ግደ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 2020 ንፍትሒ

ግደ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 2020 ንፍትሒ

ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት 2020 ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍሉይ ተርእዮ ዘንጸባርቀሉ ዘሎ መድረኽ፡ ብልዑል ግብራዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብብዝሒ ዝዝርጋሕ ዝረአን ዝንበብን ዘሎ ታሪኽ’ዩ። እዚ መድረኻዊ ታሪኽ ዝኽሪ ስውኣትና ኣብ’ቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ፍናን ትብዓት ዘመልክት፡ መድረኽ ንለውጢ ዘንጸባርቕ ተበግሶ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ንቅሓት እንዳሰፍሐን እንዳዓበየን ክመጽ ክመ ዝጸንሐ ዝረኣየሉ ዘሎ መድረኽ’ዩ። ህዝብና ከኣ ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ስውኣትና ዘለዎን ክህልዎን ዝግባእ ዓብይ ግደ ዘነጽር ዘየካትዕ ንሙሉእ ክብሩን መሰሉ ዘረጋግጽሉ ዕላማ ዘነጻጸረ ቃልሲ ዝመርሕ’ዩ።

እቶም ውሎዶም ዝሃቡ ህዝቢ፡ እቶም ኣሕዋቶም ኣሓቶም ዝሃቡ ህዝቢ፡ እቶም ውሉድ ኣካል ስድራ ቤት ዝሃቡ ህዝቢ፡ ክንዮ እቲ ቅያ ታሪኻዊ ጅግንነታዊ ነፍሲ ወከፍ መስዋእቲ ኤርትራውያን ዘሎ ዘይበትኽ ቀጻሊ ዝምድና፡ ስውኣትና ከም ሰባት ብሂወቶም ኣብ ዝነበርሉ ዝነበሮም ማሕበራዊ ክውንነት ንመስዋእቶም ዘንጸባርቕን ዝገልጽን ክልተ ብልሒ ዘለዎ ዘይከሓድ ሓቒ መርኣያ ጅግንነቶም ዝምስክር’ዩ።

2020 ንስውኣትና ኣብ ንዝክረሉ ዘለና ዕለት፡ እቶም ዓመት መጸ ከይተሓለሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ከቃልሑ ዝጸንሑ መርበባት ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ነባራት መርበብ ሓበሬታ፡ ውልቀሰባት ኤርትራውያን ዝተኸልዎ ዘርኢ ሎሚ ሎሚ ኣብ ፍረ በጺሑስ፡እንሆ ስድራ ቤታት፡ ኣዝማድ፡ መሓዙት፡ ጀጋኑ ስውኣትና ብግሉጽ ትብዓት ዝተሓወሶ ተበግሶ ከም ወልቀ ሰባት ብስእልን ታሪኽን ዝተስነየ ኣዝዩ ስፍሓትን ዕምቆትን ዘለዎ መግለጺታት ስውኣትን ጥራሕ ዘይክፕነ፡ ኣብ ቃልሲ ዝተጎድኡ ውግኣት ሓርነት ኤርትራውያን ከም ማሕታ ብልጭ ብልጭ ክብል ይረአ ኣሎ።

ንዝገበረልካ ንገረሉ ወይ ግበረሉ” ከም ዝበሃል ምሳል ኣበዋት፡ እዚ ዓይነት ኣገባብን ኣቀራርባን ዝኽሪ ስውኣትና 2020፡ ነቲ ደለይቲ ፍትሒ ዝጀመርዎ መቀጸልታን ሓያል ጎኒ፡ ንታሪኽ ስውኣትና ብውልቀን ብዝተፈላለያ ውድባት ዝልለዩ ግን ከኣ ንሓደ ዕላማ፡ ንቃልሲ ነጻነት ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፈልዎ ክቡር ሂወት ዘንጸባርቕ ሓቀኛ ምስክር’ውን እዩ።

ዝኽሪ መስዋእቲ ጀጋኑና ካብ ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ዝተኸፍለ ሂወት ዝወሃብ መግለጺታት ጎኒ ንጎኒ ብማዕረ፡ ማሕበራዊ ምስክርነት፡ ስድራ ቤታዊ ምስክርነት፡ መትዓብይቲ፡ መማህርቲ፡ መቃልስቲ ምሕዝነታዊ ምስክርነት ዝረጋገጸሉ ዘሎ እዋን በጺሕና፡ ቃልስና ማዕረ ክንደይ ንፍትሓዊ ሕጋዊ ህዝባዊ ቃልሲ ዝተበገሰ ምንባሩ ዘረጋግጽ ኣውንታዊ ህዝባዊ ተርእዮን ምስክርነት፡ ን ሕጋዊ ለውጢ ኣብ ርድኢት ዋጋ መስውእትን ክብርን መስልን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ክቡር ዋጋ፡ ሂወት ዝኸፈለሉ፡ ክብሩን መሰሉን ተሓልዩ፡ ኣብ ፍትሕን ሕግን ዝነገሰሉ፡ ንዕብየት ልምዓት፡ ስልጣነ ሰብኣዊ ሓይሊ፡ ዕብየት ሕብረ ምጣነ ሃብታዊ፡ ፍትሓዊ ቅርጺ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ኣወዳድባ መንግስቲን ምምሕዳራትን፡ክቆውም ንብዙሕ ዓመታት ብሕልምን ተስፋን ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪ ዝተቃለሰሉን ምንባሩ ዝገልጽ፡ ሎሚ ከኣ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ፡ ንወጽዓታቱ ዘቃልሓሉ ዘሎ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽባሕ ንግሆ ምንጪ እዚ ወውጽዓታት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ምዃኑ ዘመላኽት፡ ሓባራዊ ቅልጽም ደላይ ፍትሒ ከም ዘስምርን፡ ንዝተወሃሃደ ሓድነታዊ ቃልሲ ዝመርሕ ተስፋታት ዝቓላሕ ዘሎ ዓብይ ህዝባዊ ምስክር እዩ። እዚ ምስክራት’ዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ዓብይን ቀንዲን ኣገዳስን ኣጽዋርን ዕጥቅን መሳርሒ ፖለቲካዊ ንቅሓት’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ ውሓደለ

16 ሰነ 2020   

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.