መዓልቲ ነጻነት

መዓልቲ ነጻነት
ኣቡ ያረድ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእል ብረታዊ ገድሉ ዘማዕደዋ ነጻነት ነቲ ዝኸፈለላ ዋጋ ዝግበኣ መዘና ዘይብላ ዝዓዘዘት ናይ መሬትን ሰብን ክብሪ ምዃና ዩ ዝርኢ ነሩ። ይኹን እምበር
ካብ 1991 ክሳብ ዚ ናይ መበል 29 ዓመት ጽንብል ልኡላውነት ኤርትራ ካልኣይ ዕላማ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰብ ሓርነት ኣብ ዝበዀረሉ ኩነት ዩ ክሓልፍ ጸኒሑን ዘሎን። ኩሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ውድብ ከም ዝተዓመ ቀጺሉ ድማ ናይ ምግባት ባህሪ ከም መርሆ ናብ ሓደ ጉጅለ ከይተደረተ ኳ ደኣ ኪንኡ ናብ ክሊ ሓደ ውልቀ መራሒ እናጸበበ ከም ዝቅጽል ኮይኑ ኣሎ ። ከም ሳዕቤኑ ኤርትራ ናይ ሓደ ፖሊቲካዊ ውድብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ናይ ሓደ ባእታ ኣይኮኑን ብዝብል ለውጢ ካብ ውሽጢ ክረጋገጽ ዝነበረ ትጽቢት በኒኑ ድሕሪ ብዙሕ መስርሕ ምትላል ብዛዕባ ደሞክራሲ ዝሓስብ ኣብ ወርሒ ደዪቡ ንክደልያ ተገሊጹ። ንለውጢ ክድርኹ ዝፈተኑ ለባማት ሃገራውያን ተቀንጺሎም ተኣሲሮም ተባሪሮም። ናይ ለውጢ ጠላባት ከይሕይል ኤርትራ ከም ሕሱም ናይ ውግእን ስደትን ናይ ኩሉ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ባይታ ኮይና። ብኣፉን ኣጽፋሩን ቁስልታቱን ደም ኣሽሓት ንጹሃት ዜጋታት ዝዛሪ ኣረመን ውልቀ መላኺ ንምእላይ ብሰላማዊ ኣገባብ ምዝታይ ምምይያጥ ኣብ ዝተፈተነሉ ካብ ሰብኣዊ ሕልና ጥሮሖም ዝተረፉ ተጻረፍቲ ኣሰርቲ ቀንጸልቲ ኤርትራዊ ክብሪ ዘይብሎም ንኹሉ ሕሉፍ ጸዓት ገድሊ ከም ስራሕ ሓደ ውልቀ ባእታ ዝገልጹ ባህርያት እናሻዕ ሳሪሮም። ርኹስ ባህሪ ዲክተተር ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ወሪዱ ንጎኒ ኣስፋሕፊሑ ናብ መሳኪን ስድራቤታት ኣቲዩ ኤርትራዊ ክብርታት ተደዊኑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ንመበል 29 ዓመት ዘኽበር ጽንብል ነጻነት መሬት ኤርትራ በቲ ሓደ ሰነኽ ሃገርና ኣብ ካርታ ዓለም ነጻ ልኡላዊት ሃገር ብምዃና ኤርትራዊ ሃገር ኣሎኒ ኢሉ ክብሪ ክስሞዖ ከሎ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ህልው ስርዓት ህግደፍ ገሃነብ እሳት ኰይንዎ ክቅተልን ክእሰርን ክስደድን ከሎ ሓዘን ይፈራረቆ። ምኽንያት ናይዚ እምበኣር ስለዝተቃለስና ኣይኮናንን ከምዚ ኰና የግዳስ ሃገራዊ ዕርቂ ስለዘየረጋገጽና ኢና ኣደዳ ኣረመን ኰና። ስለዚ መበል 29 ዓመት ጽምብል ነጻነት ኤርትራ ናይ ተራ ዝኽሪ ሳዕስዒትን ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ናይ ምትንታን ኣጋጣሚ ጥራይ ኣይኮነንን። የግዳስ ካብ ምጅማር ገድልና ኣትሒዝና ነየናይ ዕላማታት ከነረጋግጽ ተበጎስና እንታይ ከ ኣረጋጊጽናን ተሪፉናን ስለምንታይ ኣብ ዚ ሕሱም ሃለዋት ንነብር ኣሎና ኢልና ሃገራዊ ዕርቂ ብምርግጋጽ ንሓርነትና እንብገሰሉ ኣጋጣሚ ኢዩ።
