣናዮና ዝሰማዕናዮን ስቕያትን ግፍዕታት ምኾነ ዶ ዝብል ሕቶ ኣብ ሓሳብካ ይመጽእ። ሞራላውን ሕልናውን ደገፍ ንህዝቢ መሰረትን ምንጭን ነገራዊ ትሕዝቶ ኮይኑ ኩሉ ብድሕሪኡ ዝመጽእ’ዩ። ብሕልናን ዕላማን ዝተበገሰ ከኣ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ይገብር።

ኣብ ሃገር ሽወደን ደረጃ ማሕበራዊ ናብራ ዝሓሸ እንዳተባህለ ናይ ባዕሉ ሽግራት ዘለዎ ሃገር’ዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ክግለጽ ዝኽእል ሰንሰለት ሽግራት ክህሉ ይኽእል። ይኹን’ምበር ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ማሕበር ንዝዓበዩን ዝነኣሱን ጸገማት ንምፍታሕ ተኽእሎ ክህልዎ ይኽእል።

ናብ’ታ መበገሲት ድረሰተይ ዝኾነ ኩርዓት ዜጋታትን ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ማሕበር ኣመልኪተ፡ ብዕለት 30 ጥቅምሪ 1998 ኣብ ሃገር ሽወደን ከተማ ዮቶቦሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ን 63 መንእሰያት ንሞት ዘብጽሐ ተርኽቦ ንምዝንታው’ዩ። ሞት ዘሎን ዝነበረ’ኳ እንተኾነ፡ ሕሱም ፈላልላይን ክትለምዶ ዘይትኽእል፡ ትርፊ ስቕያትን ጓሂን ካልእ ዘይብሉ’ዩ። ሞት ኣብ ባህልና ኣዝዩ ከቢድ ንምርስዑ ቀሊል ዘይኮነ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ሓዘን ዝጸንሐ ማሕበራዊ ሂወት’ዩ።

እዚ ኣብ ከትማ ዮቶቦሪ ዝተረኽበ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብቀዳምነት ነቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ መንእሰያት ንስድራ ቤታት፡ ንመላእ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ” ሓንቲ ሂወት ሓንቲ መዓልቲ ትብል ቃል” ዝገልጽ ዓሌት ሃይማኖት ዜግነት ዘይፈላሊ ዝተራእየሉ ህሞት ነበረ።

ካብኡ ናብኡ ንዓና ኤርትራውያን ሂወት ክልተ መንእሰያት ዜጋታትና ራሔል ዑቕባሚካኤልን፡ ኤርሚያስ ገብረመስቀል ዝጠፍኣሉ ተወሳኺ ሓዘን ኣብ ስደትና ነበረ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣሕዛኒ ተርኽቦ ብቀዳምነት ንስድራ ቤት መወቲ፡ ብኻልኣይ ንሕብረተ ሰብ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ከም ህዝቢ ፈልፋሊ ማይ ዒላ ጽንዓት ክኸውን ግደ ክህልዎ ዝነበረ ኤርትራዊ ማሕበር’ዩ።

ይኹን’ምበር ብክቱር ጓሂ ሓዘን፡ ስምዒት ከም ሃገራውያን ብውልቀ ሰባት ዝግበር ርህሩህ ኣስተውጽኦ ከም ዘሎ ርዱእን ክምስገን ዝግብኦ’ውን’ዩ።እዚ ከኣ ብዘይኣፋላላይ ብኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ብሓባር ክግበር ዝነበሮ’ዩ።

ኣብ’ዚ ንኩሎም መንእሰያት፡ ብፍላይ እቶም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ኤርትራ ብሰንኪ ግፍዕታት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትይጵያ ንሰላም ክብሉ ክሳብ ሃገር ሽወደን ተሰዲዶም፡ ኣብ ልዕሊ ደቆም ዝወረደ ኣስካሕካሒ ሓደጋ ባዕርዕ ሓዊ ጸጊዕ ብምውሳድ ከኣ ገገለ ክግበር ዝኽእል እንተኾነ ሰባት ሓተትኩ።

