ተሸላሚ ኖቨል ሰላም 2019 ብዛዕባ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ እንታይ ይብል !

ተሸላሚ ኖቨል ሰላም 2019 ብዛዕብ ምልካዊ ስርዓት እንታይ ይብል

ርእሰ ዓንቐጽ ሓደለ

ሽልማት ኖቨል ሰላም ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብሓልዮትን ተበግሶን ሃገርን መንግስትን ኖርወይ ንዝተፈላልዩ ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃገራት፡ውልቀ ሰባት ዝወሃብ ክብሪ ሰላም እዩ። ብዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ ከኣ’ዩ። እዚ ሽልማትን ንሻን ኖቨል ካብ’ቲ ውሩይን ፍሉጥን ሽወደናዊ ተመራማሪ ስነ ቅመም ኣልፍረድ ኖቨል ዝተዋህበ ሕድርን ውርሻን፡ ንኩሎም ደለይቲ ሰላምን፡ንሰላም ንዝጽዕሩ ዝደኽሙ ዝጋደሉ ሰባት ዝወሃብ ሽልማት’ዩ። ብሕጽር ዝበለን ብቀሊሉን ንምግላጽ እቲ ዝወሃብ ሽልማት ኮሚተ ኖቨል ሰላም ንዓመት ሙሉእ ዝኣክል ብዝካየድ መጽናዕቲ ውጽኢት ሕርያ ሕጹያት ተሸለምቲ ዝወሃብ’ዩ።እዚ ሽልማት ኖቨል ሰላም ከኣ ብ1921 ብመስራቲ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጀመረ።

 ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ብፍላይ ድሕሪ መፋርቕ 90ታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት፡ ንግዲ፡ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ሓበሬታትን ዘምጽኦ ምዕባለ Globalisation ንዓለምና ኣብ ሓንቲ ቁሸት ክትቅየር ዝደረኸ ጸቕጥታት ምንባሩን፡ ንሽልማት ኖቨል ሰላም’ውን ጽልዋ ከይገበረ ዝሓልፍ ኣይንበረን። ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ንርከበሉ እዋን ከም’ቲ ጸኒሕን ልምዳውን ሽልማት ዘይኮነስ፡ ዝተኣታተወ ሓድሽ ተርእዮ፡ ብብዙሕ ሸነካቱ ክነቕፍሉ ዝጸንሑ ጋዜጠኛታትን ምሁራትን ንሰላም ንምትብባዕ ተባሂሉ ፖሊቲካዊ ጸጊዕነት ዘለዎ ፍርዲ ምንባሩ ከይሓብኡ ርእይትኦም ዝሃብሉ’ዩ።

ካብ’ዚ ጋዜጠኛታት ነቐፈታ ዘንበርሉን ብዙሕ ክጥቀስ ዝኽእልን ኣካታዒ ዝኾነ ሽልማት ኖቨል ሰላም ነይሩ’ዩ። ሎሚ ከኣ ነቲ ጋዜጠኛታት ዝወቅስዎን ዝነቅፍዎን ዝነበሩ ሽልማት ሰላም እንሆ ኣብ ኣፍደገና በጺሑ፡ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ብግደና እንተወሓደ ኣብ’ዚ ሽልማት ሰላም ንዝምልከት ሚዛን፡ ገምጋም፡ ተሞክሮን ታሪኻዊ መስርሕ ሰላም ዞባና ክንምስክር ኣብቒዑና ኣሎ።

