ሓጻር መገሻ ተርኽቦ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከተማ ዮቶቦሪ ሽወደን ወርሒ ጥቅምቲ 1998! 2ይ መወዳእታ ክፋል

ሓጻር መገሻ ተርኽቦ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከተማ ዮቶቦሪ ሽወደን ወርሒ ጥቅምቲ 1998
ካልኣይ መወዳእታ ክፋል
”ሓድነት ህዝቢ ሰናይ ጥዑም መቐረት ሂወት ዘለዎ’ዩ”
ኣብ’ቲ መጀመሪያ ጉዕዞ ክንብገስ ከለና ዝሓተትክዎ ሕቶ ክምለሰለይ ምኳኑ ዝነገረኒ መኻይደይ ኤርትራዊ፡ ቁርሱ እንዳበልዐ፡ እዘን 13 ኣውቶቡሳት ብማሕበረ ኮም ኢራናውያን ኣብ ሽወደን ከም ዝተዳለዋን፡ እቲ ኩሉ ንገያሾ ዝተቀረበ መግቢ ከኣ፡ በቶም ንቀብሪ ክገሹ ግዜ ዘይረኸቡ ኢራናውያን ዝተወፈየ ምንባሩ ክገልጸለይ ጀመረ። ገረመኒ፡ ኣመስገንኩን።
ኣብ’ቲ ቦታ ካብ ንመጽእ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ዘይመልእ ቁጽሩ ኣስታት 1300 ዝኸውን ገያሻይ ቦትኡ ሒዙ ክብገስ ዝተገብረ መደብ ጥርኑፍን ውሕልሉን ምንባሩ ተዓዘብኩ።እዚ 63 መንእሰያት ግዳያት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ግዳያት ዝኾኑ ቀብሪ ዘዳለወ ማሕበር ኢራናውያን ኣብ ሽወደን ምንባሩ ኣጸቢቐ ፈለጥኩን ተረዳእኩን።
ኣብ ጉዕዞ መደባት ሓደብ ብሓደ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብ’ዚ ጉዕዞ ሓሙሽተ ሰዓታት፡ ንዕርፈሉ ቦታታት ክህልወና ዝኽእል ግዜ ዕረፍቲ ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነት ወሲዱ ንዝተዋህቦ ግዜ ብግቡእ ክጥቀመሉ፡ ልዕሊ ኩሉ ነቲ ዝተበገስናሉ መደብ ከነዕውት ኣብ ግዜ ክንበጽሕ ዝሕብር ነበረ። እዚ ሓበሬታ ንኩሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዝነበረ ግዜ፡ ካብ’ቲ ብልግስና ኢራናውያን ዝተዋህበ ኣብ ኣውቶቡስ ዝነበረ ጽዕነት መግቢ ዕረፍቲ ዘይብሉ ይዕደል ነበረ። ድሕሪ ጉዕዞ ክልተ ሰዓት ኩለን ኣውቶቡሳት ኣብ ሓደ ቦታ ክዕርፋ ተገብረ’ሞ፡ ንገለ 30 ደቓይቕ ዕረፍቲ ከምኡ ከኣ ውዑይ ነገር ቡን ሻሂን ዝስተየሉ ቦታ በጻሕና። ካብ ኣብ’ቲ ብለይቲ ዝተበገስናሉ ጸልማት ግዜ ከኣ፡ ኣብ ወጋሕታ ቁም ነገር ዕብየት መደብ’ቲ ጉዕዞ ክርእዮ ከኣልኩ።
ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ሰዓት 530 ኣቢሉ ይኸውንኣጋወጋሕታ ከተማ ዮቶቦሪ ኣቶና። ኣብ’ቲ ተዳልዩልና ዝነበረ ኣዳራሽ ሃማር-ኩለ ክንኣቱ ከለና ልክዕ ሰዓት 600 am ቅድሚ ቀትሪ ነበረ።ነዘን 13 ኣውቶቡሳት ብሓልፍነት ዝተመዘዙ ሰባት ድኻሞም ከይጸብጸቡ፡ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ተጻዒኑ ኣብ ኣውቶቡሳት ዝመጸ ተወሳኺ ፍሉይ ነቲ ሓዘን መቀበሊ ኣጋይሽ ዝተባህለ ባኮቶታት ናብ’ቲ ኣዳራሽ ክጓረትዎ ጀመሩ። ብቅልጥፉን ስልጡን ከኣ ብምትሕብባር ኩሎም ገያሾ ተሳለጠ።ክሳብ ቁርሲ ዝዳሎ ኣብ’ቲ ኣደራሻት መጉልሒ ድምጺ ተዳልዩ ነበረ’ሞ ንስድራ ቤታት መጸናንዒ መደረ ቀረበ። ነቶም ኤርትራውያን ብፍላይ ተተመላሊሶም ኩነታትና ክፈልጡብዝገብርዎ ጻዕሪ ክብረት ተሰመዓና። ካብ’ቶም ማሕበር ኢራናውያን ንላዕሊ ከኣ ብኣና ተሻቀሉ ተሸገሩን።
