መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ክኽበር ፍረ መስዋእቲ ብጽሒት ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ’ዩ፡

መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ክኽበር ፍረ መስዋእቲ ብጽሒት ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ’ዩ፡
ርእሰ ዓንቐጽ
ውሓደለ
ነጻነት ኤርትራ ክዝከር ግደ ብጽሒት ወይ ሪም ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ’ዩ። ኤርትራ ሃገር ነጻ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ፡ ቅዋም ክትከል፡ ዶባት ክሕንጸጽ ንሓትት። ነጻነት ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ፍትሒ ቅዋም፡ ባይቶ፡ ንጹር ዶባት ከመይ ቢሉ ክሓትት ይኽእል እሞ እዞም ወትሩ ከም ሕቶ ዝቀርቡ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ዝሕብርዎ ምልክታት እንተሃልዩ፡ ብመስዋእቲ ዝተረኽበ መሰረታት ታሪኽ ነጻነት ኤርትራ’ዩ።
ኤርትራ ሃገርና ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎ፡ ብመስዋእቲ ደቃ ብ24 ግንቦት 1991 ነጻነት ለቢሳ። ኣብ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ብፍላይ ዞባ ቀኒ ኣፍሪቃ ከኣ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ተሰኒዱ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ካልኦት ነጻን ሓራን ዝኾኑ ኣህዛብ ዓለም፡ ብዘይቅድመ ኩነት መሰል ርእሳ ውሳኔኡ ክኽበረሉ፡ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ሓቲቱ። ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዱ። ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ግን ከም’ቲ ዝግባእ መልሲ ኣይረኸበን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘዕወቶ ኣገዳስን ነባርን ምስ ድሌት ነጻነቱ ዝኽይድ ዓብይ ጉዳይ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነትን ንቅሓት ወኒኑ’ዩ። ህዝብና ሃገራዊ ፖለቲካዊ ንቅሓት ተዓጢቁ ከኣ ንነውሕ ዓመታት ኣንጻር ማእለያ ዘይብሉ ኣነ ዝበለ ጸላኢ ዘውዳዊ ስርዓት ንጉስ ሃያለስላሴን፡ ወታሃደራዊ ደርግን ንቅድሚ ክስጉም ገይርዎ’ዩ። ምስ’ቲ ኣብ መጀመሪያ 50ታት ይኹን፡ ድሕሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ዝተራእየ ዘይከሓድ ውረድ ደይብ፡ ኣሉታዊ መድረኻት ህዝብና ጉዳይ ነጻነቱ ኣብ ሽቶኡ ክበጽሕ ካብ ቃልሱ በዅሩ ዓዲ ኣይወዓለን። እኳ ደኣ ኣብ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ዓወደ ውግኣትን፡ ገድላዊ ዕማማትን ንምትግባር መስተንክር ቅያ ብዝመልኦ ታሪኽ ጅግንነት ኤርትራውያን መስዋእቲ ተኸፊሉ። ኣብ’ዚ መኣዲ ወፊር ታሪኻዊ ተጋድሎ ንነጻነት ኤርትራ ኩሉ እጃሙ ኣበርኪቱ ሓሊፉ እዩ። መዓልቲ ነጻነት ምእንቲ እዚ ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ ጀጋኑና፡ ምእንቲ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ንዝክሮ።
ነጻነት ኤርትራ፡ ነቲ ክቡር ዋጋ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ሓድነታ፡ራህዋኣ፡ሰላማ፡ ሕግን ፍትሕን፡ ዕብየታ ድማዓ ዝምነ ዝሓልም ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ብግብሪ ንዝሰርሕን ንዝቃለስን ዘሎ ብጽሒቱን ሪሙን’ያ። ህዝብና ደሙን ዓጽሙን ከስኪሱ ዝተረከቦ ነጻነት ሕጂ’ውን ከም’ቲ ነጻነት ንምምጻእ ዝተቃለሶ፡ ንዝዓቐቦ ታሪኻዊት ነጻነቱ ንምክልኻል ከኣ ዕርዲ ኮይኑ ብሓይሊ ሓድነቱ ሓርነትን ማሕበራዊ ፍትሒ ከፍረየሉ ሓቢሩ ጠጠው ክብል ግድነት’ዩ።
ሎሚ ከኣ ከም መቀጸልታ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ጅግና ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና፡ ፍትሒ ይንገስ፡ ቅዋም ይተግበር ዶብ ይተሓንጸጽ፡ እሱራት ይፈትሑ ክብል እንከሎ መሰረት ነጻነት ክድርዕ፡ ከሕይሎን ከደልድሎን ክጸንዕን’ዩ።
ብርግጽ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ህዝብና ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎን ጽንኩር ናብራ ሂወት ከይዘከርካ ክሕለፍ ዘይከኣል’ኳ እንተዘይኮነስ፡” ንቀባራይ ምርዳኣ” ከይኸውን፡ ብዓብዩ ጅግና ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ሙሁራትን መራሕቲ ሃይማኖታት ዓበይቲ ዓዲ ግፍዕታቶም ጸይሮም ንፍትሒ ይቃለሱ ምህላዎም ዘሕፍልፎ መልእክቲ ኣለዎ። ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ ንነጻነት ሃገርካ ዕርዲ ምዃን ትርጉሙ ንሱ’ዩ።
ኣብ’ዚ ንርከበሉ ሓድገኛ እዋን ንዓለምና ኣዳኺሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሃገርና ንዝኸይድ ዘሎ ግፍዕታት ዝያዳ ግፍዕታት ዝውስኸሉ’ምበር መዋጽኢ ዘይርከበሉ መድረኽ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘይጭርሕ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ሓደ’ኳ የለን። እዚ ከኣ ጽቡቕ ኣንፈት ኩሉ ኣብ ፍትሒ ዝኣምን፡ ኣብ ሓደ ባይታ ዘተን ምርድዳእን ኣቢሉ ሓድነቱ ዓቒቡ ምስ ነጻነቱ ክስራዕ ሙሉእነት ክህልዎ ክገብር ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክውን ንምግባር ርሑቕ ኣይኸውንን’ዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ነጻነት ኤርትራ ንዘለኣለም ይንበር
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ
23 ግንቦት 2020
You must be logged in to post a comment.