ውድባዊ መግለጺ ብዛዕባ ሓው ሱለማን ኣደም ሑሴን

ውድባዊ መግለጺ ብዛዕባ ሓው ሱለማን ኣደም ሑሴን 

ዝኸበርካ ደለይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡

  ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን፡ ኣባል ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ(ውሓደለ) ኣቶ ሱሌማን ኣደም ሑሴን ፡ ምክትል ኣቦ መንበር፡ ሓላፊ ውጻኢ ጉዳያትን ፡ ብወለንትኡ ካብ ውሓደለ ከም ዝስሓበ ክንሕበር ንፈቱ ። ውድብ ካብ ዝሃቦ ሓላፍነት ክስሕብ ዝገበሮ ፡ ምስ ድልየትን ኣታሕሳስባን ውድብ ፍልልይ ከም ዝገጠሞ ይሕበር። ብወገን ፈጻሚ ሽማግለ ውድብ፡ እቲ ጉዳይ ብመንጽር ክብደት ህልዉ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፡ ንስቓይ ህዝብና ፍታሕ ንምርካብ ኣፈናዊ ምቅርራብ ዳህሳስን መጽናዕቲ ንዝተገብረ ስርሓት ኣብ ክንዲዚ ዘብጽሕ ጉዳይ ጌርና ኣይንወስዶን ። ምኽንያቱ ኣብ ቦታ ፈ/ሽ ክፈላሊ ዝኽእል ዝተወስደ ሓድሽን ፍሉይን ውሳኔ ይኹን፡ ዝተሓንጸጸ ፖሊሲ ብዘይምንባሩ’ዩ። ኣቶ ሱሌማን ሑሴን ንዝወሰዶ ስጉምቲ ሙሉእ መሰሉን ኮይኑ ክኽበረሉ ከም ዘለዎ ምዃኑ ንኣምን። ምእንቲ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ፣ ምስ ዝኾነ ውድብ/ ሃገር ነቲ ብመስዋእቲ ዝተረጋገጸ ሉኡላውነትናን፡ንሙሉእ መሰል ርእሰ ውሳነናን ዝእምኑን ዘኽብሩን ወገናት ክንዛመድ ፍቓድ እንሓተሉ ጉዳይ ኣይኾነን። 

ኣብ መወዳእታ ንኣቶ ሱለማን ኣዳም ሑሴን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ ስኒት ጽንዓት ንምነየሉ ።

ፈጻሚ ሽማገለ

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓደለ)

25 ሓምለ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.