ስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ህግዲፍ ብምስምስ Covid-19 ዝተተከኣ ይመስል !

ስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ህግዲፍ ብምስምስ Covid-19 ዝተተከኣ ይመስል !

ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብሃንደበትን ዓብይ ስፍሓት ቅሉጡፍ ዝርግሐ ዘለዎ ንህዝቢ ዓለም መሰረት ትካላቱ ንሓያላት ሃገራት፡ ምዕቡላት መንግስታትን ንምክልኻሉ ማሕበራዊ መደብ፡ ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ሕክምናን ንጥዕና ኣብ ብዙሕ ወጥሪ ጸገም ንፍትሑ ከም ዝተጸመዱ ዝገበረ’ዩ። ሞያውያን ክኢላታት ዝተፈላልየ መደብ፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን መንግስታትን ምስ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና 5ይ ወርሒ ዘቁጸረ ገና ፍታሕ ንምርካብ ብኩሉ መዳያት ከቢድ ድኻም ዘለውኦ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ዘርኢ ዕለታዊ ዜና’ዩ።

እቶም ደሞክራስን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘለዎም ስልጡናት ሃገራት ምስ’ቲ ክህልዎም ዝኽእል ዝተፈላየ ዓቕሚ ንፍታሕ ህዝቦም ንምርካብ፡ ካብ’ዚ ሓደገኛ ተርኽቦ ንምውጻእ ኣድላዩ ዝበልዎ ስጉምትታት መምርሕታት ክወስዱ ጸኒሖምን ኣለዉን። ካብ’ቲ ዝለዓለ ውሕስነት ህዝቦም ዝሰርዕዎ ከኣ ህዝቢ ብስእነትን ዋሕዲ ቀረብ ዕዳጋ መግቢ ከይሽገርን ንኸይሳቐ ምግባር’ዩ።

ምስ’ዚ ዝተተሓዘ ኣብ’ተን ዘይምዕቡላትን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ክረአ እንከሎ፡ ቅድሚ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከም ንቡር ተታሒዙ ዝጸንሐ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ሓደገኛ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተወሲኽዎ ማዕረ ክንደይ ከም ዘጸግም ንምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን።

ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታት ዝመሓደሩ ሃገራት ከም ሃገር ኤርትራ ወሲኽካ ብዝተዓጻጸፈ ዝተደራረበ ሽግርን ጸገምን ከም ዘጋጥሞም ንምግማቱ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንዝሓለፈ 29 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝተበየነ ማእለያ ዘይብሉ እገዳታት ከም ሳዕበናት ከኣ ህዝብና ክሓልፎ ዝጸንሐ ጸገማት ብንጹር መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ካብ ንዕቀት ዝተላዕለ ባዕሉ ኣብ መራኸቢ ሓድኣዊ ቲቪ ህግዲፍ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ዘይሰምዐ ክህሉ ኣይክእልን። ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ንዝተፈላልየ መኣዝናት ዘዋፍር መስመር መጓዓዓዚ ብክንደይ ሓለዋን መፈተሺ ቦታታት ተሓጺሩ ንኸይንቀሳቐስ ተገይሩ ምንባሩ ምዝካር ይከኣል። እቲ ዝገርም ግን እቶም ካብ ወጻኢ ንፈስቲቫል ኤርትራ ከውደኽድኹ ዝኸዱ ዝነበሩ ደገፍቱን ዝያዳ ከም ዝተገፍዑን ከም’ቲ ኣብ ወጻኢ” መንግስትና ንሕና ንሱ” እንዳበሉ ዝጭርሕዎ ዘይኮነስ ሓመድ ድከቶም ሰትዮም ናብተን ንዕኦም ደቆምን ዝናብይኦም ምዕራባውያን ሃገራት ተመሊሶም ዘውርይዎ ወረታት’ኳ ዘይሓልፍ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ምንባሩ ምጥቃሱ ኣገዳሲ’ዩ።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መፈተሺ ቦታታት ”ከላታት” ብሑቕ ከፍስስ፡ ሓርጭ ክዘሩ፡ ማይ፡ መብራህቲ ክኽልክል፡ መስመር ሳይበር ክዓጹ ንለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ቀዲምዎ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ መርዚ ስርዓት ህግዲፍ፡ ሎሚ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ እንቋዕ ደሓን መጸ ብዝዓይነቱ ኣገባብ ተተሓሒዙ ህዝቢ ካብ ቤቱ ፍጹም ንኸይንቀሳቐስ ንሃገራዊ ድሕነት ተኪኡ ዘሎ ፍሉይ በዓል ስልጣን ክበሃል ዘይክእል ኣይኮነን።

መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ህዝቢ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ንኸይንቀሳቐስ ተባሂሉ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ሓደ ባእታ ፍቓድ ዝተዋህቦ ጥራሕ ክወጽእ ክኣቱ ዝተፈቀደሉ ህዝቢ ኮይኑ ከብቕዕ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይምዕሩይ ምሕደራ፡ ዋሕዲ ቀረብ ዕዳጋታት ወዮ’ቶም ብለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከይልከፉ ዝተባህሉ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ፍቃድ መንቀሳቐሲ ዝተዋህቦም ሰባት’ኳ፡ ብሰንኪ’ቲ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ዕዳጋ ኣብ መስርዕ ተኣኻኺቦም ግዳይ ለበዳ ከም ዝኾኑ ጌርዎም ኣሎ። እንተኾነ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብዝሰርዖ ጨካን መደብ ንህዝቢ ክኸስስን ንዝተዋህቦ መምርሒ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕልዎ ብምባል ክገልጽ ይፈታትን ኣሎ። ህዝብና ኣብ ዕዳጋታት ንፋስን ቁርን፡ ጸሓይ ክውቓዕ፡ ዕግርግርን ናፊቁ ዘይኮነስ ደቁ ስድርኡ ክናቢ ዕለት መግቡ ክምእርር ተሸጊሩ ዝገብሮ’ዩ። መላኺ ስርዓት ከኣ በሉ ረኣይዎም ኣብ ገዛኹም ተሓየቡ ተባሂሎም ዘይሰምዑ ህዝቢ ክብል ይርከብ።

ደጊም ሃገራዊ ድሕነት ህግዲፍ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻሉ ዘይኮነስ ፡ ንስልጣን ህግዲፍ ንምክልኻል ከም መሳርሕን መሳርሕቱ ኣንጻር ህዝቢ ዝርእዮን ንስልጣኑ ሓጋዚ ዝኾነ መድረኽ ፈጢርሉ ኣሎ።

ኣብ ስደት ዘለዉ ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝተፈላልዩ ዜጋታት ጽጉማት፡ ሕሙማት፡ ኣረጋውያን፡ህጻናት ካብ ገዝኦም ከይወጹ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣለይቲ ሕሙማት ከይተረፈ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ብወፈያ ገንዘብ፡ መግቢ ብድላውን፡ ካልእ ተመሳሳሊ ብዙሕ ኣድላይነት ኣለዎ ዝበሃል ኣብ ምስንዳእ ዘይሕለል ጻዕሪ ይካይድ ከም ዘለዉ ወረ ገገለስ ናይ’ዚ ሓገዝ ተቀበልቲ ምኳኖም ዝምስክርዎ’ዩ። እሞ ደኣ ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝርእይዎ ዘለዎ ኣብ ኤርትራ ከትግበር ዝዕንቅጾም እንታይ ምዃኑ ዘስደምም’ዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ነቶም ንስድራ ቤት ክኣልዩ ዝተባህሉ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ዝተዋህቦም’ኳ ብሕጽረት ቀረብ ዕዳጋ ኣብ ኣፍደገ ድኳናት ኣብ መስርዕ ቀንፈዘው ከብሎም ይውዕል ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ኣስታት 39 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ሓሚሞ ከም ዝነበሩን፡ ሓውዮም ከኣ ካብ ሕክምና ከም ዝተሰናበቱን ይገልጽ። እሞ እቶም ሕሙማት ካብ ሓወዩን ንገዝኦም ካብ ተፋነዉን ስ፡ ብኣውያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቶም ዝተኣከበ ገንዘብ ነዞም ኣብ ዕዳጋ ቀንፈዘው ዝብሉ ዘለዉ ህዝቢ’ኳ ክሕግዝ ኣይከኣለን። ካልእ ተረሲዑ ክሓልፍ ዘይግባእ ኣገዳሲ ብዛዕባ እቶም ብዘይፍትሒ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ህግዲፍ ዘለዉ ልዕሊ ዓቐን ኣብ ጸበብቲ ቤት ማእሰርታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ዘለዉ ፖለቲካውያንን ሕልና እሱራት ዝፍለጥ ነገር ሓንቲ’ኳ የልቦን። ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ልምዓት ተዋፊሮም ዘለዉ መንእሰያት ንዝምልከት’ውን ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝፍለ ኣይኮነን። ሎሚ ህጻናት ቆልዑ ከይተረፉ ካብ ኣፍደገ ገዝኦም ሓሊፎም ንኸይንቀሳቐሱ ብዝተመሓላልፈ መምርሒ ከኣ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ግዜ ደርግ ንስልጣን ዝመጸሉ ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ዝነበረ ሂወት ዘዘካክር ኣብ ኣፍደገ ኮይንካ ብማዕዶ ማዕዶ ” ከመይ ሓዲርኩም” ምባል ሕሊፉ ካልእ ዘዘኻክር ዘይምህላው’ዩ።

ኣብ’ዚ ትርእይዎ ዘለኹም ስእሊ ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ኣስመራ ዝረአ ሪጋ ወይ መስርዕ ህግዲፍ ባዕሉ ዘተእታተወ ምሕደራ  ከም ጌጋ ህዝቢ ዝርአን እቲ ስርዓት ባዕሉ ዝዝርግሖ ወረ’ዩ። ኣብ ኤርትራ እኹል ቀረብ እንተዝነበር እዞም ህዝቢ ኣብ ኣፍደገ መዕድል ነዳዲ ክጽበዩ ዝገብሮም ምኽንያት ሓንቲ ኣይነበረን።

ዘለእእላማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

12 ሰነ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.