ካብ’ቲ ኣብ እዋኑ ዝነበረ ብህግዲፍ ዝዝወር ማሕበረ ኮም ይኹን ካልኦት ሓይልታት ዝኾነ ይኹን ተበግሶ ከ ዘየነበረ ፈልጥኩ። ተበግሶ’ኳ እንተዘይነበረ ኣብ ኤርትራውያን ዝወረደ ሓዝን ኣይነበረን ክበሃል ኣይክኣልን። እቲ ሕቶ ከኣ ኣብ ገዛ ተኾርሚኻ ንስድራ ቤት ዘይተጸናንዓሉ ትርጉም ዘይነበሮ ሓዘን ምንባሩ’ዩ።

ኣብ’ቲ ግዜ ብውልቀ ጠልጠል እንዳበልካ ምኻድ ሽም ረብሓ፡ግርማ ትርጉም ስለ ዘይነበሮ፡ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ትኹን ዝተጠርነፈ ብህዝቢ ዝተወከለ መገሻ ክዳሎ ኣብ ሓበሬታ ምንዳይ ኣድሃብኩ። ሓንቲ ድሃይ ዝህብ’ኳ ኣይተረኽበን። ኣየ ህግዲፍ ጓይላ ባ እንተዝኸውን ከኣ በልኩ። ቅድሚ ገለ ሰዓታት ዘማኽርክዎ ሰብ ደዊሉ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብለኒ” ብኤርትራውያን ዝተዳለወ የለን ግን ድሌት እንተለካ ጽባሕ ንቀብሪ ተበገስ ይብለኒ”። እወ፡ ኣብ ስራሕ ውዒለ ኣብ ገዛ ዝጸንሓትኒ መልእክቲ ብኤርትራዊ ጥርናፈ ኮይኑ ስድራ ቤት ከጸናንዕ ተስፋ ገበርኩ። እቲ ጉዳይ ከም’ቲ ዝሓሰብክዎ ኣይነበረን። ጸኒሑ እቲ ንመገሻ ክዳሎ ዝደወለ ሓው ብኣካል ረኸበኒ እሞ ልክዕ ሰዓት 11 pm ኣብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ክርከብ ግን ከኣ ዝኾነ ሰብ ክማላእ ከም ዘይብለይ ነገረኒ፡ ተበገስኩ ከኣ።

ኣብ’ዚ ዝተባህለኒ ቦታ ምስ በጻሕኩ ኣስታት 13 ኣውቶቡሳት ብኣገባብ ብመስርዕ ቁጽረን 1..13 ጠጠው ኢለን ረኣኹ፡ ብዙሕ ከኣ ገረመኒ።ነፍሰይ ኣጸናናዕኹ።ከኣ ኣብ’ቲ ቦታ ዛጊት ኤርትራውያን ኣይረኸብኩን። ግን ከኣ ኣብ ሃገር ሽወደን ብስደት ዝነበሩ ምኳኖም ተረርዳእኹ። በቲ ዝርኣዮን ዝዕዘቦን ዝነበርኩ ዘጋጠመኒ ኩነታት እንዳተገረምኩ፡ እቲ ዝደወለለይ ሰብ እንቛዕ መጻኻ፡ ሕጂ እዘን ኣውቶቡስ ክብገሳ’የን እሞ ናህና ኣውቶቡስ ቁ.9 እታ በለኒ። ክንገይሽ ምኳና ኣረጋገጽኩ እሞ ከይተፈለጠኒ ሕራይ በልክዎ። ግዜ ኣኺሉ መዝገብ ገያሾ ዝሓዘ ሰብ ቅርብ ኢሉ፡ ኣበይ ቦታኹም በለና፡ ቁ 9 ምስ በልናዮ፡ ካብ’ቶም ኣዳለውቲ ኮይኑ ጉዳይና ስለ ዝፈለጠ ቀልጢፉ ሰፈርና ኣትሓዘና ኣውቶቡስ ተበግሳ። ጸኒሑ ከም ዝተነግረና ብዝተፈላልየ ጉዳይ ንቀብሪ ክኸዱ ዘይክኣሉ ውልቀ ሰባት፡ ብመኪንኦም ጽዒኖም ንቀባሮ ቋሬጣ ዝኸውን ማይ ፍረታት ባናና፡ ኣራንሺ፡ መንደሪን ክጓርቱ ረኣኹ ሕቶታተይ ኣይቆመለይን። ነቲ መኻይደይ ሓተትክዎ፡ ደሓን ዕላልስ ኣብ መንገዲ ይኹነልና በለኒ። ጉዕዞ 5 ሰዓት ስለ ዝነበረ ንእዋኑ ቅጽበታዊ መልሲ ዘድልዮ ብዘይምንባሩ ተረዲኤ ንሓሳባቱ ተቐበልክዎ።

