ኣብ ኤርትራ ክንደይ ጆርጅ ፍሎይድ ኣለዉ !

ኣብ ኤርትራ ክንደይ ጆርጅ ፍሎይ ኣለዉ !

ኣብ’ዚ ንርከበሉ ዘሎና እዋን ሕብረተ ሰብ ዓለም ዝሓልፎ ዘሎ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብሓፈሻ ንዕዘቦን ንርእዮን ንሰሞኦን ዘሎና ኮይኑ፡ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝርአ ምስ ፖሊቲካዊ ማሕበራዊ ምጣነ ሃብታዊ ቅልውላው ነቲ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረ ዘጋድዶ’ምበር ዘመሓይሾ ከም ዘይኮነስ ኩሉ ዝርድኦ’ዩ። ኣብ’ዘን ድኻታት ሃገራት ቅድሚ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምዕሩይ ምምሕዳርን ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ቁጠባዊ ማዕርነትስ ይትረፍ ገገለ ተስፋ ዕብየት ዘይተራእየሉ ከባቢና ሃገርና ብፍላይ ኤርትራ ምስ ሳዕቤናት ጂኦ ፖሊቲካዊ ኩነታት ክቅልቀሉ ዝኽእሉ ሓደጋታት ብቀሊሉ ክረአ ዝኽእል ጉዳይ ኣይኮነን። እንሆ ከኣ ህዝብና ኣብ ልዕሊ’ዚ ዝተጠቕሰ ጽንኩር ኣህጉራዊ ኩነታት ተቐርቒሩ ይነብር ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣሚሪካዊ ዜጋ ጆርጅ ፍሎይድ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ፖሊስ ኣብ መርመራ ከይበጽሐ ኣብ’ቲ ዝተተሓዘሉ ጎደና ብጨካን ኣገባብ ሂወቱ ክሓልፍ እንከሎ ዓለም ዝመስከሮ’ዩ። ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ካብ’ቶም ካልኦት ኣሕዋቱ ዝተፈለየ ዝገበሮ ንኣስታት 8-9 ደቂቕ ዝኣክል ከተንፍስ ኣይከኣልኩን እንዳበለ፡ንፖሊስ እንዳለመነ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኩሉ ብቀጥታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ብሙማቱ’ዩ። ብሓቂ ከኣ ካብ’ቲ ብዙሕ ዝፍጸም ዘይፍትሓዊ ቅትለታት ኣዝዩ ዘሕዝን ትርኢት ኮይኑ ተረኽበ

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዚ ዓይነት ቅትለት ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ከም ዓለሞም ተቃዊሞምን ኮኒኖም’ዮም። ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ምስ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎ መግለጺ ዘይብሉ ቅትለት ጭውያ ማእሰአርቲ ጥራሕ ዘይኮነ ብዓቐኑን ዓይነቱን ዝተፈለየ ዝጸንሐ ተሞክሮታት፡ ንዘይፍትሓዊ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ምድንጋጽ solidarity ከርኢ ግድነት’ዩ።

ኣብ ሃገርና ብዝተፈላልየ ኣገባባት ዝጠፍኡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምሁራት፡ ሽማግለታት ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት መቁጽሪ የብሎምን።

ኣብ’ዚ ተሰጊሩ ክሓልፍ ዘይክእል ግን ሓደ ኣዝዩ ዘገርም ሓደ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣሎ። እቶም ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቦም ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት፡ ሓንቲ መዓልቲ ተዛሪቦም ዘይፈልጡ ብመነጸር ህግዲፍ ብዛዕባ ጆርጅ ፍሎይድ ኣንጻር መንግስቲ ኣሚሪካ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክዛረቡ ክጽሕፉ ተረኺቦም። መብዛሕትኦም ማለት ደገፍቲ ስርዓት ህግዲፍ ካብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዝተላዕለ ተቃውሞ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምሕጓስ ዝተባህለን ዝተገብረን ምንባሩ’ዩ። እንተዘይኮይኑ ንልዕሊ 29 ዓመታት መሰል ኤርትራዊ ክድፈር ከምዘይጸንሐ ነቲ ”ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” ዝብልዎ ስርዓት ክነቅፍዎ ኣይተራእዩን።

ዘይፍትሓዊ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ግን ልክዕ ከም ማዕበል ባሕሪ (ሱናሚ)፡ ንሙሉእ ዓለም ዘናወጸ ዘይፍትሓዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ይንዋሕ ይሕጸር ንመላኺ ስርዓት ከራኻኽበሉ ከም ዝኽእል፡ መጠንቀቕታ ንመለኽቲ ስርዓታት፡ ደወል ፍትሒ ምኳኑስ ኣይተረደኦምን። እንሆ ከኣ ዓለም ብዓለሙ ፍትሒ ንዝሰኣኑ ዜጋታት ደቀ’ባት፡ ስድተኛታት ብማዕረ ዝብጽሖም መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሪ ደቂ ሰባት ቀስ ብቀስ ኣፍደገ መለክቲ ስርዓታት ይኩሕዅሕ ኣሎ።

ዘይፍትሓዊ ቅትለት ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ሓደ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወሲኽካ ንሰሙናት ዝቀጸለ ተቃውሞታት ተራእዩ። ከም’ቲ ደገፍቲ ዝብልዎ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን እንተዝነብር ብተመሳሳሊ ተቃውሞ ክረአ ዘይምኽኣሉ ኩሎም ዓዲ ዝመላለሱ ክምልስዎ’ውን ብዙሕ ትጽቢት ዝገበረሎም ኣይኮነን’ምበር፡ባዕሎም ዝምልስዎ ሕቶ ስለ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 350 ቤት ማእሰርቲ ዝርከበላ፡ ማእለያ ዘይብሎም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ፖሊቲካውያንን ናይ ሕልና እሱራት፡ መእተዊኦም ዘይፍለጥ ዝጠፍኡን ደሃዮም ዘይፍለጡ፡ ወለዶም፡ ስድርኦም፡ ደቆም ብሕሱም ጓሒ ንብዓቶም ነቒጹ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሂወት ዘይምስትውዓሎምን፡ ንህዝብካ ምድንጋጽን ርህራሀን ነፊግካ፡ ብዛዕባ ጆርጅ ፍሎይድ ምድንጋጽ፡ ብዛዕባ ክብርታት ሰብኣዊ መሰል ምውርዛይ ብኽመይ ሓቂ ክኸውን ይኽእል? ብፍጹም ኣይክእልን። ይኹን’ምበር ደላይ ፍትሒ ህዝብና ፍሽለት መላኺ ስርዓት ህግዲፍን ሰዓብቱ ብጋህዲ ይርእዮ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ፍትሓዊ መሰል ሰብኣዊ ክብሪ ከኣ ሎሚ ዝተረገጸ ጽባሕ ዝበዝሑ ሰዓብቲ በርኪቶም ብሓድነቶም ጽባሕ ጽባሕ ዝለዓል ሕቶ ስለ ዝኾነ ግዚያዊ ትዕቢ መላኺ ስርዓት ንቃልሲ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ንድሕሪ ከቶ ኣይመልሶን’ዩ።

ፍትሒ ይንገስ

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

8 ሰነ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.