ጉዳይ ከባቢ ቀላያት ሃገራት ዘሎ ግርጭት ዘይፍታሕ ፖለቲካዊ ግርጭት ኣይኮነን፡

ጉዳይ ከባቢ ቀላያት ሃገራት ዘሎ ግርጭት ዘይፍታሕ ፖለቲካዊ ግርጭት ኣይኮነን፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ከየመዓራረየ፡ ብስንኪ ኮሮና ቫይረስ ህዝቢ ኣብ በይቱ ተዓጽዩ ኣደዳ ጥሜትን ስቓይን ሕማምን ኮይኑ ክነሱ፡ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያት ንምርግጋእ ምብጻሕ ክካየድ ዝጸንሐ ጉያ ማራቶን፡ ብኵናትን ወረ ኵናትን ንህዝቢ ኤርትራ ንምፍርራሕ ዝግበር ዘሎ ወስታት ምዃኑ ብብዙሕ ኣገባብ ክግለጽ ይኽእል። ሎሚ ሎምስ ሕኸኸኒ ክሓከካ ንህዝቢ ብማይን እኽልን ዝቐጽዕ፡ ዘጥሚ ዘጽምእ፡ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ሰላም ስኢኖም ብዘይዕረፍቲ ንስደት ዘሳጕግ፡ ንዓበይቲ ዓድን ሽማግለታትን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ነባራት ተጋደልቲ ብዘይምሕረት ዝኣስርን ዘሳቕን መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ፡ መራሒ ሰላም ተባሂሉ ክዝረበሉ ክንሰምዕ ክድንጽወና ኣይግባእን።

ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ 250 ኣፍላጋትን ወሓይዝን ዝለዓል ፖለቲካዊ መልክዕ ዝሓዘ ግርጭታት ኣፍላጋትን ወሓይዝን ይርከብ። ስሕበት ግርጭት ዝኾኑ ኣፍላጋት ከም ኣብነት ክልተ ኣፍላጋት ኒል፡ ፈለግ ኮንጎ ክመኡ ዛምበዚ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ፈለግ ጋንገስ ኣብ ህንዲ። ፈለግ ሞንጎ ኣብ ቻይና፡ ጥግሪስ ኣፍራጢስ ከምኡው ፈለግ ዮርዳኖስ እዮም። ኣብ’ዘን ዝተጠቕሳ ፈለጋት ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ምስሕሓባት ይረአ። እዚ ኣፍላጋት ዘልዕሎ ሕቶታትን ግርጭታት ግን ክፍታሕ ዘይክእል ኣይኮነን ዝብሉ ኣለዉ።

 ልክዕ ዓበይቲ ሃገራት ብዘለወን ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸብለልትነት፡ ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱን ድኻታት ሃገራት ዝፍጽምኦ ይኹን፡ ኣብ መንጎ ተመጣጣኒ ሓይሊ ሚዛን ዘለወን ሃገራት ዝካየድ መወዳእታ ዘይብሉ ምርብራባት፡ ካብኡ ዝረከብ ረብሓ ካብ ዝስተ ማይን ጀሚሩ፡ ብዝተሓተ ብውልቀ ሓረስቶት ክሳብ ብደረጃ ኢንዱስትሪ ዝካየድ ልምዓት ኣብ ሓደጋ ስለ ዝኣተወ ዘይኮነስ፡ ካብ ስጋኣታትን ዝልዓልን፡ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ብግዳማዊ ፍሉይ ተርእዮ ክጽሎ ንምግባሩ’ዩ ዝብል ሓሳብ ኣይሰእንን።

ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ህንጻ ሓጽቢ ዓባይ’ዩ። እዚ ሓጽቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተሃነጹ ዓበይቲ ሓጽብታት ሓደ ኮይኑ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ዘሕደረለን ስግኣታት ዋሕዲ ፈሳሲ ፈለግ ኒል ከይውሕድ፡ ከም ሳዕቤናቱ ከኣ ከም ምንጪ ሓይሊ ኤለትሪክ ዝጥቀማ፡ ንሕርሻን ማይ ኣገልግሎት ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ዝብል’ዩ። ኢትዮጵያዊ ፕሮፈሰር ሙጨ ብምኽንያት ሓጽቢ ኣባይ ንኩሉ ዘርብሕ’ምበር፡ ንዝኾነ ሃገር ዝጎድእ ኣይኮነን ክብል መሊሱ። ብተወሳኺ ንዝመጽእ ስነት ማይ ጉዳይ ፈለግ ኒል ዘይኮነስ ፖሊቲካ ገሊጽዎ። ብወገን ግብጻውያን ንሰላምዊ ፍትሕ ብቀዳምነት ዝመርጽዎ ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብ ሃገር ሽወደን ተመራማሪ ሰላምን ግርጭትን ፕሮፈሰር ኒልስ ቫልስተን ንተለቪ. ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣፍላጋት ብባህርያቶም መንቀሊ ግርጭት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ክብል፡ ኣርባዕተ ሃገራት ሰንጢቁ ዝሓልፍ ብዛዕባ ፈለግ ረሄን ኣብ ምንጎ እተን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ግርጭት ኣስዒቡ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ። እቲ ፍታሕ ከኣ ይብል ፕ. ኒልስ ቫልስተን ቅድሚ ኩሉ ዝውሰድ ስጉምቲ ሓደስቲ ፕሮጀክትን ብሓባር ምግምጋምን፡ ኣፍልጦ ብምሃብን እንተዘይጀመረ ጠንቒ ግርጭት ክኸውን ይኽእል። ሃገራት ፈረንሳ ስዊዝ ጀርመን ሆላንድ ንፈለግ ረሄን ብዘይ ገለ ምስሕሓብ ንብዙሕ ዓመታት ብማዕረ ክጥቀማሉን ክግልገላሉን ዝገበረንን ዝሓገዘንን ብዛዕባ’ቲ ፈለግ ዘለዎ ተገዳስነትን ማዕረ ክንደይ ፍሉይ ኣትኵሮን ጠመተን ክም ዝገብራሉ’ዩ ክብል ሓሳቡ ደምዲሙ።

ምእንቲ’ዚ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዕብየትን ልምዓትን ብማዕረ ተጠቐምቲ ፈሳሲ ማይ ኣፍላጋትን ቀላያትን ወነንቱን ክኾኑ፡ ካብ ብኵናት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዘለዎ ኣኽእሎ ዓብይ ምዃኑ፡ ካብ ዕንወትን ሰብኣዊ ክሳራ ክድሕኑ ዝኽእልሉ ዕድላት ምህላዉ ብፕ. ኒልስ ቫልስተን ዝቀረበ ሓሳብ ኣገዳሲ ይገብሮ።

ዜና ሓበሬታ ውሓደለ

29 ሓምለ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.