ካብ’ቲ ኣብ ከትማ ዮቶቦሪ ዝበጸናሕሉ ግዜ ማለት ሰዓት 600 ዝትወሃብና ሓበሬታ፡ ድሕሪ ቀብሪ ሰዓት 900 ኣብ ቦታ መዕረፊ ኣውቶቡሳት ክንርከብ’ዩ። ነዚ ከኣ ደጋጊምም ይሕብሩ ነበሩ። እንተኾነ ምስ’ቲ ዝነበረ ኩነታት ስምዒታት ገንፊሉ ሓዘን ተወሲኽዎ ኩሉ ከም’ቲ ዝተመደበ ኣይከደን። እቶም ሽማገለታት ከኣ ሙሉእ ለይቲ ንገያሾ ክኣልዩ ከብልዑ ክስትዩ ከም ዘይሓደሩ ደጊም ሕጂ ከኣ ከጸናንዑ ንዝተበገስናሉ መገሻ ፋሕፋሕ ከይብል ብርቱዕ ጻዕሪ ኣካየዱ።
ኣብ’ዚ እዋን ሓደ ሕቶ ተላዕለ፡ እቶም ኣብ ኣውቶቡስ ቁ 9, ዝነበሩ ትሽዓተ ኣብ ቁ3 ዝነበረ ሓደ ኤርትራውያን፡ ንደቆም ክቀብሩ ንቤተ ሰብ ከጸናንዑ ግድነት እዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፡ ኣውቶቡስ ቁ9 ንባይና ተፈሊያ ኣብ’ቲ ፍትሓት ዝግበረሉ ዝነበረ ቤተ ክርስትያን ንኤርትራውያን ከተብጽሖም ግደነት ኮነ። ኩሎም ዜጋታት ኢራን ከኣ ምሳና ተበግሱ’ሞ ኣዕጂቦምና ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ኣተዉ ፍትሓት ቅዳሴ ምሳና ተኻፈሉን፡ካብ’ቲ ኣብ ኣውቶቡስ ዝነበረ ብፍሉ ዝተኣዘዘ ዕምበታታት ንኤርሚያስን ንራሄልን ኣንበርሎም። ነቢዖም ኣንብዑና ክመ ሕሱም ከኣ በኸና ሓዘናን።ዝገርም’ዩ። ንኤርትራውያን ስድራ ቤታቶም ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም በልዎም። ብፍላይ እተን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ካብ ኣሓተይ ፈልየ ዘርእየሉ ግዜ ነበረ።
ኢራናውያን ንቀብሪ መንእሰያቶም ከርክቡ ንስለ ዝተገደዱ ንዓና ኣብ ቤተ ክርስትያን ገዲፎምና ስቕ’ሎም ኣይከዱን። እንታይ ደኣ ንሓደ ሰብ ካባና ጸዊዖም ቁጽሪ ስልኪ፡ ቦታን ኣድራሻን ገዲፎም ንግዜኡ ተፋነውና። ከም’ቲ ኣብ ሓዘና ፍትሓትና ዝተረኽብሉ፡ ዕምበባ ዘውደቁሉናን ንሕና ከኣ ኣብ’ቲ ንመንእሰያት ኢራን ዝተገብረ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፍትሓት ክንኸይድ ድሌት’ኳ እንተነበረ ግዜ ኣይፈቐደን። ብዝኾነ ግዜ ሓጺሩ ምስ’ቲ ዝነበረ ክቱር ኣስሓይታን ቁርን ብሓልዮቶምን ብተስፋታቶምን ማሞቕና። ንጉዕዞና ዝምልከት እንተተኻኢሉ’ውን ኣብ ዘለናዮ ቦታ መጽዮም ክወስዱና ምዃኖም ከይንሽገር ተወሳኺ ቃል ኣተውልና።
ይኹን’ምበር ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ ግዜ ኣብ’ታ ከተማ ብምንባሩ ንሳቶም ምሳና ኣብ’ቲ ፍትሓት ተሳቲፎም ብምንባሮም ፍሉይ ክብሪ ኣንጸባረቀሉ። ምስኡ ብዝተተሓዘ እቲ ቅዳሴ ፍትሓት ቅሩብ ስለ ዝነውሐ ምስ’ቲ መደባት መገሻና ኣይተቃደወን። ንሕናው’ን ነቶም ኢራውናውያን ጽንዓት ይሃብኩም ክንብሎም ዝግብኣና እንተነበረ፡ግዜ ብኡ ንብኡ ድሌትና ክማላእ ኣይከኣለን።
ድሕሪ ቀብሪ ኣብ’ቲ ኣደራሽ ተመለስና፡ ምስጋና ይብጻሓዮም ብማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ዮቶቦሪ፡ ብዘዳለዉዎ ንኩሉ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጸ ቀባራይ ተዓንገለ፡ ከምኡ’ውን በቶም ካብ ሃገር ኤርትራ ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖት ኣጋጣሚ ሓጺር ስብክተን ባርኾት፡ ተገብረ።
ግዜ ሓሊፉ ንቅሎ ንስቶክሆልም ኣኸለ፡ ኣውቶቡስ ቁ.9 ቁ3 ተበገሳ። እንተኾነ ናብ’ቲ ዝነበርናዮ ቦታ ክመጻ ምስ’ቲ ዝነበረ ዋሕዚ ማካይን ግዜ ክወስደለን ግምት ስለ ዝተገብረ፡ እቶም ካብ ስቶክሆልም ዘይ ገለ ክፍሊት ጸይሮም ንዮቶቦሪ ዘምጽኡና ማሕበር ደጊም ሕጂ’ውን ዝክፈላ ታክሲ ሰዲዶም ከካብ ዝነበርናዮ ኣደራሻት ኣኻኸቡና። ኣይገርምን ዶ ?
