ውድብ ሕብራት ሃገራት ባይቶ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ

ብ16 ሓምለ 2020፣ ኣብ ውድብ ሕብራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መስላት፡ ንናይ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ። ነታ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክትከታተል ዝተመዘዘት ፍልይቲ መርማሪት ናይ ኣገልጉሎት እዋን ስርሓ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ጠለብ ቀሪቡ። ሶማልያን ቬኔዝዌላን ስለዘይደገፍ፥ ነቲ ብ 34 ሃገራት ዝቐረበ ጠለብ፥ ድምጺ ክወሃበሉ ሓቲቶም፡: ኣብቲ ባይቶ ኣብዚ እዋን ከድምጻ ዝፍቀደለን ሃገራት 47 እየን፥ ን ኤርትራ ወሲኻ፥ እቲ ብይን ድማ ድምጺ ተዋሂብሉ፡ 24 ናይ ደገፍ ድምጺ 10 ድምጺ ድማ ናይ ኣይፋል ብምባል እቲ ውሳኔ ብዓወት ጸዲቁ። እተን ጠለብ ዘቕረባ ሃገራት እዘን ዝስዕባ እየን:ኦስትሪያ፥ ኣውስትራልያ፥ ቤልጅም፥ ቡልጋርያ፥ ካናዳ፥ ክሮሽያ፥ ሳይፕረስ፥ ቼጅ ሪፐብሊክ፥ ዴንማርክ፥ ኤስቶንያ፥ ፊንላን፥ ፍራንስ፥ ጀርመኒ፥ ግሪክ፥ ኣይስላንድ፥ ኣየርላንድ፥ ኢታልያ፥ ላትቪያ፥ ሊቸተንስተኢን፥ ሊትወንያ፥ ሉክሰምበርግ፥ ማልታ፥ ሞናኮ፥ ሞንቴኔግሮ፥ ሆላንድ፥ ሰሜን ማሴዶንያ፥ ኖርወይ፥ ፖላንድ፥ ሮማንያ፥ ስሎቫኪያ፥ ስሎቬንያ፥ ስፓኛ፥ ስዊድን: ስዊዘርላንድን እየን።እዚ ማለት 24 ሃገራት ደጊፈን፥ 10 ሃገራት ተቃዊመን፥ 13 ሃገራት ድማ ናይ ታዓቅቦ ድምጺ ጌረን። ኣብዚ ስዕሊ ከምትርእይዎ፡ ቐጠልያ፣ ደገፈን ዝሃባ፥ ሃገራት እየን ጻዕዳ፥ ድምጺ ዕቃበ ዝገበራ፥ ቀይሕ ድማ ዝተቓወማ እየን።ነተን ግፍዕታት ህዝቢ ኤርትራ ኣገዲስወን ዝደገፋ ነመስግነን። ነተን ሰብ (ቐይሕ)፡ ንስርዓት ኤርትራ ደጊፈን ተቓውሞ ዝሃባ ሃገራት ድማ እቲ ብይን ንከይሓልፍ ኣትሪረን ዝተቃወማ እየን። ነዚኤን ውን እቲ ዓመጽ ሓደ መዓልቲ ከብቅዕ ‘ዩ እቲ ከውታ ውን ክወግሕ እዩ ንብለን።
ትርጉም ዜናን ሓበሬታ ውሓደለ
20 ሓምለ 2020
You must be logged in to post a comment.