ዮሃና! መግለጺ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ዮሃና!
መግለጺ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕዮ ንምስልሳል ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉሉ መስርሕ ዘተን ልዝብን መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዮሃና! እንቋዕ ናብ ዝኽሪ ናጽነት ኣብጽሓና ንብል።
ናይ ሎሚ ዓመት ዕለተ ናጽነት፡ ህዝብናን መላእ ዓለምን፡ ዛጊት ነቲ ልዕሊ 5 ሚልዮን ለኺፉን ልዕሊ 300 ሽሕ ህይወት ድማ ቀዚፉን፣ ዝቐዝፍ ዘሎን ሓደገኛ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል፡ ኣብ ተጠንቀቕ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ይውዕል ምህላዉ ብምዝካር፡ ንድሕነት ሰብኣውነት ብጠቕላላ ንድሕነት ናይ’ቲ ኣብ ሓደጋ ተቓሊዑ ዘሎ ህዝብና ድማ ብፍላይ፡ ሻቕሎትናን መልእኽቲ ሰናይ ምንዮትናን ነመሓላልፍ።
መዓልቲ ናጽነት፡ ንህዝብና ዘመን መግዛእታዊ ጭቆና ዘብቅዓሉ፡ ምረትን ስቅያትን፣ መስዋእትን ስደትን ኣብቂዑ፣ ሓድሽ መድረኽ ዝተኽፍተሉ ዕለተ ዝኽሪ ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ክቡር መዓልቲ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ቀይዲ ዝበተኽናሉ፡ መዓጹ እሱራትና ዘርሓናሉ፡ ጽሩይ ኣየር ናጽነት ዘስተንፈስናሉ ዕለት ክኸውን ከሎ፣ በቲ ካልእ ከኣ ናጽነትና ክዉን ንምግባር፡ ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ጀጋኑና እንዝክረሉን፡ ኣብነቶም ንምኽታል መብጽዓ እንኣትወሉን ዕለት’ዩ። ዮሃና! እንቋዕ ነዚ ዕለት’ዚ ምዝካር ኣብቀዓና።
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!
ሃገርና ካብ መግዛእታዊ ቀይዲ ተገላጊላ ናጽነታ ዘረጋገጸት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብወግዒ ተፈላጥነት ዘረጋገጸላ ትኹን’ምበር፡ ሓርነት ህዝብና ጌና ኣይተረጋገጸን። ንብዓትን ሓዘንን ኣይተደምደመን። ኤርትራ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ጌና ውሽጣዊ ሓርነት ህዝባ ዘይተረጋገጸላ፡ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እትሳቐ ሃገር ኰይና እያ ትቕጽል ዘላ። ዕለተ ናጽነትና፡ መላእ ሓርነታት ህዝብና ኣብ ዝተረጋገጸሉ፣ ስደተኛታትና ተመሊሶም ኣብ ዝተጣየሱሉ፣ እሱራትና ኣብ ዝተፈትሑሉ፣ ርግኣትን ሰላምን ኣብ ዝሰፈነሉ፣ ልብና መሊእና ርእስና ኣቕኒዕና ኣብ እንንቀሳቐሰሉ ኩነታት ከነብዕሎ ባህግና ነይሩ። እቲ ህልዊ መሪር ሓቂ ግን ብኣንጻሩ እዩ። በዓል ናጽነትና፡ ቁጠባ ሃገርና ኣብ ዝፈረሰሉ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ኣብ ዝተበታተኸሉ፣ መሰላት ህዝብና ኣብ ዝተጋህሰሉ፡ ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ዝዓነወሉ፡ ልዑላውነትና ኣብ ዝተደፍረሉ፣ ስደትናን ውርደትናን ከኣ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ኩነት እዩ ዝብዕል ዘሎ። ዝኽሪ ናጽነትና ንጽንዓትን ንወሳኒ መድረኽ ቃልስን ክንዕጠቕ ክዕድም እዩ መጺኡ ዘሎ። ስለዚ ንሓርነታዊ ቃልሲ ንወደብ ንተዓጠቕ!
