ኩነታት ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ህዝቢ ኤርትራን

ኩነታት ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ህዝቢ ኤርትራን

ህዝቢ ኤርትራ ኣስታት 20 ዓመታት ዝወሰደ ጎነጽ ዶባዊ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ህዝብናን ዓለምን ተስፋ ዘነበረሉ ብዘይቅድመ ኩነት ፍታሕ ግርጭት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብተበግሶ መራሕ ቀዳማይ ሚኒተር ፈደራላዊ ደሞክራሲያዊ ረፓብሊክ ኮ/ል ኣብይ ኣሕመድ ምብጻሕ ኣስመራ፡ ቀጺሉ መርሓቲ ጃንዳ ህግዲፍ ምብጻሕ ኣዲስ ኣበባ ተስፋ ኣይነበሮን ክበሃል ኣይክእልን። ይኹን’ምበር ትጽቢት ዘይተገብረሉ፡ ነዊሕ ከይኸደ ነቲ ተስፋታት ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዓነ ምስጢራዊ ውዕላት ንምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ዘጎልብት ተርእዮ ኣብ ቅድሚ ትጽቢት ሰላም ተሰሪዑ ቀጸለ። ክሳብ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ከኣ ንምልካዊ ዕላማ ንምርግጋጽ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ሓጺር ግዜ ዝረኸቦ ፖለቲካዊ መኽሰባት’ኳ ኣይንበር፡ መላኺ ስርዓት ዓጊትዎ ዝነበረ ኩሉ ጥረ ነገራት ምስ’ቲ ዶባት ምኽፋቱ ህዝብና ገገለ ንመዓልታዊ ሂወቱ ዝጥቅመሉ፡ ደቁ ዘዕንግለሉ ንኣዝዩ ሓጺርን ውሱንን ግዜ ፍታሕ ረኺቡ ነበረ። እዚ’ውን ብተበግሶ ስግር ዶብ ኤርትራ ዝመጽእ ዝነበረ ቀረብ ዝተረኽበ’ምበር ብሓልዮት ህግዲፍ ኣይነበረን። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ መኣዱ በርኪቱ ክዕንገል ዝጀመረ ስድራ ክርእይ ዓይኑ ስለ ዘይከኣለሉን፡ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ነቲ ብሓሶት መብጽዓ ዝኣተወ ሰላም፡ ነባሪ ሰላም መታን ከይርከብ፡ ብዘይተሓሰበ መደብ፡ ብዘይእውጅ መግለጺ መንገዲ ዶባት ዓጸወ። ኣብ’ዚ ኩነታት’ዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ቀስ ብቀስ ኣብ’ታ ቅድሚ ሓምለ 2018 ዝነበረት ብጓይልላን ዕልልታን ዝተቐበላ ዘይፈልጣ ሚስጢራዊ ስምምዕ ኢትዮ-ኤርትራ ዳግማይ ተሸመመ።

ዳጋ ኣብ’ቲ ቅድሚ ሰላም ዝነበሮ ዋጋ ተመልሰ። መሰረታዊ ኣድላይነት ዝርግሐ ማይ ኣብ ቀደሙ ተመለሰ። ህዝብና ደጊሙ ኣብ ዝነበሮ ምክልባትን ጭናቃን ተመለሰ። እዚ ዝመስል ወጽዓታትን ጸገማት ኣብ ዝባኑ ተሸኪሙ ክኸይድ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ካብ መወዳእታ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ኣብ ዓለም ዝተራእየ ሓደጋ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተወሰኾ። መላኺ ስርዓት ነቲ ን29 ዓመታት ዝኣክል ህዝብና ከይንቀሳቐስ ንኸይገይሽ፡ ብብርቱዕ ሓለዎ ዘመሓድሮ ዝነበረ ህዝቢ ደጊም ነዚ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተጠቒሙ ሕጂ’ውን ህዝቢ ካብ ቤቱ ከይንቀሳቐስ ኣገደን ከልከለን። ዝርግሐን ምዕዳል ማይን ብምቁራጽ ብተደራራቢ ሽግራት ህዝቢ ካብ’ቲ ዝነበሮ ደረጃ ናብራ ንዝኸፍአ ከም ዝወርድን ገበሮ። ንምልካዊ ምሕደራኡ ንምስልሳል ከኣ ከም ዓቢ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ፡ ንዘመሓድሮ ህዝቢ’ኳ ምሕረት የውርደልካ ከይበለ፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘይተራእየ ኣብ’ዚ እዋን ንመጀመሪያ ንጎረቤት ሃገር ዝገሸ መራሒ ጉዕዞ ኣዲስ ኣበባ፡ ምምራቕ ፋቢሪካታትን ሕርሻን ተራእየ። ዝገርም ዘስደምምን ጉዕዞ ከኣ ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዮ ንዕቐት፡ ፋብሪካታት፡ ሕርሻታት ምምራቕስ ይትረፍስ፡ ነዛ ኣፎም ዘርዊይላ ሓሬት ማይ’ኳ ከም ዝሕረሙ ገበረ። ዋጋታት እኽሊ ሰማይ ከም ዝዓርግ፡ ገንዘብ ዘለዎ ርኹብ ሰብ’ውን እንተሃለወ ካብ ሸመታ ከም ዝሕረሙ ብምግባር መዓጹ ባክንታት ኤርትራ ብምርጋጥ መሸመቲ ገንዘብ ከም ዘይረክቡን ንህዝቢ ኣብ’ታ ናይ ቀደሙ ጥሜትን ጽምእን ከርፋሕ ናብራ ከም ዝምለስ ገበሮ።

ላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ንምልካዊ ምምሕዳሩ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተጠቕመሉ ስርዓታት ዓለም ሓደ’ዩ። ኣብ ክንዲ ንዝሓመሙ ዝሕይብን ዝኣልይን ከኣ ባክንታት ዓጽዩ ገንዘብ ሓይቡ፡ ንሕሙማትን ስድራ ቤቶምን ኣብ ጥምየት ከም ዝነበሩ ሓይሉ ዝገተረ ቅልጽሙ ዝገተረ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ካብ’ቲ ዝነበሮ ገደብ መገሻታት ሕጂ ብሰንኪ ሓደጋ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተወሲኽዎ ንዳርጋ 24 ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓት ኣሎ እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ህዝቢ ንሓድሕዱ ከይራኸብ፡ ተራኺቡ ከኣ ብዛዕባ ዘለዎ ጸገማት ከየተንፍስ ህግዲፍ ብዝሓደሮ ስግኣታት ዝሓንጸጾ መደባት’ዩ። ካልእስ ይትረፍ ህዝብና ንቤተ ክርስትያን ይኹን መስጊድ ከይዱ ከይጽሊ ኣብ ቤቱ ኮይኑ ብመጉልሒ ድምጺ ጸሎት ክከታተል ብዘሓንጸጾ መደብን መምርሕ ከስርሕ ስለ ዘይከኣለ፡መደባቱ ሰሪዙ ንኩሉ ዓጸዎ። ሎሚ ከኣ እቶም ዕድል ዝረኽቡ ውሱናት ሰባት በቲ ካብ ወጻእን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ብዝመሓላለፍ ቀጥታዊ መደባት ጸሎት ክካፈሉ ይጽዕሩ ኣለዉ።ዝበዝሕ ህዝቢ ካብ ኩሉ ነገራት ብፍጹም ዝተኾነነሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ።

ፍትሒ ይንገስ

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝክርን ንስውኣታን

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

1 ሰን 2020

Leave a comment

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.