መስደመም ዝኽሪ ስውኣት ኤርትራ 2020 ኣብ መቓብር ስውኣት ጸጸራት ኣስመራ!

መስደመም ዝኽሪ ስውኣት ኤርትራ 2020 ኣብ መቓብር ስውኣት ጸጸራት ኣስመራ!
ዝኽሪ ስውኣትና ታሪኻዊ ዘለኣለማዊ ክብሪ ዘለዎ፡ ዝኽሪ ሃገር ኤርትራ፡ ዝኽሪ ህዝቢ ኤርትራ ከይዱ ከይዱ ከኣ ዝኽሪ ነፍሲ ወክፍ ኤርትራዊ ስድራ ቤት’ዩ። እወ ኤርትራ ብነጻነታን ሓርነትታን ተኸቢራን ተሓልያን ክትነብር ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ቤት ከቢድ ዋጋ ዝኸፈትሉ’ዩ። ጎረባብትናን ሕብረተ ሰብ ዓለም ዝምስክርዎን ልዕለና ከኣ ንመስርሕ ተጋድሎና ነጻነት ዝሰነድዎን ዝተዛረብሉን ንዓለምና ዘቓልሑ’ውን ምዃኑ ድርዕቶ መሰኻክር ዘለዎ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ።
መዓልቲ ስውኣትን ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ሎሚ’ውን ዓመት መጸ ኣብ ወርሓት ሰነ ብመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝተኣወጀ ዝዝከር መዓልቲ ይኹን’ምበር፡ ስውኣትና ከም’ቲ ኣብ ቅዋማውያንን ደሞክራሲያውያን ሃገራት ንግሆ ባንዴራ ክትስቀል፡ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓታት ስራሕ ባንዴራ ክትወርድ ዝግበር ክብሪ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘይኮነስ ነፍሲወከፍ ክልኢት ንስውኣትና ንዝክረሉ እዩ። ካልእ ይተረፍ ኣብ ኩለን ኤርትራውያን ስድራ መንደቕ መንበሪ ኣባይቲ ተሰቒሉ ዝርከብ፡ ኣብ መቐመጢ ስእሊ(ኣልቡም) ስውኣትና ካብ ዝኽሪ ክኽውሎ ዝኽእል ስለ ዘየልቦ። ደላይ ፍትሒ ህዝብና ንመዓልቲ ስውኣት ንዝተሰውዕሉ ዕላማ ነጻነትን ሰላምን ፍትሕን ኣብ ዝሃንጾ መንግስትን ምምሕዳር ዘየቋርጽ ነባር ዝኽሪ ንምትካል ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ፡ ነዚ ዘስደምም ኣገባብ ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ጸጸራት ኣስመራ ዝተፈጸመ መዓልቲ ስውኣት 2020 ዝብድህ’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ስውኣት ዝኸብርን ዝዝከርን ዘይልቦ ክነሱ፡ ኣምሰሉ ስርዓት ህግዲፍ ከም ብሕታዊ ዋኒን ወይ ትካል፡ መራሒ መላኺ ጃንዳ ስርዓት ህግዲፍ ንበይኑ፡ ኣብ ክንዲ ብምስ ህዝቢ ኤርትራ ብውልቀ ስሙ ዕምበባ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ንሓንቲ ደቂቕ ዘይኣክል ግዜ ምብጻሕ ዝተወደአ መደብ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ካብኡ ንላዕሊ’ውን ንጽበዮ ኣይኮነን።
መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ንመዓልታት ዝወሰደ ምብጻሕ ኢትዮጵያ ዘኪርካ፡ ኣብ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ ከም ዘይምልከትካ ሓላፊ መንገዲ ዝመስል ክብሪ ዝጎደሎ መዓልቲ ኤሪቲቪ ንህዝብናን ንህዝቢ ዓለምን መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ ኣላ።
ኣብ ሙሉእ ዓለም መቓብር ወይ ሓወልቲ ዝኽሪ ወይ ከም መቓብር ስውኣት ወትሩ ምንጪ ሓይሊ መጻኢ ታሪኽ ወለዶ ክብርን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ማእከላይ ቦታ ንዝኽሮም ብዝተሃነጽ ወይ ብዝተተኽለ ንሓውልቲ ስውኣት ዘንጸባርቕ ብዘይቋርጽ መብራህቲ ዕምበባታት፡ ካልእ ካልእን ብፍሉይ ዝተሓዝ ስራሕ ምኳኑ ኩሉ ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ብቀረባ መዓልታዊ ዝርኣዮ’ዩ።
