መሰረታዊ መባእታ እምነ ኵርናዕ ግብራዊ ሓድነት

                           መሰረታዊ መባእታ እምነ ኵርናዕ ግብራዊ ሓድነት

ንዓሰርተታት ዓመታት ጽኑዕ መሰረት ሓድነት ኤርትራውያን ንምሕያል ዝተዘርበሉ ጉባኤታት፡ ሰሚናራት፡ኣኼባታት ውሑድ ኣይኮነን። ሓድነት ምንጪ ሰላም፡ፍትሕን፡ዲሞክራሲን’ውን ዕብየትን ስለ ዝኾነ ከኣ ኩሉ ግዜ ማእከላይ ሕቶ ኣህዛብ ኮይኑ ብልዑል ተገዳስነት ይዝረበሉ። ሓድነት ኣብ ውሽጡ ንዝተፈላልየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ እምነት፡ ሕብረ ብሄር፡ጾታ ሓቝፉ ኣብ መድረኽ ሰላም ሕግን ስርዓትን ብሓድነት ተማእኪሉ ተኣዚዙን ብምስራሕ ክብጻሕ ዝኽእል ፖለቲካዊ ምርግጋእ ተኽእሎ ዝፈጥር ሓይሊ’ዩ። ሓድነት ምርግጋጽ ብኡ ኣቢሉ ክብጻሕ ዝኽእል ኩሉ ሃገራዊ ዕላማታት፡ረብሓ ሰላም ዲሞክራሲ ንኩሉ ብማዕረ ስለ ዝብጽሖ ከኣ፡ ኩሉ ብሓላፍነት ደፋኢ ሓይሊ ሓድነት ኮይኑ ክስርሓሉ ከም ዝግባእ የርእየካ።

ጉዳይ ህንጻ መስርሕ ሓድነት ንሰላም ኤርትራውያን ነቶም ተወዲቦ ዝቃለሱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ፡ነቶም ብዝተፋላልየ ምኽንያት ኣብ ውዳበ ዘየለዉ መሳጢ፡ መበራበሪ ክኸውን ብዘለዎ ኣገባብን መስርሕን ክትከል ምጽዓር’ዩ። ኣብ’ዚ ንነብሮ ዘለና እዋን’ውን ምስ’ቲ ጽባሕ ጽባሕ ዝቃያየር ማሕበረ ቁጠባዊ ፖለቲካ ዓለም ከም ኤርትራውያን ንድሌትናን ባህግናን ክውን ንምግባር ዘየኽኣለና ኩነታት ብዙሓት ብምዃኑ ንምቅያሩ ይሕግዝ። ኩነታት ንረብሓ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ንምቕያር ከኣ ኩሉ ብሓላፍነት ብልዑል ተገዳስነት ንውሽጣውን ግዳማውን ሓይሊ ሓድነታትን ዘዳኽም ቀይድታት በቲኹ ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ዝያዳ ንጥፈታትን ቅልጣፈን ሓቢርካ ምስራሕ፡ እዋናዊ ጠለብ’ዩ። ሎሚ ከይተወደብካን ሓቢርካ ከይዘተኻንስ ይትረፍ ተወዲብካ’ውን ብዙሕ ጻዕርን ድኻምን ዝጽበዮ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ብምግንዛብ ህዝብና ሰላምና ዘረጋግጽ ሓድነት ብንቅሓት ርእዩ፡ ከም ውጽኢቱ ንፈላሚ ነቅ ዘይብል መሰረት እምነ ኵርናዕ ሓድነት ምትካል ውሕስነት መጻኢ ሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ምርጫ ቃልሲ ተኸቲልካ ንቅድሚት ምስጓም’ዩ’ዩ።

ሓድነትና ኣብ ውድባዊ ፖለቲካ፡እምነት፡ ብሄር፡ጾታ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓድነት ሓይሊ ህዝብን ሰላምን ሃገርን’ዩ ክህነጽን ዝግባእ። እዚ ዓወት እንተ ተረጋጊጹን ኣብ ሽቶ በጺሑን ከኣ ሕብረተ ሰብና ብማዕረ ክዋሳኣሉ ዝኽእል ዝዓበየን ዝሰፍሐን ዕድል ዝኸፍት ይኸውን። መባእታዊ መሪሕ ሕግን ስርዓትን ሓድነት ከቢድን ዘይከኣልን ኣይኮነን። ከም ኣብነት ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ምስ ፖለቲካዊ መርገጻትን፡ እምነትን፡ዓሌትን ጾታ ብዝተዛመደ፡ ንፍሉይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባ፡ንፍሉይ እምነታት ወዘተ ዘርብሕ ዘይኮነስ። ብመንጽር ህውከትን ስደትን ኣብቒዑ፡ ኣብ ሃገርና ሰላም ዝሰፍነሉ ባይቶ ዕዮን ዕብየትን ህንጸት፡ ንረብሓ ኩሉ መበገሲ ጽኑዕ ባይታ ሓድነት ምዃኑ ዘመልክት ሓቕታት’ዩ።

  • እምነት
  • ቅንዕና
  • ክብሪ
  • ምርድዳእ
  • ትጽቢት

ሓድነታና ንምርግጋጽ ብመጀመሪያ ኣብ’ዚ ላዕሊ ካብ ዝተጠቕሰ ኣዕኑድ፡ ንፍሉይ ፖለቲካዊ መደባት ዕዮታትና ዘይኮነ፡ ንሓባራዊ መደብ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ሰላምን ንሃገራዊ ፖለቲካዊ ርግኣት ዘንቐደ ክኸውን ይግባእ። እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታትና ከሰርሓናን ነዊሕ ከሰጕመናን ዘኽእል ብዙሕ ትንታነታት ክቀርበሉ ዝክእል ቁም ነገር ከም ዘለዎ ኩሉ ብቀሊሉ ክርድኦ ዝኽእልን’ዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መጓሰ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ንሰላምን ፖለቲካዊ ምርግግጋእ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብዕቱብ ዝረኣዮ ዝመስልን፡ ከይተሓለለ ዘካይዶ ቃልሲ ዝእምቶ ተርኽቦታት፡ ምጥርናፍ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ህዝብና ዘርኣዮ ተገዳስነትን ኣድላይነትን፡ ምትእኽካብ ሲቪካዊ ማሕበራት ከም ”ይኣክል”፡ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና በጺሕዎ ዘሎ ገገለ ካብ’ቲ ክጥቀስ ሓድሽ ተርእዮን ተርኽቦን ኤርትራውያን መርኣያ ሓድነት’ዩ። በዚ ሒዝዎ ዘሎ መስርሕ እንተ ቀጺሉ ከኣ ነቲ ነማዕድዎ ዝነበርና ፍታሕ ኣብ ኢድና ክንጭብጦ ከም ንኽእል ተወሳኺ ድሙቕ ፖለቲካዊ ውራይ ኤርትራ ብሓበራ ከነሳስዮን ዋናታት ኮይና ከኣ ኣብ ሕቝፎ ህዝብና ክነበር ዘኽእለና’ዩ ከበሃል ይኽእል።

ውድቐት ንመላኺ ስርዓት

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜና ሓበሬታን ውሓደለ

15 ሓምለ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.