Monthly Archives: Jun 2020

ብጾትና ሰማእታት

 ብጾትና  ሰማእታት     ክብቡራት ስዉኣት ብጾት ክንራኸብ ኢና ምሳኹም። ኣብዛ ከይተረዳኣካ ዕርብ ትብል ዓለም መን ንወትሩ ምስነበረ ደኣ ክንነብር??  ሃገራዊ ዕርቂ ኣይገበርናን ከም ሳዕቤኑ ኣብ ኣዚዩ ዝሰክፍ ክውንነት ኣሎና።           ክቡራት ብጾት ሰማእታት ነፍሲ ከፍኩም ኣብ ኩሉ ኩርነዓት መሬት ኤርትራ ብጅግንነት ኣብ ዝተበጆኹሙሉ እዋን ከምዚ ዝስዕብ ማለት:—   ኦ ክቡራት ብጾት ሓደራ   ንኹሉ ኤርትራዊ ብሓበራ   ኣብ ኩሉ ዝርከቦ ናይ መሬትና ስፍራ    ብዘይ  ድልዎ ግበርዎ ሓራ ስዉእ ኮይነ   ኢየ ደጊምስ ተፈሪደ ነዚ ክፍጽም የ ካብ ህዝበይ ተወሊደ ሓመደይ ክለብስ ንታሕቲ ወሪደ ዝተረፈ ጾር ናብኹም ኣኽቢደ ኣይትሕመቁ ኢኹም ደሓን ኩኑ ከይደ ርሑቅ ዝሰፈረ ምለሱ ስደተኛ ንጌጋ ኣርሙ ብፍትሕዊ ዳኛ ዕድል ኣይተሃቡ ንዓመጸኛ ፍትሒ ይኹን ዓስቡ ዚ ህዝብና ሓርበኛ ኣይትፈላለዩ ብሃይማኖት ብዓሌት ኣብ ንሕድሕድኩም ግበሩ ሓሌት ብነጻ ግለጹ ንናትኩም ድሌት ሰላም ግበሩ ምስ ኩሉ ጎሬቤት  ጾታ ከይፈለኹም ጓልኩም ይኹን ወዲ

Read more