ባይቶ ውሓዲለ ኣኼባ ኣካይዱ !

ባይቶ ውሓዲለ ኣኼባ ኣካይዱ !

ኣብ’ዚ ቅንያት ብህዝባዊ ቅኒት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ንታሪኻዊ ዝኽሪ ጀጋኑ ስውኣት ኤርትራ 2020 ዘሞግስ ውሓደለ ደጊሙ ንጀጋኑ ስውኣቱ ብምዝካርን ነቲ ህዝብና ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ዝገብሮ ዘሎ ዓብይ ሃገራዊ ፍናን ሓበን ምዃኑ ገሊጹ።
በዚ ዕለት 21 ሰነ 2020 እምበኣር መላእ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ መእተዊ ኣኼባ ዝኽሪ ስውኣትና ብኣፈ ባይቶ ኣቶ ሓምድ ድራር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ኣብቲ ተዳልዩ ዝነበረ ዛዕባታት ኣኼባ ቀጺሉ። ኣ/መ ውሓዲለ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ህዝብና፡ ስውኣትና ተወሳኺ ሰፊሕ መግለጺ ኣቅሪቡ።
ብመሰረት ዝቀረበ ዛዕባታት፡ ኣኼባ ባይቶ ንውሽጣዊ ውድባዊ ጉዳያትን፡ ንጉዳይ ህልዉ ኩነታት ህዝብና ቀጻልነቱን ግብራዊ ኣፈጻጽምኡን ኣልዒሉ ዘትዩን ተመያይጡን። ብፍላይ ከኣ ፈጻሚት ሽማግለ ንዘቅረቦ ንድፊ መደብ ስርሓት 6 ወርሒ ብሰፊሕ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ንዝቀረበ ንድፊ ዘጽደቐሉን ኣኼባ’ዩ።
ኣብ’ዚ ኣኼባ ብቤት ጽሕፈታት ፈ/ሽ ዝቀረበ መደባት ንድፊ ስርሓት 6 ወርሒ፡ ሕቶን ቀሪቡ፡ ብቀደም ተኽተተል ንነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈ/ሽ ንዝቀረበ ሕቶን ርእይቶን፡ መልስን መብርህልን ተዋሂብሉ። ባይቶ ውሓደለ ንዝቀረበ ንድፊ ስራሓት ፈ/ሽ ዕዉት ክኸውን ብምትሕብባርን ምድጋፍን ከሰንዮ ምዃኑ ኣተባቢዑ።
ውድብ ሓድነት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ውድብ ቀንድ ኣቃልቦ ንዝገብረሉ መሰረት ዕላማታት ምስጢረ ዓወቱን፡ ብሓድነቱ ዘረጋግጾ ድሕነት ህዝብን ሃገርን’ዩ። ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ፡ ከኣ ሓድነትና ማእከላይ ሕቶ ምዃኑ ኣሚኑ ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ዘተን ርክባትን ምዕባለታቱን ብኣ/መ ውድብ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ ከምኡ’ውን ነቲ ቅድሚ ዋዕላ ለንደን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ጀሚሩ ዝጸንሐ ርክባት ዘተ ሚነሶታ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝምልከት ንውሓዲለ ወኪሉ ክሳተፍ ዝጸንሐ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣቶ ኤፍሬም ወልደሚካኤል መግለጺ ተዋሂቡ።ንዝቀረበሉ ሕቶታት መልስን መብርሂ ተዋሂብሉ።
ብድሕሪ’ዚ ከኣ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ኣባል ባይቶ ውሓደለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ንህዝባና ዘጋጥሞ ብድሆታትን ቀሊል ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ ነዚ ብድሆታት ንምስጋር ንምፍትሑን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እንታይ ከም ዝመስል ሓበሬታ ኣቕሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ህሉው ፖለቲካዊ ጉዳይ ኤርትራ ንምፍታሕ፡ ንምፍላጦምን፡ ኣትኵርና ክንቃለሰሎም ዘሎና ብርክት ዝበሉ ነጥብታት ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ፍተሻን ዝነጥፍ ዘሎ ጉጅለ፡ ብፍላይ ከኣ ብዶ/ር ባህልቢ ማልክ ዝቀረበ እዋናዊ ሰፊሕ መጽናዕቲ’ዩ። ኣብ’ቲ ዝቀረበ መጽናዕቲ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቆጺሩ ዝሓልፎ ዘሎ ሂወት፡ ኣብ ስደት ዝሕልፎ ዘሎ ተደራራቢ ስቃይ፡ ጂኦ ፖለቲካዊ ጽልዋታት ንህዝብናን ንሃገርናን ዘለዎ ሓደገኛ ሳዕቤናት፡ ኣልቦ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ቁጠባዊ ጭቆናን ግፍዕን፡ ከም ውጺኢቱ ምትእስሳር ወለዶታት ንምብታኽ ዝገበር ዘሎ እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዘጠቃለለ ምስ ኣብነታቱ ሰፊሕ መሃሪ መግለጺ ኣቅሪቡ። ባይቶ ነቲ ብዶ/ር ባህልቢ ዝቀረበ ሰፊሕ፡ ጥርኑፍ ንህልዉ ኩነታት ህዝብና ዝገልጽ መጽናዕቲ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ብምዃኑ ርእዩ።እዚ ጉጅለ ጀሚርዎ ዘሎ መጽናዕቲ ክቅጽልን ኣብ ውሓደለ፡ ኣብ መሳርዕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ሲቪክ ማሕበራትን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ንዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ታርጌቱ ንምንንጽጻር ክህልዎ ዝኽእል ሓጋዝን ሓያል ጎንን ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሉ ከም ዘለዎ ርእዩን ኣተባቢዕዎን።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና፡
ዜና ሓበሬታን ውሓዲለ
21 ሰነ 2020
You must be logged in to post a comment.