ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ፡ ንምንታይ’ና ኸ ንዝክሮም!

ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ፡

ንምንታይ’ና ኸ ንዝክሮም!

መስዋእቲ ኣዝዩ ክቡር’ዩ። ብመለክዒ ባህሊ፡ እምነት፡ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ይኹን ሕብረተ ሰብ ብፍሉይ ክበርን ኣተሓሕዛን ዘለዎ’ዩ። ቀዳማይን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንምእንታና ንምእንቲ ህዝብን ሃገርን በጃ ኮይኖም ነታ ዝውንንዋ እንኮ ሂወቶም ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስውኣት መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ/ኣስንትዮ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ዓለማውያን፡ ምሁራት፡ተመሃሮ ሓረስቶት ክኽበሩን ክዝከሩን ግድን’ዩ።

ዝኽርን ክብርን ስውኣት ምጽምባል ብመሰረቱ ሰብኣዊ’ዩ። ከም ኩሉ ፍጡር ነፍስን ስጋን ዝለበሱ ኣብ ክንዳኻ ክሳቐ፡ ክስንክል፡ ንነጻነትካን ሓርነትካ ክሳብ ሞት’ውን ብመስዋእቲ ክሓልፍ ዝበሉ ዛንታ ጽዉጽዋይ ዘይኮነስ ታሪኻዊ ቅያ ዝፈጸሙ ቀያሕቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ 365 መዓልታት ዕማት ሙሉእ ክዝከሩ ዘለዎም ዝግበኦም ጀጋኑ ሓርበኛታት ኤርትራውያን እዮም። መዓልቲ ዝኽሪ ስውኣት ኤርትራ ዕለቱ ወርሑ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን። ዘገድስ ዝኽሮም’ዩ። ነዚ ከኣ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ኣለዎ።

ሙሉእ ሰላም ዝሰፈና ሃገር፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘለዋ ሃገር’ኳ ንስውኣት ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ከከም ደጅኡ ንምእንቲ ህዝብን ሃገርን ብሂወት፡ ብኣካል፡ ብግዜ፡ ብሃብትን ፍልጠትን ዝተኸፍለ መስዋእቲ ኩሉ እዩ ክኸብር ዘለዎን ዝግባእ። ብሰንኪ ምሕደራ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ግን ኣብ’ቲ ደረጃ ኣይበጻሕናን።    

ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ተደፊራ ከይትነብር፡ መሰሉ ክብሩ ከይርገጽ ከይጉዕጸጽ ክከላኸል ብዘይሰገጥ ብዘይጥርጥር ነታ ሓንቲ ዝውንና ሂወት ሰዊኡ ንሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ መኪቱ። ብዙሕ መስዋእቲ ከኣ ከፊሉ። እዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ መስዋእቲ ከኣ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልዕልነት ሕጊ ንምንጋስ’ዩ ዝነበረ።

 ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ፡ ንጃህራን ፈኸራን ንመጸበቒ ስርዓታት፡ ፖለቲካዊ ሃልኪ ፕሮፓንጋዳ ምስምስን ዘይኮነስ ንምእንቲ ብሓቂ ብእምነት ዝወደቅሉ ዝደመይሉ ዝሰንከልሉ ዕላማ፡ ሃገራዊ ዕላማ ብደረጃኡ ከኣ ፍሉይ ክብሪ ክወሃቦም ይግባእ። ንምእንቲ እዛ ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ብዓቐኑ ዓይነቱ ጸብጺብካ ክውዳእ ዘይክእል ምስ ኣብ ውሽጥ ወጻእን ዘሎ ጅግና ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ዝጽብጸብ ታሪኻዊ ክብሪ’ውን እዩ። ገና’ውን ህዝብና መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ። ኣብ ዓለምና ታሪኽ ዘይብሉ ህዝቢ ስለ ዘየሎ ከኣ ታሪኽ ጅግንነት መስዋእቲ ኤርትራውያን ንውሉ ወለዶ እንዳተወራረሱ ዝነብሩ ቀንዲ ኣዕኑድ ሃገራዊ ታሪኽ ሓደ’ዩ።

መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ ክኽበርን ክዝከርን፡ ንዝወደቅሉ፡ ዝደመይሉ፡ ዝሰነከልሉ ዕላማታት ዝጣበቕን ዝከላኸልን፡ ሕድሪ ዝተቀበለ ወለዶታት እዩ። ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ ምስ ህግዲፍ ዘተኣሳስር የብሉን። ነቶም ንቡር ዝይረኸቡ ብኣጻብዕቲ ዝተፋሕረ ጉድጓድ ዝቀበርናዮም ኣሕዋትና፡ኣሓትና፡ ኣቦታትን ኣደታትን መሰኻክር ንሕና እቶም ህልዋት’ና።

መስዋእትታት

  1. ሰራዊት ሓርነት
  2. መስዋእቲ ህዝባዊ ሰራዊት

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዓድታትን ንኣስቱ ከተማታትን ካብ ባሕሪ ብጭልፋ’ዩ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ሓንቲ ምሸት ልዕሊ 3000 ሽሕ ዝግመት ሰላማዊ ህዝቢ ዝተረሸነለሉ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ክብርታቱን መኽተ ኣንጻር ባዕዳዊ ግዝኣት ከም ዝነበረ መን ይኽሕድ። መስዋእቲ ኤርትራውያን ብደበስ ነጻነት ኣይተወደአን። እንታይ ደኣ ኣብ 1998-2000 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ዶባዊ ኵናት መጻኢ ወለዶ መንእሰይ ኣብ ሓድሽ ረመጽ ሓዊ ኵናት ኣትዩ መቁጸሪ ዘይብሉ መንእሰይ ተሰዊኡ ሰንኪሉን ጠፊኡን’ዩ። ኤርትራ ሓድጊ ዘይብላ ክትጸንት ደቂ ስውኣት ከይተረፉ ኣብ’ቲ ዝቀጸለ ኵናት ዝተሰውኡን፡ ካብ ምረት ምሕደራ ህግዲፍ ነፍሶም ከድሕኑ ኣብ ዘይፈልጥዎ ጸምጸም በረኻታት፡ ምድረበታትን፡ ባሕርን ብዙሕ ሂወት ዝተኸፍለ ኤርትራዊ መስዋእቲ ክዝከርን ክኽበር ሓላፍነት ኩሉ ንሰላም ራህዋን፡ ሕግን ፍትሕን ዝቃለስ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ግቡኡ’ዩ።ታሪኹ’ዩ። ውድብ ሓድነት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከኣ ነዚ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ንዝተኸፍለ ሂወት ዘበገሶ ዕላማ ብኤርትራዊ ሓድነታዊ ቅኒት፡ ብምትሕብባርን ብምድግጋፍን ፖለቲካውያን ሓይልታት ሲቪክ ማሕበራት ንከዕወት ኣበርቲዑ ብንቅሓት ይቃለስ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

  14 ሰነ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.