ጥርዓን ስደተኛታት ንመንግስቲ ሊቢያ

ኣብ ከተማ ዛውያ 34 ስደተኛታ ብማልሻ ዛውያ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ
ኣብ ከተማ ዛውያ ኣብ ኣቦ ዒሳ ዝባሃል ኡሱር ቤት 34 ስደተኛታ ብማልሻ ዛውያ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ። ካብ ባሕሪ ብማልሻታት ናይ ዘንታን ተታሒዞም ዝተመልሱ ኮይኖም ናብ ማልሻታት ዛውያ ዝተሸጡ እዮም። ኣብ ሞንጉኦም ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም ኪይኖም 8 ሶማላውያን: 25 መንእሰያት ድማ ኤርትራውያን እዮም።ነጻ ንኽልቀቁ ድማ ንንብሲ ወከፍ ሰብ ሓሙሽተ (5000)ሽሕ ዲናር ልብያ ወይሓደ ሽሕ(1000$)ዶላር ኣሜርካ በቶም ማልሻ ይሕተቱ ኣለው።ከምቲ ዝፍለጥ እዞም ማልሻታት ዚኦም ኣካል ናይቲ መንግስቲ ሃገራዊ ስኒት ዝባሃል ናይ ልብያ እዃ እንተኮኑ ብመሰረቱ ግን መሰጋገርትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ብረትን እዮም። ብተወሳኪ ውን ካብ መጻረይ ነዳዲ ዛውያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ነዳዲ ዝዝርግሑ እዮም።ቡዙሓት ግዳያት ናይዞም ማልሻታት ዚኦም ዝነበሩ ከም ዛሓበርዎ ዝያዳ ኣብ ምስግጋር ሰባት ከም ዝነጥፉን ንገለ ምክፋል ዘይካኣሉ ድማ ከም ዝቀትሉ ይዝከር እዩ።እዞም ማልሻታት ዚኦም ኣንጻር ስግረ ዶባት ክሰርሑ ተባሂሉ ብሕብረት ኤውሮጳ ዘይናዓቅ ሓገዛት ይረክቡ እዮም።እቶም ማልሻታት ዘንታን ድማ ሓያላት ኮይኖም ንመንግስቲ ሃገራዊ ስኒት ልብያ ይሕግዙ። ኣብ ምዕራብ ልብያ ድማ ይንቓሳቀሱ። ንሴፍ ኣል ኣል ኢስላም ኣልገዳፊ ዝሓዙን ኣብ 2015 ኣብ ትሪፖሊ ንሞት ዝፈረዱን ውን እዮም። ኦሳማ ኣልጆይሊ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መራሕቲ ናይዚ በርጌድ ዚ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምክልኻል ሚንስተር ናይ ልብያ ኮይኑ ዝሰርሐ እዩ: ኣብ ጉንቦ 2011 ድማ ነዚ በርጌድ ዚ መስሪቱ። ንልዕሊ 48 ቦጦለኒታት ከተማ ዘንታን ጀበል ምዕራብን ዝነበሩ ወታሃደራት ብምውህሃድ ውተሃደራዊ ባይቶ ኣብ ዘንታን ዝመርሕ ዘሎ እዩ።ገለ ብቛንቛ ዓረብ ዝፍኖ መራከቢ ቡዙሓንን ገጽ ናይ ፈይስቡክን ሳትላይት ተለቪዥንን ድማ ይውንኑ።ብካልእ ሸንኽ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ንኦሳማ ኣልጆይሊ ዝመርሖ ማልሻን ዑሱባቶምን ብዝገብርዎ ኢሰብኣዊ ዓመጻትን ጥሕሰት ሰብኣውን ኣህጉራውን ሕግታት ናይ ውግእ ገበነኛ እዩ ንዓናን ቀቢላታትናን ኣይውክለናን እዩ ይብሉ እዮም።
ኡሰን ኢድሪስ
حسن إدريس طويل
You must be logged in to post a comment.