ብታክሲ ከኣ ኣብ’ቲ ዝተባህለና ቦታ በጻሕና። ኣውቶቡስ ቁ9 ከም ቀደማ ኣብ ቅድሚት ጸንሓትና። ተሰቒልና ቦታ ሓዝና። ብሰላም ከኣ ንብ’ቲ ዝተብገስናሉ ከተማ ስቶክሆልም በጻሕና። እዞም ብቁጽርና 10 ንበጽሕ ኤርትራውያን ዝኽፈልናዮ ሓንቲ ቀያሕ ሳንቲም ኣይነበረን። ግን ከኣ ዕዉታት ተዓዊቶም ኣዕዊቶምና። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ንማሕበረ ኮም ኢራናውያን ሽወደን ዘርሳዕ ምስጋና ክበጽሖም እፈቱ።
ሞት ንኤርትራውያን ሓድሽ ኣይኮነን። ካብኡ ብዝኸፍአ ጭከነ ዝምልኦ፡ ኣሰቃቒ ነፍስኻ ዘጽልእ ሞት ርኢና ንኸውን። ሽዑ ኣይነባዕናን፡ ሽዑ ግን ኣብ ልዕሊ ሬሳታት መንእሰያት ጓኖት ክነብዑ ምስ ረኣና ሓቢርና ንብዓትና፡ ክንዲ ኩሉ ዝሓለፈ ስቕያትን ሞትን ወሲኽና ነባዕና። ህዝብና ግን ርህሩህ ለጋስ ተደናጋጺ’ዩ።
ሞት ኣይትምንዮን ኢኻ። ግን ደሊኻዮ ኣይደሊኻዮ ኩሉ ግዜ ምሳኻ’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ንሕማቑን ጽቡቑን ምስ’ቶም ሙሉእ ዘይጉዱል ክብሪ ዝሃቡና ዜጋታት ኢራናውያን፡ ምስ ኤርትራውያን ጥራሕ ነይሩ እንተዝኸውን ብዝያዳ ክብርን መዓርግን ምሃለዎ ኢለ ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ባህጊ ድሌት ሃረርታ ደቂ ዓደይ’ዩ።
ኣብ ህልም ዝበለ ጸልማት ንጣር ቁልዒ ሓዊ ከም ጸሓይ ከም ተብርህ መጠን። ኣብ ሓዘን ከኣ ዋላ ሓደ ይኹን ረዳኢ ዝኾነ ሓውኻ መጸናንዕን ተስፋን ካብ ኮነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ማሕበራዊ ኮማት ነዚ ዝመስል ስርሓት ከካይድ ይግባእ።
ብፍልይ ዝበለ ነዚ ተምሳል ዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ዓመቱ ቀሪቡ፡ ብሃንደበት ሞት ንኡስ ሓወይ ኣብ ሃገር ካናዳ ከተማ ቶረንቶ ኤርትራውያን ዝገበርዎ ዘይርሳዕ ሓገዝን ደግፋትን ከይዘከርክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንዘጓንፍ ሞት ሓዘን ከኣ ከም ልምዲ ተወሲዱ ብዘይወገን ዓሌት ሃይማኖት ብኩሉም ነበርቲ ዝግበርን ዝካየድ ሓገዝ ምዃኑ ፈሊጠ።
ሓድነት ህዝብና ይደልድል
20 ግንቦት 2020
You must be logged in to post a comment.