ጎብለል ቅንያት ዝኽሪ መበል 29 ዓመት ነጻነትን፡ደበስ ህዝቢ ኤርትራን፡

ጎብለል ቅንያት ዝኽሪ መበል 29 ዓመት ነጻነትን፡ደበስ ህዝቢ ኤርትራን፡

ሕብረተ ሰብ ዓለም ኮነ፡ህዝብና ብዝወረዶ ኣዝዩ ሓደገኛ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ካብ ግዜ ንግዜ ዘተኣታተዎ ሻቅሎት እንዳሃለወ፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ዝግረፍ ጭቁን ፡ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ተገዲዱ ኣብ ስደት ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከብ ህዝቡን ወገኑን፡ ድሕነት ክሓስብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ፖለቲካውያን ሓይልታት ሲቪካውያን ማሕበራት ውልቀ ሰባት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሙሁራት፡ ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዝሓትን፡ ብርሑቅን ቀረባን፡ ኣንጻር ተላባዒ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ኣንጻር ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ መደባት ሰሪዖም ብዝተፈላልየ መኣዝን ንህዝብና ሓበሬታን ኣስተምህሮን ከመሓላልፉ፡ ግብራዊ መልሲ ክህቡ ዝወሰድዎ ቅጽበታዊ መልሲ ታሪኻዊ’ዩ።

ሕማም ሞት መናብርቲ ደቂ ሰባት ይኹኑ ደኣ’ምበር ንብዙሓት ኣህዛብ ጉድኣት ዘስዓበ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝገድፎ ኣሰር ቀሊል ብዘይምዃኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከብ ንዘሎን፡ ኣብ ዝተፈላልየ ኵርንዓት ዓለም ተሰዲዱ ንዝርከብ ህዝብና ካብ ሻቅሎት ገዛእ ነፍሱን ክሓስብ ዓዲ ኣይወዓለን። ንሙሉእ ዓለም ሓድሽ ተርእዮ ዝኾነ ለበዳ ሕማም ምስ ሞትን ሕየትን ገጽ ንገጽ ኣብ ዝፋጠጠሉ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንድሕነቶምን ድሕነት ህዝቦምን ክንዮ’ዚ ኣሉታዊ ሓደጋ ዝኸደ ኣተሓሳስባትን ኣረኣእያታት ተስፋታት ዝሓቆፈ ሕቶ ፍታሓዊ ምሕደራ ንደሞክራስን ሰላምን ዝመለሰ፡ ብፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ነባራት ተጋደልቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት ኣብ ኣገባብ መስርዕ ተቃውሞታት፡ መደብ ወፍሪ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘርኣዮ ትብዓት መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ብፍሉይ ክብሪ ኣቓልቦ ሂቡ ዘቓለሖ ደበስ ህዝብና ነይሩ ክበሃል ዘይክእል ኣይኮነን። ደላይ ፍትሒ ህዝብና ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ነቲ ንምወዳእታ ዝኸዶ ጉዕዞ ቃልሲ መሰረት ቅዋማዊት ፍትሓዊት ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ፡ ካልኣይ ሳልሳይ ወለዶ ዘይብተኽ ኣሰር ታሪኻዊ ምትእስሳር እንዳሓያለ እንዳተረረን ክመጽእ ምጽንሑ መበል 29 ዓመት ዝኽሪ በዓል ነጻነት ኣግሂድዎ ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት፡ 2020 ዓ.ም ፍሉይ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ተርእዮ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ሕግን፡ ሰላምን ራህዋን፡ መሰልን ክብርን ሰባት ክነግስ ኣብ ሓደ ቃል ጸኒዑ ብቆራጽነት ወሲኑ ዝተላዕለላ ታሪኻዊት ዓመት’ያ። ኣብ’ዚ ንኣስታት ሰለስተ መዓልቲ ዝተካየደ ምድላዋትን ጽምብል መበል 29 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ንሓድነታዊ ኣረኣእያ ሓይልታት፡ ንስጡም ኣሰራርሓን ንቅድሚት ዝደፍእን ዝጉስጉስን ኮይኑ ድልውነቱ ዝገልጽ ብስለት ዘለዎ ትንተናን ሓሳብን ዘሰነየ፡ ገና ንዝቅጽል መዓልታት ክንሰምዖ ንሃረርታ ንጽበዮ ብሕጽረት ግዜ ንድሕሪት ተወንዚፉ ዘሎ ተዘሪቡ ዘይውዳእ ወርቃዊ ተሞክሮታት ከይዱ ከይዱ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ ንሓድነት ዘተባብዕ ጐሃርሃር ይብል ኣሎ። እዚ ወርቃዊ ታሪኻዊ ተሞክሮታት ከኣ ብግብሪ ተሰንዩ ንመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብህዝባዊ ምሕደራ ክትክኦ ትጽቢት ዝገብረሉ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ብልዑል ሓላፍነት ክናብዮ፡ ካብ’ቲ ብስንኪ ስርዓት ህግዲፍ ወዲቕዎ ዝጸንሐ ጸብሪ ተሲኡ፡ ሓመዱ ነጊፉ ዳግማይ ኣብ ከምኡ ኩነታት ከይወድቅ ንሙሉእ ትንሳኤ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዋልታ ኮይኑ ካብ ሓደጋ ከጽልሎ፡ ከም’ዚ ኣብ ዝኽሪ መበል 29 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ዝተራእየ ተበግሶ፡ ተበግሶ መዓልታዊ ዕማምና ኣንጻር ህግዲፍ ኮይኑ ክጽል ብመርኣያ ሃገራዊ ዕላማታት ውሓደለ ምስ ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ተሰሊፉ ንህዝብና ብሙሉእ ሓርነት ክድበስ ክቃለስ ብውሳኔታት ጉባኤኡ ማሕላ ዝኣተወሉ ኣብ’ዚ ታሪኻዊ መድረኽ ጻዊዒት ድሕነት ሃገር ብግብሪ ክሰርሓሉ ዝርከብ’ውን’ዩ። ቃና ሓድነት ህዝብና ደደጋጊሙ ኣብ ዝቃላሓሉ ዘሎ እዋን መወድእትኡ ክውን ክገብሮ ዘኽእል ተስፋታት ርሑቕ ዘይምኳኑ ከኣ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ዝተነጻጸለ ቃልሲ ኣብ ሓደ መኣዲ ቀሪቡ ብሓድነቱ ክጽንበል ዘርእዮ ተስፋታት፡ ህዝቢ ክሓብር ክደጋገፍ ንነባሪ ነጻነት ኤርትራ ድርዕን ሓይል ዕርድ ንምዃን እዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽሪን ስውኣትና

ነጻነት ኤርትራ ንዘለኣለም ተከቢሩ ክነብር’ዩ

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

25 ግንቦት 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.