“ካብ ዝኸፈለስ ዘውደልደለ”

“ካብ ዝኸፈለስ ዘውደልደለ”

ርእሰ ዓንቐጽ

ውሓደለ

ንውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ(ሓዲለ)  ቅርበት ዘሎዎ፣ ሓደ ኤርትራዊ ናይ መጽናዕቲ ጕጀለ፣ ንከምዚ ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ፣ ኮር-ተገምጠል፣ ኵነታት ክገልጽ ከሎ ብቋንቋ እንግሊዘኛ “ኣኖሚ” anomy ይብሎ። ትርጉም ናይ’ዚ ኣምር ፣ ማለት ትርጉም “ኣኖሚ” – ንኣብነት፦ ኣብ ኢንሳክሎፖድያ ብሪጣኒካ ምስ እንውከስ ብከምዚ ይገልጾ፡-

 ሕበረተሰባት፣ ወይ ውልቀ-ኣባላቱ፣ ክህልዎም ዝኽእል ዘይርጉእ ኵነታት’ዩ ይብሎ። እዚ ዘይርጉእ ኵነታት ከኣ ከም ውጽኢት ምብትታን ወይ ምንቁልቋል ናይ ቅቡላት መዓይርን ክብርታትን (breakdown of accepted standards and values) ናይ’ቲ ሕብረተሰብ፣ ሓደው-ከኣ፡ ባዶነት ኣብ ዕላማ ወይ  ኣብ ስነ-ሓሳባት (lack of purpose or ideals) ናይ ደቂ-ሰባት ዝወልዶ ተሩእዮ’ዩ ይብሎ።

እዚ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ ናይ መጽናዕቲ ጕጅለ፣ ነቲ anomy ዝብል ኣምር ብቋንቋ ትግርኛ ክገልጾ ከሎ ከኣ፦ ንቡር ክግልበጥ ከሎ ወይ “ካብ ዝኸፈለስ ዘውደልደለ” ብዘስምዕ የቐምጦ። ነዞም ሉዓላዊት ኤርትራ ክዉን ንምግባር ኩሉ ዝኸፈሉ ገዳይም ተቓለስቲ፣ እሞ ድማ ሎሚ ሉዓላዊት ሃገር ከም ዘይትብጽሖም፣ ኮር-ተገምጠል ኴይኑ ነገሩ፣ ዓዘራን ኣደራዕን ዝርእዩ ዘሎዉ፣ እዚ ብሂል “ካብ ዝኸፈለስ ዘውደልደለ” ጽቡቕ ጌሮም ዘስታማቐርዎ ተመክሮ እመስለና።

ህግደፋዊ ምልኪ ንተጋደልትን ንታሪኽ ገድልን ጠሊፉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብፍረ-ቃልሱን ብጅግንነት ደቁን ከይረብሕን ከይኮርዕን፣ እናሻዕ ናብ’ታ ሃገር ዕግርግር እናዛሕተረ፣ ንህዝብና ንሓሳረ-መከራ ኣሳጢሕዎ ይርከብ። ኣውራ ከኣ፣ ንመንእሰያት ሃገርና ካብ ስድራ-ቤቶምን ካብ ትምህርቶምን ናብ ዘይክፈልሉን ዘየምልጥሉን ዕስክርና ብምንቋት፣ ንቃልስን ንተቓለስትን ከም ዝጸልኡ ጽቡቕ ጌሩ ኣድሚዕሎም ይርከብ። ንጀብሃ ብሻዕብያ፣ ንገዳይም ብሓደስቲ፣ ንደቀባት ብስነኣእምራዊ ቅልውላውን ጕድለት ነብሰ-ምትእምማንን  ዝመለኾም ዜጋታት ወዘተ… እናዋቕዐ፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ሓድሕዱ ከናቑቶ ይርአ’ሎ። ምስ ግዜ እናበርሀ ይመጽእ ከም ዘሎ ከኣ፣ እዞም ኣብ ናይ ህግደፋዊ ናይ ስልጣን ጥርዚ ዘሎዉ ሰብ-ሓለፋ መራሕቲ፣ ብዓንተብኡ’ውን ኤርትራ ንምሕራር ናብ ሰውራ ከም ዘይወፈሩ’ዩ መርትዖታት ዚውህለል ዘሎ። ብእኡ ደረጃ ከኣ፣ እቲ ዝግበር ዘሎ ን ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድኻም ወፍሪ፣ ኣካል ናይ ሓደ ግዙፍ ናይ ዕንወትና እስትራተጂ ከይከውን፣ ጥርጣሬና ይዓቢ’ሎ።

ብጭቡጥ ንምዝራብ ከኣ፣ በዝን ወዲ ከምዝን ንኤርትራ ራሕሪሖም ናብ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን ኣቢሎም ብቐጻሊ ዝጠፍኡ ዘሎዉ መንእሰያትና፣  ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕሉፍ ታሪኽ ብዝገደደ ዓቐነ-መጠን፣ ሎሚ ኣብ ዘበነ ህግደፋዊ ምልኪ ይርኣ’ሎ። ህግደፍ ከኣ፣ ዋላ’ወን ነቶም ብህይወት ድሒኖም ኣብ ዓዲ-ዑቕባ ዝበጽሑ መንእሰያት ከይተረፈ፣ ገና ኣሰር-እግሮም እናሰዓበ መታን ንኸይሓብሩን ተቓሊሶም ንኸየድምዑን፣ ብመዛንኦም መጋበርያቱ ተጠቒሙ ፋሕ-ብትን ከእትዎሎም ይርከብ። ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ፣ እቲ ጕዳይ ከቢድዎም፣ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ከም ዘለዎም ይፍለጥ። ብዙሓት ካልኦት ካብኣታቶም ከኣ፣ ብስም ተቓወምትን ደለይቲ ፍትሕን ዑቕባ ረኺቦም ከብቅዑ፣ ተመሊሶም ካብ ደለይቲ ፍትሕን ካብ ዘዕቆቦም ጓና-ሃገራትን ተኸዊሎም ናብ ህግደፍ ክጸጋግዑ ይርኣዩ።

“ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ” ከም ዝበሃል ከኣ፣ ንመንእሰያትና ዘጋግዩ ከቶ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ገለ ዓበይቲ ዓርጌናት ካብ ክሊ ደምበ-ተቓውሞ እንተኾኑ’ውን፣ ንፍልልያትን ንጽበትን ከም ዕላማ ተታሓሒዞም ናይ ህግደፍ ዕላማታት ከሳልጡን ንመንእሰያት ከጋግዩን ይርኣዩ’ዮም። ዝተባህሉ ውልቀ-ዜጋታት፣ ገለ ካለኦት ቃልሲ-ተመክሮኦም ኣብ ሜድያታት ወጺኦም ይኹን ብመጻሕፍቲ ናይ ዝገልጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ትሕዝቶታት እናልዓሉ፣ ነቲ ዕላማን ሕልናን ናይ’ቶም ዘነይቲ ንጎኒ ብምድርባይን ንትሕዝቶታትም ካብ ልዓቱ ብምጥምዛዝን፣ ንድሑር ዝንባሌታቶም ታሪኽ ከዘናብዑ ዝርከቡ ሰባት ኣይወሓዱን።  በዝን ወድዝን ተጠቒሞም ከኣ ንገዳይም ተጋደልቲ – ኣልቦ ሓርበኛ ታሪኽን ዕላማታትን – ንገለን ክውድሱ ንካልኦት፣ ኣይብጽሑናን ዝብልዎም ከኣ፣ ከነኣእሱ ለይትን መዓልትን ይስምዑ።

ናይ’ዞም ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ ናይ ህግደፍ መደባት ከሳልጡ ዝውዕሉ -“ናይ ተቓዉሞ ተቓወምቲ”- ቅዲ-ቃልሲ ከኣ፣ ሓደ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ልቢወለድ ናይ’ቲ ህቡብ እንግሊዛዊ ደራሲ – ቻርለስ ዲከንስ – የዘኻክር። እቶም “ኦሊቨር ትዊስት” ዝርከቦም በርከት ቊጽሪ ዝነበሮም ዘኽታማት ቈልዑ ኣብ ልቢ-ወለድ ናይ “ቻርለስ ዲከንስ”፣ ኣብ ኢድ ዓዋሉን ቀተልትን ብምውዳቖም ሞይኦም ካን ስርቂ ኴይኑ፣ ብጥሜትን ዓጸባን ዝተጎሩ ነበሩ። ኣብ’ቲ ከም መንበሪኦም ዝሕብእሉ ጎዳጕዲ-ሎንዶን ስብቆ ኣብ ናይ ሓባር ሓደ ጉናይ-ፌስቶ ተጠጢቑ ንወዮም ቈልዑ ከም ዝዕደሎም ከኣ ይገለጽ። ነቲ ጥሜትን ዓጸባን ናይ’ቶም ቈልዑ ንምርኣይ ይመስል ከኣ ደራሲ ከምዚ ይብል፦ ካብ’ቲ ብጭልፋ ኣብ ብያቲታቶም  ዝወሃቦም መቚነን፣ በቲ ካብ መዓኮር ጭልፋ ዝነጥብ  ማይ-ስብቆ ዓይኒ ሕልና ናይቶም ዘኽታማት ቈልዑ ይሰሓብ’ሞ፣ ወዮም ቈልዑ ዓይኖም ኣፍጢጦም ምስ ነፍሲ-ወከፍ ጥብ ዝበለት ዛዕዛዕታ መሬት ከም ዝነጥቡን፣ ዓይኖም ከም ዘይክእለሎምን ጌሩ ይገልጾም። እዞም “ናይ ተቓዉሞ ተቓወምቲ” ዝበልናዮም ኤርትራውያን ከኣ፣ ካብ’ቲ ኣብ ማኣዲ-ሓበሬታ ዝወሃበና ምሉእ ትሕዝቶ ናይቶም ዋናታቱ ገለ ዝነጥብ ዘረባ እናቐረሙ፣ ንተመክሮ ዘነይትን ትሕዝቶታቶምን ካብ ልዓቱ ብምጥምዛዝ ንፈላላዪ ዕላምኦም ይጥቀምሉ። በዝን ከምዝን ከኣ ንቃልስን ንመራኸቢ ብዝሃንን ከጎድፉ ይርከቡ። ነዚታት ብዝምልከት፣ ሎምን ኣብዝን ናብ’ዞም ሰባት ከም መጠንቀቕታ  እነተሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፣ ንተዓዛዘብ ምህላውና’ዩ።

ብቓልስና ክንዕወት ኢና!

ውድቀት ንምልኪ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና!

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ(ሓዲለ)

07 ሓምለ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.