”ሽምዓ ምብራህ ምስራሕ ከኣ” Keep the candel lighting

”ሽምዓ ምብራህ ምስራሕ ከኣ”

ርእሰ ዓንቐጽ

ውድብ ሓድነት ደሞክራስያዊ ለውጢ

26 ሰነ 2020

ውድብ ሓድነት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብዕለት 24 ሰነ 2020 ንተቃላሳይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ዘበስረ ሓባራዊ መግለጺ ስምምዕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዓብይ መጻኢ ተስፋን ዘንብረሉ፡ ከቢድን ሃገራዊ ሓላፍነት ክሳብ ውድቐት መላኺ ስርዓት ከም ውድብ ዝስከመሉ ብሙሉእ ወኑ ክቃለሰሉ ዝዳለወሉ ሓድሽ መድረኽ፡ ኣብ ዝመጽእ ምዕባለ ክህሉ ዝኽእል ደገፍን ምትሕግጋዝን ሓባርዊ ስርሓት፡ ንቅንያት ስውኣትና 2020 ዓ.ም ብዘዅርዕ ዝኽሪ፡ ዘይርሳዕ ድሙቕ ክውንነት ካብ እንደልዮን እንፈትዎን መግለጽን ዓቕምን ንላዕሊ ዘድልዮ ንግዚኡ ዛዚምና ንምሕላፍ’ዩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ብፍላይ፡ ከም ወትሩ ኩሉ ግዜ ካብ ልብናን ኣተሓሳስባናን ዘይፍለዩ ብሓፈሻ ንምእንቲ ነጻነት ሃገር ኤርትራ፡ንምእንቲ ፍትሒ ሓርነት ህዝቦም ሂወቶም ዝኸፈሉ ምዑታት ጀጋኑ ስውኣት ኤርትራ ንዝክረሉ ምስ መዓልታዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሂወት ብምዃኑ ዝተእሳስሮ ኣልዒልካ ክጽሕፈሉን ክትዛረበሉን ብዙሕ’ዩ። ክዝከሩ ከኣ ግድነት’ዩ። ኣብ መጻኢት ሓራን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ብሕጊ ዝተደገፈ ንትርጉም መስዋእቶም ዝምስክርን ዘንጸባርቕን መድረኽ ክሳብ ንበጽሕ፡ ሎሚ ዝኽሮም በኒኑ ንኽየጠፍእ፡ ዝኽሮም ከይድብዝዝ፡ ከይርሳዕ ንግበሮ ዘሎና ጻዕሪ ኣብ ፍረ ከም ዝበጽሕ ብመስዋእቶም ዝገደፍልና ትምህርትን ተሞክሮን ዕላማና ኣብ ሸቶ ንምብጻሕ ይሕግዘና ኣሎ።

ዝኽሪ ስውኣትና ብዝምልከት፡ ሎሚ ዓመት ኤርትራውያን ብዝተወደበን፡ ብዝተፈላልየን ኣገባብ ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ዝተመሓላለፈ፡ ስድራ ቤታዊ፡ ኣብ ገድሊ ብጻያዊ፡ መተዓብይቲ፡ ዓርኪ መማህርቲ ወዘተ መልክዑ ዝሓዘ ህዝባዊ ታሪኻዊ ዝኽሪ ዘለዎ፡ በቶም ቀንዲ ተቃለስቲ ንፍትሒ ዝኾኑ ድሙቕ ክብሪ ተገይሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ሓቂ እንዳሓደረ ክደምቕን ክውላዕን ዝኽእል ታሪኻዊ ዘንተ ሞጎት’ዩ።

ጉዳይ ኤርትራ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ ህዝብና ከም ውራዩ ክዕጠቐሉ ዘለዎ ጉዳይ፡ ከም’ቲ ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ስውኣት ኤርትራ ዘርኣዮ ተበግሶ ሕጂ ከኣ፡ በቲ ነፍሲ ወከፍ ሰኒድዎ ዘሎ ዕላማ ዝኽሪ ምስጢር ሕድርን መብጽዓታትን ስውኣትና ተመሪሑ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክገብሮ ዘለዎ ስርሓት ምኽሪ ዘድልዮ ከም ዘይኮነስ ብሩህ’ዩ። ማለት ”ሽማዓ ምብራህ፡ ምስራሕ ከኣ”!