ናይዚ ዓመት’ዚ በዓል ናጽነትና እምበኣር፡ ውልቀ መላኺ ዝሰዓረሉ፡ ጭቆናን ስደትን ዘብቅዓሉ፡ ጐደና ዕቤትን ፍልጠትን እንሕዘሉ፡ ዝተሓደሰ መብጽዓ ቃልሲ እንኣትወሉን ተጋድሎና እነሕንነሉን ዕለት እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ንሕና ፖሊቲካዊ ሓይልታት፡ ነቲ ጀሚርናዮ፡ ዘሎና ዘተን ልዝብን ናብ ኣድማዒ ሓባራዊ ዕዮ ከነማዕብሎ ክንጽዕር ኢና። ዓቕምታትና ምስ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ብምጥርናፍ ህዝብን ሃገርን ብምድሓን ኣብ ኤርትራ ቅልጡፍ ለውጢ ንምርግጋጽ ቃልስና ቀጻሊ ክኸውን እዩ። በዚ መንፈስ’ዚ መሰረት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሓይልታቱ ኣስሚሩ ኣይግዛእን ብምባል፡ ንምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ክጸምድ፡ እቲ ከም ህዝቡ ዝተወጽዐ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ወጊኑ ልዑላውነት ሃገር ክዕቅብን መሰል ህዝቢ ንኽረጋገጽ ክቃለስን ንጽውዕ።
ኣብዚ መዓልቲ ዝኽሪ ናጽነት፡ ከየልዓልናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል፡ ሃለዋት ሃገርና ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳያት እዩ። ብመልክዕ ኢድ ምትእትታው፡ ኰነ ብቅሉዕን ዘይቅሉዕን ውዕላት፡ ወስታታት ኮነ ሽርሕታት፡ ንህላወን ቀጻልነትን ሃገረ ኤርትራ ዝህድድ ተርእዮታት ክንዕዘብ ጸኒሕናን ኣለናን። ሓሓሊፉ እውን ናይ ምስፍሕፋሕ ባህግታት ዝውንኑ ሓይልታት ከባቢና፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ፡ ናይ ወደባት ብጽሒት፡ ይግበኣና፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል መጐተ፡ ናይ ምዕምጣር ወኒ ከተኣናግዱን፣ ኤርትራውያን ደገፍቲ ንምርካብ ክጓየዩን፡ ሓይሊ ንምጥቃም ከወጣወጡን ጸኒሖም እዮም። ብኣንጻሩ ከኣ ናይ ኤርትራ ልዑላውነትን ናጽነትን ኣኽቢሮም፡ ምስ ናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ ሰላማዊ ዝምድና ብምፍጣር፡ ንሓባራዊ ረብሓታትን ዕብየትን ዝብህጉ ሓይልታት ምህላዎም፡ ብጋህዲ ክረኣዩ ጸኒሖምን፣ ኣለዉን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እነኽብሮ ዘሎና ናጽነት፡ ከቢድ ዋጋ ዝተኽፍሎን ንድሕሪት ዘይምለስን ምዃኑ ንህዝብናን፡ ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለምን ከነረጋግጽ ንፈቱ። ሕጂ’ውን ትሕቲ ዝዀነ ታህዲድ ከም ዘይንብርከኽ፡ ልዑላውነት ሃገርና ንምዕቃብ፡ ከምቲ ታሪኽ ዝምስክሮ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ክንከፍል ቅሩባት ምዃና ንገልጽ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ዘኽብሩን፣ ዝፈልጡን ፈተውቲ ኣብ ከባቢናን፣ ኣብ መላእ ዓለምን ምህላዎም ንፈልጥ። ምስዞም ናጽነት ሃገር ኣኽቢሮም ሰላማውን ሕውነታውን ዝምድናታት ክፈጥሩ ዝብህጉ ሓይልታት፡ ሓባራዊ ዕቤት ብዘረጋግጽ መንገዲ፡ ክንተኣሳሰርን ክንተሓባበርን ምዃንና ኣጸቢቕና ነረጋግጽ።
ኤርትራ ናጽነታን ሃገራዊ ክብራን ሓልያ ትንበር!
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!
ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ:
- ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
- ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር
- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
- ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
- ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
You must be logged in to post a comment.