ብጾትና ሰማእታት

ብጾትና ሰማእታት
ክብቡራት ስዉኣት ብጾት ክንራኸብ ኢና ምሳኹም። ኣብዛ ከይተረዳኣካ ዕርብ ትብል ዓለም መን ንወትሩ ምስነበረ ደኣ ክንነብር?? ሃገራዊ ዕርቂ ኣይገበርናን ከም ሳዕቤኑ ኣብ ኣዚዩ ዝሰክፍ ክውንነት ኣሎና።
ክቡራት ብጾት ሰማእታት
ነፍሲ ከፍኩም ኣብ ኩሉ ኩርነዓት መሬት ኤርትራ ብጅግንነት ኣብ ዝተበጆኹሙሉ እዋን ከምዚ ዝስዕብ ማለት:—
ኦ ክቡራት ብጾት ሓደራ
ንኹሉ ኤርትራዊ ብሓበራ
ኣብ ኩሉ ዝርከቦ ናይ መሬትና ስፍራ
ብዘይ ድልዎ ግበርዎ ሓራ
ስዉእ ኮይነ ኢየ ደጊምስ ተፈሪደ
ነዚ ክፍጽም የ ካብ ህዝበይ ተወሊደ
ሓመደይ ክለብስ ንታሕቲ ወሪደ
ዝተረፈ ጾር ናብኹም ኣኽቢደ
ኣይትሕመቁ ኢኹም ደሓን ኩኑ ከይደ
ርሑቅ ዝሰፈረ ምለሱ ስደተኛ
ንጌጋ ኣርሙ ብፍትሕዊ ዳኛ
ዕድል ኣይተሃቡ ንዓመጸኛ
ፍትሒ ይኹን ዓስቡ ዚ ህዝብና ሓርበኛ
ኣይትፈላለዩ ብሃይማኖት ብዓሌት
ኣብ ንሕድሕድኩም ግበሩ ሓሌት
ብነጻ ግለጹ ንናትኩም ድሌት
ሰላም ግበሩ ምስ ኩሉ ጎሬቤት
ጾታ ከይፈለኹም ጓልኩም ይኹን ወዲ
ዋዕላ ግበሩ ኣብ ሓደ መኣዲ
ግልጺ ይኹን ወትሩ ቲ ናትኩም ልምዲ
ንሱ ዩ ቲ እንኮ ነቅ ዘይብል ዓንዲ
ብኡ ዩ ዝሰልጥ ቲ ቅኑዕ መንገዲ
ህነጽዋ ሃገር ብናይ ስምረት ብርኪ
ሕጊ ኣጽድቁ ከይመጸኩም ምልኪ
ዓይንኹም ሓልዉ ካብ ዘደብዝዝ ትኪ
ከይትሳጥሑ ናብ ዳግማይ ሃልኪ
ማዕረ ምቀልዎ ንዜጋታት ሃብቲ
ንኹሎም ስዉኣት ግበሩ ሓወልቲ
ዝጭበጥ ፍጻሜ ነገራዊ ትምህርቲ
ዓቅብዎ ንታሪኽ ናይ ቃልስና ምህርቲ
ንሱዩ ነባር ናይ ወለዶታት ርስቲ
ኣይትገዳድዑ ሰሚርኩም ውፈሩ
ከም ኣቦታትና ኣብ ባይቶ ምኸሩ
ሃገራዊ ምርጫ ኩሉ ሳዕ ግበሩ
ትርጉም ሓርነት ፈሊጥኩም ክበሩ
ከም ኩሉ ሰብ ዓለም ኣብ ሰላም ንበሩ
ብኣገባብ ዲሞክራስያ ርእሰ ብሄር ምረጹ
ኣብ ነጻ ፕረስ ጸሓፉ ግለጹ
ብማዕረ ዝገዝኣኩም ሕጊ ቅረጹ
ማዕረቲ መስዋእትና ከም ኩሉ ብለጹ
ንቅድሚት ጠምቱ ጽብቅ ብምፍጣን
ከየጓንፈኩም ናይ ክሕደት ዕጣን
ሓደራ ተጠንቀቁ ንህዝቢ ይኹን ስልጣን
ሓድነት በሉ ምፍልላይ ብምጥንጣን
ዕድል ክልእዎ ንዘራጊ ሰይጣን
ዚ ውጹዕ ህዝቢ ከይጸግብ ተካል
ፈላልዎ ምዝነት ስራሕ ንዘይምሕንኳል
ቀጥዕታት ይንደፍ ሓጋጊ ትካል
ፈራዲ ካብፈጻሚ ኣካል
ኣነጽርዎ ጽቡቅ ብምስትውዓል
ብሩኽልቦናኣ ብሰላም ክፍደ
ቲ ቅዱስ መንፈሳ ንቡር ዘልመደ
ከይጉሂ ኣምዑታ ንዓይ ዝወለደ
ኣተባብዕዋ ነታ ክብርቲ ኣደ
ኣጆኻ በልዎ ነ ለዋህ ኣቦ
ዋልታ ስድራና በዓል ዓቢ ሓቦ
ፈጣሪ ባዕሉ ጽንዓት ክህቦ
ብፍትሕን ሰላምን ደበስ ክኽብቦ
ሓደራ ይብል ንኩልኹምይላቦ
ከም ዝበልኩምና ወትሩ ትዝ ይብለና። ብድሕረኹም ሃለዋትና መለጺ የብሉን። ኣይግድን ኮይኑ። ቃልሲ ግን ኣየቛረጽናን። ሓርነት!!!!ሓርነት!!!!ሓርነት!!!
ኢልና ብምብጋስ
ሕድርኹም ብምሕዳስ
ሰላም ንምንጋስ
ፍትሒ ንምሕፋስ
ኣለና ኣብ ምግስጋስ
ምልኪ ክውገድ በኒኑ
ኩሉ ኤርትራዊ ንሱዩ ዋኒኑ
ሃገራዊ ዕርቂ ሕጂዩ እዋኑ
ክንሓብር ኢና ንስኹም ክትቀስኑ
ክብሪ ንዓኹም ደሓን ኩኑ ጀጋኑ
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.