ውድባዊ መግለጺ ብዛዕባ ሓው ሱለማን ኣደም ሑሴን

ውድባዊ መግለጺ ብዛዕባ ሓው ሱለማን ኣደም ሑሴን
ዝኸበርካ ደለይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡
ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን፡ ኣባል ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ(ውሓደለ) ኣቶ ሱሌማን ኣደም ሑሴን ፡ ምክትል ኣቦ መንበር፡ ሓላፊ ውጻኢ ጉዳያትን ፡ ብወለንትኡ ካብ ውሓደለ ከም ዝስሓበ ክንሕበር ንፈቱ ። ውድብ ካብ ዝሃቦ ሓላፍነት ክስሕብ ዝገበሮ ፡ ምስ ድልየትን ኣታሕሳስባን ውድብ ፍልልይ ከም ዝገጠሞ ይሕበር። ብወገን ፈጻሚ ሽማግለ ውድብ፡ እቲ ጉዳይ ብመንጽር ክብደት ህልዉ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፡ ንስቓይ ህዝብና ፍታሕ ንምርካብ ኣፈናዊ ምቅርራብ ዳህሳስን መጽናዕቲ ንዝተገብረ ስርሓት ኣብ ክንዲዚ ዘብጽሕ ጉዳይ ጌርና ኣይንወስዶን ። ምኽንያቱ ኣብ ቦታ ፈ/ሽ ክፈላሊ ዝኽእል ዝተወስደ ሓድሽን ፍሉይን ውሳኔ ይኹን፡ ዝተሓንጸጸ ፖሊሲ ብዘይምንባሩ’ዩ። ኣቶ ሱሌማን ሑሴን ንዝወሰዶ ስጉምቲ ሙሉእ መሰሉን ኮይኑ ክኽበረሉ ከም ዘለዎ ምዃኑ ንኣምን። ምእንቲ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ፣ ምስ ዝኾነ ውድብ/ ሃገር ነቲ ብመስዋእቲ ዝተረጋገጸ ሉኡላውነትናን፡ንሙሉእ መሰል ርእሰ ውሳነናን ዝእምኑን ዘኽብሩን ወገናት ክንዛመድ ፍቓድ እንሓተሉ ጉዳይ ኣይኾነን።
ኣብ መወዳእታ ንኣቶ ሱለማን ኣዳም ሑሴን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ስኒት ጽንዓት ንምነየሉ ።
ፈጻሚ ሽማገለ
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓደለ)
25 ሓምለ 2020
You must be logged in to post a comment.