እተን 13 ኣውቶቡሳት መራኸቢ (ኮም.ራድዮ) ስለ ዝነበረን፡ ነቲ መገሻ ዘወሃህድ ሰብ ብቛንቋ ሽወደን ገይሩ ኣብ መንጎና 10 ኤርትራውያን ስለ ዘለዉ ቦትኦም ሒዞም ክኾኑ ተስፋ እገብር በለ። ነገሩ ደንጸወንን ኣተሓሳሰበብንን። ኣብ’ቲ እዋን ካብ’ታ ዝነበርናያ ኣውቶቡስ ቁ.9 መልሲ ሃበ፡ምሳይ 9 ሰባት ኣለዉ በለ። ጸኒሑ ካብ ኣውቶቡስ ቁ 3 ምሳና’ውን ሓደ ኣሎ በለ። ደጊም ንበገስ ተባሂሉ፡ ካብ ሕምርቲ ስቶክሆልም መገሻ 5 ሰዓት ጀመረ።እቲ ዝገርም ኤርትራውያን ኣለዉ ተባሂሉ ዝወሃብ ኩሉ ሓበሬታ ዝግበር ዝነበረ መግለጺ መደባትን ብቋንቋ ፋርስን ሽወደን ነበረ። ዝገርም’ዩ።

ጉዕዞ ጀሚሩ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ኣጸቢቕና ከይወጻእና መኽፈቲ ኣፍ ተባሂሉ፡ ማይ ባኒ ዝመረጽናዮ ፍሩታ ክዕደል ጀመረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተረኽበ ሓዘን፡ ሳንቲም ቀያሕ ዘይከፈልክሉ መገሻ እሞ ከኣ መኽፍቲ ኣፍ ተባሂሉ መግቢ ክቅረበለይ ሕንከት ተሰማዕኒ፡ ከመይ’ዩ እዚ ጉዳይ ደጋጊመ ሓሰብኩ። እቲ ዘሳሲ ዝነበረ ሓሊፉኒ’ኳ እንተኸደስ ተመሊሱ ገለ ክወስድ ኣጥቢቑ ሓተትኒ’ሞ ብሕፍረት ዝኣክል ደጊሙ መታን ከይመለሳሰኒ ስለ ዝፈራሕኩ ሓንቲ ፍሩታ ወሰድኩ። ብኡ ግን ኣይተወደአነ ጉዕዞ 5 ሰዓት ዝተፈላልየ ዓይነት መግቢ እንዳቀረቡ ቀጸሉ።

ኣብ’ቲ መጀመሪያ ጉዕዞ ክንብገስ ከለና ዝሓተትክዎ ሕቶ ክምለሰለይ ምኳኑ ዝነገረኒ መኻይደይ ኤርትራዊ፡ ቁርሱ እንዳበልዐ፡ እዘን 13 ኣውቶቡሳት ብማሕበረ ኮም ኢራን ኣብ ሽወደን ከም ዝተዳለዋን፡ እቲ ኩሉ ንገያሾ ዝተቀረበ መግቢ ከኣ፡ በቶም ንቀብሪ ክገሹ ግዜ ዘይረኸቡ ኢራናውያን ዝተወፈየ ምንባሩ ክገልጸለይ ጀመረ። ገረመኒ፡ ኣመስገንኩን።

ይቕጽል

ሓድነት ህዝብና ይደልድል

ኣተ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.