ንብዓት ህዝብና ”ሓድሽ ህግዲፋዊ ዘመን ኣካሒዳ”

ንብዓት ህዝብና ”ሓድሽ ህግዲፋዊ ዘመን ኣካሒዳ”
ህግዲፍ ይትረፍስ ኤርትራ ባዕሉ ንባዕሉ ክመሓድር ዘይክእል ስርዓት!
ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ነበርቲ ዓድታት ይኹኑ ከተማታት፡ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ብመደብ ዝተሰርዑ ዝተተሓዘ ዕላማ ኩነታት መነባብሮ ህዝብና ንምዕንቓፍ፡ ንምድኻም፡ ንምድካይ፡ ተስፋ ንምቍራጽ ዘይተፈተነ ኣገባብ የልቦን። ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮታት ንምጥቃስ መላኺ ስርዓት ዕዳጋ ብምኽልካል ጥሜት ከስፋሕፍሕ ብዘውጽኦ መደብ፡ ሓረስቶት ኣቦታት ንውልዶም ክረድኡ ካብ’ተን ብክንደይ ጻዕሪ ክራማት ደኺሞም ዝረኸብወን፡ ንገለ ኣፍ ህጻናት ቆልዑ ዶ ኾን የዕንግላ ይኾና ብማለት ርብዒት ክልተ ርብዒት ጸይሮም ንከተማታት ክኣትዉ ኣብ ብሎኮታት ኣስመራ ሓርጮም ንንፋስ ክዝሮ ተገይሩ፡ ሓርጭ ተኸልኪሉ ምስ ተባህለ ሓደ ክልተ ኣበስንቲ ብሒቕ ሒዞም ዝተረኽቡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ መሬት ክድፋእ ተራእዩን ተሰሚዑን። ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ገገለ ቦታታት ጎረባብቲ ሃገራት ብዛዕባ ህግዲፍ ክዛረቡ ” መንግስቲ ሓርጭ ወይ መንግስቲ ቢሑቕ ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘይሰምዐ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ።
ኣብ ታሪኽ መንግስታት ዓለም ብፍላይ ከኣ መልኽቲ ስርዓታት ንስልጣኖም ክሳብ ዘይተጸባእኻ፡ ከም ሕልናኻ እንዳበላዕኻ እንዳሰተኻ ከም ትነብር ይገብሩ። ኣብ ሃገርና ብሚዛን ኣካይዳ ህግዲፍ ኩሉ ፍጡር ጸረ ስልጣኖም ኮይኑ ስለ ዝስምዖምን ዝረኣዮም ከኣ፡ ዕድመ ጾታ፡እምነት ብዘየገድስ ሃገር ብሃገሩ ብሙሉኡ ህዝቢ ከም ጻላኢኦም ስለ ዝቁጽርዎ ኣብ ሕቡእ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ብደረጃታቱ ዝፍለጥ፡ ካልእ ሕልፈት ዘይብሉ ካብ ገዛኻ ከይወጻኻ ዝወርድ ግፍዕን ጭቆናን ዝተደራረበሉ ወትሩ ብጋህዲ ዝረአ ኩነታት’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ነባራት ጀጋኑ ተጋደልቲ ሚኒስተራትን-ዕሸላ ህጻናት፡ ሽማግለታት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣደታት፡ ውግኣት ሓርነት ኤርትራውያን ብሓደ ኣረኣእያ ብይን መቅጻዕቲ ከም ዝነብሩ ዝገበረ መላኺ ስርዓት ዘምባዕ ሚዛናቱ፡ ንኩሎም ዝኽእሉን ዘይክእሉን ዝደልዩን ዘይደልዩን ብዓቕምን ክእለትን ድሌትን ንለውጢ መቕየሮ ፖለቲካ ኤርትራ ዘለዎም ኣተሓሳስባ ብዘየገድስ ብኣልማማ ንኩሉ ዘቀጽዕ መቕጻዕትን ግፍራን ዝበየነ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ክሳብ ሎሚ ብማእሰርቲ መግናሕቲ ካብ ስራሕ ምእጋድ ዘይሓለፈ ነባር ተጋዳላይ፡ሽማግለ፡ መራሒ ሃይማኖት፡ ምሁራ፡ መንእሰይ፡ ኣደ ኣቦ የልቦምን። እዚ ከኣ ካብ’ቲ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ እምነትን ምሕደራን ኣተሃላልዋ ህግዲፍ ዝረአ በትሪ ሓያላት ኣንጻር ሰላማውያን ህዝቢ ዘዘውትሮ ቀጻሊ መቕጻዕቲ’ዩ። በዚ ጥራሕ ዝግምገም ኣይኮነን ስርዓት ህግዲፍ ከይዱ ከይዱ ኣብ መንጎኡ’ውን ቅሳነትን ምትእምማንን ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ብመሪሕነቱ ዝነደፎ ቅዋም ኣበርዒኑ፡ ባይቶ ፈንጢሑ፡ ንካምቢኔ ሚኒተራት ብወታሃደራዊ ዞባዊ ምምሕዳር መስሪቱ ክኸይድ፡ ነቲ ንባዕሉ ራእይ ዘይብሉ ኣብ ቅትለትን ጭውያን ማእሰርትን፡ ጥሜትን ድንቁርና ጥራሕ ከም መሳርሒ ፖለቲካዊ ምሕደርኡ ዝሓስብ ስንኩፍ ምምሕዳር ዘሰላስል መርኣያ መግለጺኡ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም እንታይ ተገይሩ ጸብጺብካ ዝውዳእ’ኳ እንተዘይኮነስ፡ እስከ ካብ’ቲ ዘይንፈልጦ ንፈልጦ፡ ካብ’ቲ ዘይንርእዮ ንርእዮ፡ ካብ’ቲ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ማሕበራዊ ማህሰይቲ ህዝብና ጭቡጥ ሚዛን እንተልዒልና፡ ከይዱ ከይዱ እቲ ጉዳይ ናብ’ቲ ዘይንፈልጦ ጉዳይ ክመርሓና ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ከም መበግሲ ጭቆናን ግፍዕን መላኺ ስርዓት ዝሕብኣሉ ሕሱር ፖለቲካዊ መሸጓሽጕ ብሓቂ እስከ ነዘን ጉዳያት ተመልከቱ – መብራህቲ ወይ ማይ የለን፡ ቅርሺ ወይ ዕዳጋ የለን፡መገሻ ወይ ነዳዲ የለን፡ዝብል ተጻራሪ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ሓደ ክርከብ እንከሎ እቲ ሓደ የለን እዚ ከኣ ኮነ ኢልካ ንህዝቢ ንምድኻም ተስፋ ንምቍራጽ ዝፍጸም እከይ ተግባራት’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከኣ በዚ ኣገባብ’ዩ ንሃገር ዘይኮነ ንስልጣኑ ዘምሓድር ዘሎ። ካልእ ብዛዕባ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ምሕዝነትን ከኣ ካብ’ዚ ዝብገስ ስለ ዝኾነ ኣብ ጉዳይ ጎረባብትና ኣቲና ንዛረበሉን ንገልጾን የብልናን። ጉዳይና ልዕሊ ጎረባብትና ስለ ንፈልጦን ከኣ ፎርጅድ ግዳማዊ ፖለቲካ ልዕሊ’ቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጉዳያት ኣልዒልና ኣይንዛረበሉን።
ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት፡ እንሆ ምስ ለበዳ ሕማም ኮርና ቫይረስ ኣብ ዝገደደ ናብራ ወዲቁ ምህላው ሚስጢር ኣይኮነን። ሎሚ ሎሚ ህዝብና ከም’ቲ ኣብ ቅድሚ 13 ዓመት ነጻነት ኣብኤርትራ ኣጋጢሙ ዝነበራ ሓደጋ 1978 ይድገም ኣሎ ዝብሉ ዜጋታት ኣይተሳእኑን። ኣብ 1978 ቅድሚ 13 ዓመት ክብሪ ነጻንት ኤርትራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጥሜት ዝተላዕለ ህዝብና ገዛ ገዛ እንዳኳሕዀሐ ዝስተ ማይን መዕንገሊ ዝልከፍ መኽፈልቲ ክልምን ጀሚሩ ከም ዝነበረ፡ ብዕቋር መግቢ ብዙሓት ህዝቢ ከም ዝሞቱ ዝዝረበሉ እዋን ”ሓድሽ ህግዲፋዊ ዘመን ኣካሒዳ” ኣብ ኤርትራ ተመሊሱ ከም ዘሎ ዘምስክር’ዩ።
ምእንቲ’ዚ ውድብ ሓድነት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ነዚ ሎሚ ህዝብና ምስ’ቲ ዝሓለፈ መወዳእታ ፍታሕ ዘይብሉ ዝሓለፎን መክራን ሕሰምን፡ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሲቪክ ማሕበራት ኣብ’ዚ ህጹጽ እዋን፡ ንምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘለዎ መደባት፡ ኣብ ሓድነት፡ ምትሕብባር፡ ምድግጋፍ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብቀዳምነት ሰሪዑ ክቃለሰሉ ይግባእ ይብል።
ካብ ኣብ ኤርትራ ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ፡ ሰብ ሞይቱ ንዓዱ ቅበርዎ ምስ ዝበሃል፡ ኣብ ዓዲ ንሬሳ ዝቅበል ተቀቢሉ ዝቀብር ሓይሊ ሰብ ስለ ዘየልቦ ከኣ፡ ካብ’ቲ ዝቅመጥሉ ከታማታት ብውዕል ወይ ብገንዘብ መቓብር ዝፍሕሩ ሰባት (ብኮንተራት) ሒዝካ ምኻድ ንቡር’ዩ። ዝገርም’ዩ እቲ ስርዓት ደቂ ሃገር ብህዌቶም እንከለዉ ናብርኦም ሰሪሖም ክመርሑ ኮትራት ዘይፍቀደስ ምስ ሞቱ፡ ብኮንትራት መቓብሮም ዝፍሕርሎም ዘፍቅድ ንባዕሉ ኮምፓስ ምሕደራ ዝጠፍኦ ፍርሒ ጥርጠራ፡ ብስግኣትን ውጥርን ዘለዎ ስርዓት’ዩ።
እዚ ብውሑዱ ዝተጠቕሰ ድኽመታት ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከም’ቲ መደባቱ ኮለል ምባል ኣይደልን። ሓንቲ ነዚ ዝስዕሮ ንቅሓት ኣብ ሓድነት’ዩ።
ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ
18 ሰነ 2020
You must be logged in to post a comment.