ሽምዓ ብምራህ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ’ዩ። መብራሕቲ ሽምዓ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ሕብረተ ሰብ ዓለም ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣሚታት ዝዝውተር ባህሊ፡ልምዲ፡ ጸኒሕ እዩ። ሕጻን ተወሊዱ ክጥመቕ፡ዓመት ልደቱ ክኽበር፡ ክምርዖ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ከመውት ዝበርህ’ዩ። ምእንቲ’ዚ ሽምዓ ንሞት ጥራሕ ዘይኮነስ ንትንሳኤ፡ ሓይሊ፡ ስራሕ፡ ዕድመን ጥዕናን ተኣሳሲሩ ንሂወት ደቂ ሰባት ክብርን መዓርግን ዝገልጽን ዝህብን’ዩ። በቲ ካልእ ሸነኹ ሽምዓ ምብራህ፡ ብርሃን፡ ሙቐት፡ ሓይሊ፡መልክዕ’ውን እዩ። ነዚ መሰረት ከኣ ንዝኽሪ ጀጋኑ ስውኣትና ዝበርህ ሽምዓ ካልእ ካብ’ዚ ዝተገልጸ ንላዕሊ ትርጉም ክህልዎ ከም ዝክእል ዝከሓድ ኣይኮነን።

ሽምዓ ምብራህ ንሃገራዊ ግቡእ ብጅግንነት ንዝፈጸመ ስውእ ንመወዳእታ ዝበርህ ”ኣልፋን ኦሜጋን” ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንመስዋእቱ ብሽምዓ ምብራህ ዝህቦ ትጉም ብርሃን ሙቐትን ምንጪ ሓይሊ፡ ቀጻልነት ክህልዎ ምግባር’ዩ። ንባዕሉ እቲ ብስም ስውእ ንኽብሪ ሽምዓ ዘብርህ ሓው ይኹን ሓፍቲ፡ ብጻይ ቃልሲ ይኹን ዓርኪ መተዓብይቲ፡ እቲ መስዋእቲ ቀጻልነት ሂወት ከም ዘለዎ’ዩ ዝሕብር። ታሪኽ ስውኣት ዝደጋግሙ፡ ወለዱ፡ ውሉዱ፡ ቤተ ሰብን ስጋኡን ደሙን ለቢሶም ዕላማ መስዋእቱ፡ ድሌቱ፡ባህጉ፡ ሕልምታቱ ንምርግጋጽ ዝገልጹን ዝዛረቡ ዝቃለሱን’ውን እዮም። ምእንቲ’ዚ ከኣ እዩ ተቃላሳይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ብስጋ ይፈለዩ’ምበር ብመንፈስ ምሳና ኣለዉ እንዳበለ ንመዓልቲ ዝኽሮም ብዓብይ ኣኽብሮትን ድምቐትን ዘብዕሎ።

ሽምዓ ብምራህ፡ ምስራሕ ከኣ” ሽምዓ ኣብርሂካ፡ ሽምዓ መኺካ ምስ ጠፍአት ኩሉ ተሪሲዑ ኣብ ካልእ ዋኒን ምኻድ ኣይኮነን። ነታ ሽምዓ ከም ሽምዓ ”keep the candel lighting” ከም ዝበሃል ብዝተፈላለየ ኣገባብን መልክዕ ንዕላማ መስዋእቶም ትርጉም ክህቦ ዝኽእል ቀጻልነት ሂወትን ድሌትን ተቃላሳይ ፍትሒ ህዝብና ስለ ዝኮነ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ መድረኽ ህዝባዊ ምልዕዓላት ይኣክል ይኹን ስምምዓ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ቃልሲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ንምሕያል፡ ምምዕባል፡ ሓይልን ዓቕምን ምውናን ቀንዲ ነታ ትመክኽ ሽምዓ፡ ነታ ትጠፍእ ሽምዓ፡ ዘይኮነትስ ወትሩ ምስ ሓይላን ብርሃናን ተዀሊዓ ትነብር ክንገብራ ዘሎና ሓላፍነት ንምንጻር’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

26 ሰነ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.