ሎሚ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ተቃዋሚ ኢየ ምባሉን ብዛዕባ ደሞክራሲ ምትንታኑን መደብ ዕዩኡ ምግላጹን ጥራይ እኹል ናይ ሃገርና ጸገም ፍታሕ ዝኸውን ፖሊቲካዊ ኣጀንዳ ከምዘይወነነ ክፈልጥ ኣለዎ። የግዳስ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ብምንታይ ከምዝፍለን ንባዕሉ ንምንታይ ተቃዋምን ምዃኑ ክምርምር ኣልርዎ። ጉጅለ ህግደፍ ኣነ በይነይ ኢሉ ንፍጹም ሓደነት ወይ ንናይ ብዙሕነት ሓደነት ስለዝነጸገ ኢዩ መላኺ ቀታሊ…….ወዘተ መለለዪ ተዋሂብዎ ከዕኑ ዝርከብ ዘሎ። ብመንጽር ዚ ነፍሲ ወከፍ ተቃዋሚ ሓይሊ ጉጅለ ባእታ ኸኣ ነዚ ማእከልን ቀንድን ትርጉም ደሞክራሲ ዝኾነ ሓድነት ብተግባር እንተዘይሰሪሑ ፖሊቲክኡ ሃልኪ ጥራይ ከም ዝኸውን ተመኩሮና ኣረጋጊጽዎ ከም ዘሎ ሞ ህዝቢ ከዓስሎ ከም ዘይክእል ክግንዘብ ይግባእ። እቲ ዝስዕብ ሓደጋ ድማ ንማንም ንጹር ኢዩ። ስለዚ እቲ በኺሩ ዝርከብ ፍታሕ ኩሉ ኤርትራዊ ተሳትፍኡ ዘረጋገጸሉ ሓባራዊ ጽላል ዩ። ትርጉም ሓድነት ጥፍኣት ዲክታቶርነት ኢዩ። ምእንትኡ ሓባራዊ ተበግሶ የድሊ።
ነጻ ኤርትራ ንዘለኣልም ትንበር
ክብርን መጎስን ንሰማእታት ኤርትራ
ኣቡ ያረድ
ዘመን በርሚል
ዘመን በርሚል ዘመን በርሚልዋናይ ዕንክሊልባዕለይ ዕንክሊልማይ ኣይንዕቕል፡ ጥዑም ሓሊፉ ክሻ ተዓጺፉ ኣብ ትሕተይ ተነጺፉ፡ ኣብ ልጉስ ከውሊውሻጠ ምስ ዕትሮ ጻሕሊኣብ ገበላ መጽለሊ፡ ሓንቂቕን ከቢረን ብኣውሊዕ ክዕጠን ኩሉ ብዓቕን፡ ግዜ ህግደፍብጸሓይ ክግረፍክጭፍለቕ ክሸራረፍ፡ ሓቦ እገብር ፡ ሰብ ክብደል ብጽምኡ ንዓይ ክሕንግር ክሓዝል ኣብ ሪጋ ቀንፈዘው ሕድር ውዕል፡ ሰብና በርሚልና ጀርካን በራድማይ ናብ ዘለዎ…
ታሪኽ ሂወት ጅገና ነባር ተጋዳላይ መድሃኔ ተኽለማርያም (መድሃኔ ቺና)
መድሃኔ ተኽለማርያም (መድሃኔ ቺና) ታሪኽ ሂወት ጅገና ነባር ተጋዳላይ መድሃኔ ተኽለማርያም (መድሃኔ ቺና) ፍቅሩን ሕያውያን እንፈትዎ ሓውና ነፍስሄር ጅግና ነባር ተጋዳላይ መድሃኔ ተኽለማርያም፡ ካብ ኣቦ’ኡ ብላታ ተኽለማርያ መርሻን፡ኣደኡ ወይዘሮ ብርዛፍ መብራህቱ ብዕለት 26 ወርሒ ለካቲት 1956 ኣብ ሕምርቲ ከተማ ኣስመራ ኪዳነ ምህረት ተወሊዱ ኣብኡ ዓብዩን። ነፍስሄር መድሃኔ ኣብ መንጎ 10 ዓበይትን ንኣሽቱን ኣሕዋቱ መበል 7ይ…
You must be logged in to post a comment.