ሓላፍነቱ ዘይስከም ተቃውሞ ግብሪ ዘይብሉ ቃና ከይከውን።

ሓላፍነቱ ዘይስከም ተቃውሞ ግብሪ ዘይብሉ ቃና ከይከውን።
ትርጉም ተቃውሞ ብሓሳብ ምጽራር ምንጽጻግ ወይ ብሓይሊ ምብልላዕ….ወዘተ የስምዕ። ከም ኣምር ብሓሳብ ኮነ ግብሪ ብዙሕ ከም ናይ ሜላ ዝርዝር ተርእዮታት ዝሓዘ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ተቃውሞ ኣብ ፖሊቲካ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ስነ ሓሳብ መደብ ዕዮታት ፖሊሲታት ዝውንኑ ፖሊቲካዊ ምትእኽኻባት ውሱን ቦታን ግዜን ዝሕዝ ምንጽጻግ ምቅብባልን ኮይኑ ባህርያዊ ተርእዮ ኢዩ። ገደብ ዘይብሉ ናይ ሓሳብ ኮነ ግብሪ ፍልልይ ክረአ ግን ዘይንቡር ውጽኢቱ ሃልኪ ኢዩ። ወዲ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያዊ ሂወቱ ፍልልያት ክህልዎ ተፈጥራዊ ሕጊ ኢዩ። ምስ ኩሉ ፍልልያቱ ግን እንተስ ኣብ ክሊ ፍጹም ሓድነት ወይ ኣብ ክሊ ብዙሕነት ግድን ሓቢሩ ክሰርሕ ኢዩ ዝሕተት። መለኽቲ ስርዓታት ነዚ ወዲ ሰብ ብኣፈጣጥሩኡ ግድን ሓቢሩ ክሰርሕ ንዘለዎ ተደላይነት ረጊጾም ኩሉ ነገር ንሕና ባዕልና ስለዝብሉ ኢዮም መለኽቲ ጨቆንቲ…..ወዘተ ተባሂሎም ኣብ ሂወት ወዲ ኣስጋእትን ንጹጋትን ኮይኖም ከም ውጽኢቱ ድማ ተጻራሪኦም ተቃዋሚኦም ህያው ኮይኑ ዝረአ። ብዘይካዚ ኣነ በይነይ ዝብል መርሆ ካልእ ንመለኽቲ ስዓታት ዘኽስስን ተቃዋሚኦምን ናይ ምዃን ፖሊቲካዊ ምኽንያትን የለን። ኩሉ ንመላኺ ስርዓት ዝቃወም ሓይሊ ነቲ ከም መትከልን መርሆን መላኺ ስርዓት ብሓባር ናይ ምስራሕ ኣምር ብግብሪ ተቀቢሉ ክሰርሕን ከፍርን ክሳብ ዘይከኣለ ግን ክንዮቲ ክቃወሞ ዝርከብ መላኺ ስርዓት ፍታሕ ናይ ምዃን ምናልባትነት ብህዝቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ኢዩ ዝቅመጥ። ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ተመኩሮ ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ክሳብ ዚ እዋን በዂሩ ይርከብ። ምኽንያቱ ድማ ንፍቶ ንጽላእ ማዕረቲ ኣብ ሃገርዝብናን ሓደጋ ሓላፍነት ዘይምስካም ኢዩ። ሎሚ ውድብ ኣሎኒ ብማለት ዘይትግበር ፕሮፓጋንዳዊ ትንተናታት እናሃብካ በበይንኻ ንቅድሚት ክትፍንጽግ ምፍታን ኤርትራዊ ጽቡቅ ጌሩ ዝተማህረሉ ፖሊቲካዊ ሃልኪ ጥራይ ኢዩ። ደረትን ፍታሕን ዘይብሉ መዋእሉ ዝነብር ፖሊቲካዊ ፍልልይ ብዘይካ ኣብ ኤርትራዊ ፖሊትካዊ ተመኩሮ ተራኢዩ ኣይፈልጥን። ክረአ ዝርከብ ፈተነታት ሓድነት እንተኾነውን ኣድማዕነቱ ገና ኣብ ምልክት ሕቶ ኢዩ ዝርከብ። ስምረት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ሃገርና ንኩሉ ኣብ ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ዝኣምን ውድብ ሰልፊ ምንቅስቃሳት ይኣክል…..ወዘተ ዝሓቘፈ ሓባራዊ ጽላል ክኸውን ይግባእ። ንሓድነት ዓጊቱ ዘሎ ከምቲ ሰይጣን ኣብ ዝርዝር ኢዩ ዝርከብ ዝበሃል ምስላ እንተኾይኑ ካብ ኩለን ሓይልታት ደምበ ተቃውሞ ንዝቆመ ባይቶ ካብ ኩለን ውድባት ነጻ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ጸጊዕነት ዘይብሉ ባእታ ይምረሓዮ። ክንዮ ዚ ገደብ ኣልቦ ጻዕርን መዝሙርን ሓድነት ግብሪ ዘይብሉ ቃና ኮይኑ ከይተርፍ ዘየስግእ ኣይኮነን።
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.