2020 ከም’ቲ ዝሓለፈ ግዜ 2018-2019 ህዝቢ ኤርትራ ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣቱ እንዳተጸበየ፡ መሬቱ ጎቢጡ ንዝሓዘ ስርዓት ሰላም ገይርና ክብል፡ ጸኒሑ ኣይከሰርናን ክብል ኣብ መዓልቲ ጀጋኑ ስውኣት ኤርትራ ዝተፈጸመ ዘስደምም ታሪኽ’ዩ። ሎሚ ከም’ዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ንዝኽሪ ስውኣት 2020 ዝተኻየደ ንጃንዳ መራሒ ህግዲፍ ንምጽባቕን ንምንጽብራቕን እምበር ንስውኣትና ከም ዘይነበረ ዘመልክት ኩሉ ህዝብና ዝረኣዮን ዝተዓዘቦን እቲ መንጫዕጫዕታ ማይ ኣብ መቃብር ስውኣት ንዘስተውዓለ ምስ ምምጻእን ኢሳያስ ኣፈወርቕ ጀሚሩ ምኻዱ ከኣ ጠጠው ምባሉ’ዩ። እዚ ከኣ ንመራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ንምምዕራግ’ምበር ንስውኣትና ከም ዘየነበረ ተወሳኺ መረዳእታ’ዩ።እቲ ዘሕፍር ክሳብ እቲ ሰልፊ ዝውዳእን እቲ መደብ ክሳብ ዝዕጾኳ ኣይጸንሐን። እዚ ንሓንቲ መዓልቲ ካብ ሓንቲ ስራሕ ንእሽቶይ ጀነረይተር ዘይሓልፍ መመንጨዊ ሓይሊ ኤልትሪክ ዋጋ 1 ሊትሮ ነዳዲ ዘይሓልፍ ንስውኣትና ክንፈጎም፡ ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። እዚ ተግባራት ይትረፍስ ንሃገር ሂወቶም ዝሃቦ ብዝተፈላልየ ብሕማም ብሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ስድራ ቤቶም ንዝኽሪ ንሙሉእ ሂወቶም ዘይቋርጽ መብራህቲ ሽማዓ፡ ዕምበባ፡ መንጫዕጫዕታ ማይ ከም ዝተኽልሎም ዘረኣኹም ውሑዳት ክትኾኑ ትኽእሉ። እሞ ህግዲፍ ደኣ ነቶም ሂወቶም ዝሃቡ ነዚ ቁርብ ቁራቦ ዝነፍጎም መደባቱ ዕላማታቱ እንታም ምዃኑ ፍሉጥን ርዱእን’ዩ። ነቲ ዝቀረበ ዕመባብ ዝኽሪ ስውኣት’ኳ በዚ ዘሎ ጽንኩር እዋን ተላባዲ ሕማም ኮርኖና ቫይረስ ህዝቢ ክሳተፎ እንተጸገመ፡ ኣብ ክንዲ ህዝብን እንተደልዩ ከኣ ብስሙ ዕምበባ ኣብ ክንዲ ምንባር፡ ብመራሒ ሃገርት ተባሂሉ ጥራሕ ዘሕንኽ ዘነውር ተግባር’ዩ ፈጺሙ።ብዓብዩ’ኳ ዓመት ሙሉእ ደገፍቲ ህግዲፍ ኣስመራ ከይዶም ምስ’ቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን መስዋእቲ ህዝብና ምትእስሳር ዘይብሉን ዘይፈልጥዎ ሓወልቲ ሩስያዊ ደራሲ ፑሽክን ክስኣሉን፡ ከም ጣዖት ክሰድግሉን ዝረኣዩ፡ ንህዝብና ባህ ንኸይብሎ ዝተገብረን ዝተሰርሐን’ዩ። እዚ ከኣ ብዝኾነን ዘይኮነን ንምሕራቕ ዝግበር ቆልዓዊ ጠባይ ዘለዎ ኣሰራርሓን ምሕዳርን’ዩ። ጽባሕ ንግሆ እቲ ሓወልቲ ኣብ ዘይቦትኡ ስለ ዘሎ ካብ ቦትኡ ተበንቝሩ ንዋናታቱ ክወሃብ ካብ ታሪኽ ከም ዝስረዝ ህግዲፍ ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ’ዩ።
በዚ ከኣ ህግዲፍ ኩሉ ንስውኣትና ዝገብሮን ዝብሎን ፍትሕን ሓቕን ዘይብሉ ምዃኑ ህዝብና ብዓይኑ ካብ ዝዕዘቦ መረዳእታ ንላዕሊ ክቀርብ ኣይክእልን። ነዚ ምስክርነት ከኣ ኩሉ ግዱስ ሰብ ኣብ’ቲ ኤሪ ቲቪ ዘመሓላለፈቶ መደብ ኣትዩ ዳግማይ ክርእዮን ነዚ ዓይነት እከይ ዝመልኦ ተግባራትን ኣገባብን ዝክሪ ስውኣት ክዕዘብ ይኽእል።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውእትና
ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ
21 ሰነ 2020
You must be logged in to post a comment.