ብዓብዩ ነቲ ኣብየ ኵርናዕ ዓለም ዝካየድ ዝነበረ ክትዓት ሽልማት ኖቨል 2019 ሓቂ ገንፊሉ ኣግሂድዎን ከኣ። ምስ’ቲ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ብዛዕብ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበሮ ገምጋም ሰላም ንሓድሕዱ ዝራጸምን ዘይሳነን ምንባሩ ግሉጽ ገይርዎ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ኮሌ/ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መግለጺ ብሩህን ንጹርን እኹል’ዩ። ኣብ’ቲ ጉዳይ ውሽጢ ውሻጥኡ ከይኣተኻ ብመጀመሪያ ስለምንታይ እቲ ቃል መሕተት ብቋንቋ ትግርኛ ክመሓላለፍ ምድላዩ ንባዕሉ ኣብ ብዝይሓት ሕቶ ዘልዓለ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ብዛዕብ ንኤርትራ ዝምልከት ካብ ዝበሎ ሓደ ኣገዳሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ መራሕቲ ሰላም ምዃኖም ”ንሕና ንፈልጦ ህዝቢ ይፈልጦ ዓለም ከኣ ይፈልጦ” ምባሉ’ዩ። እዚ ኣሽካዕላል ዘረባ ንህዝቢ ኤርትራ ብኩሉ መዳይ መዕቀኒ ሰላም ቅኑዕ ዘይምንባሩ ኣዝዩ ዘሕዝን ቃል መሕተት እዩ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንሰብኣዊ መሰል ብተደጋጋሚ ዓመት ዓመት ዝሕለፍዎ ጸብጻብ ጥራሕ ዘይኮነ ብፍሉይ ንኤርትራ ብዝምልከት ብሓላፍነት ዝተላእኸ መርማሪ ሽማግለ ዘቅረቦ ጭቡት ጸብጻባት፡ ኣንጻር ብሂል ኮሌ/ ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ንምርዳእ ፖለቲካዊ ምዃን ዘየድሊ መግለጺ’ዩ።

ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣቲና ክንዛረብ ዘኽእለና ጉዳይ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ገገለ መግለጺ ኮሌ/ኣብይ ኣሕመድ ብናይ ሓሶት ምስክርነት ንመራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ኣብ ሰላም ዘለዎ ጻዕሪ ከሞግስን ከደንቕን እንከሎ፡ ብዛዕባ ዘድንቆ ሰላምን ቀጻልነቱን መጻኢ ወለዶን ሓይሊ መንእሰይን ኤርትራ ሓንቲ’ኳ ከይጠቐሰ ክሓልፍ እንከሎ ንገገለ ኢትዮጵያውያን ብተሞክሮን ብዕድመን ትሕቲ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ዝግመቱ ካብ ስልጣን ክእለዩ ከም ዘለዎም’ዩ መልእክቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ’ዩ። ኣሕዋት ህዝቢ፡ ንመሰረታዊ ሰላምን ዕብየትን ልምዓትን ብመትከል ንሰርሓሉ ዘሎና ብማለት ዝገልጾ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ዝምድናታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰል ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ቅንዕና ዘይብሉ ደረጃ መስርሕ ሰላምን መጻኢ ትጽቢታት ህዝቢ ብውዲት ክገልጽ ንምንታይ ዕላማ ምዃኑ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኮሌ/ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ ንዝወሰዶ ሽልማንት ኖቨል ሰላም፡ ምስ’ቲ ኣብ ዓለምና ምስ ህዝቡ ዝኸፍአ ዝምድና ዘለዎ መንግስቲ ህግዲፍ መሪሕ ሰላም’ዩ ክብሎ መሪጹ ከም ኣብነት ከቅርብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ንኩነታትና ዘይወክል’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ግድዕታትን መሪር ጭቆናን ህግዲፍ ሃገሩ ገዲፍ እግሩ ንዝምርሖ በረኻታትን ምድረ በዳታት ፋሕ ጭንግራሕ ይብል ምህላዉ፡ ዜጋታት ብዘይ ክሲ ንሓደ ርብዒ ክፍለ ዘመን ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ምህላዎም፡ መጻኢ ወለዶ መንእሰይ ኤርትራ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዕድመኡ ብከንቱ ዘሕልፎ ዘሎን ካልእን ጸቢጺብካ ዘይውዳእ ቃንዛ ህዝቢ ኤርትራ መላገጺ ሰላም ክትገብሮ ኣይንፈቕድን። ኣብ’ዚ ርእሰ ዓንቐጽ ንጽሕፈሉ ዘለናን ቃል መሕተት ዝተኻየደሉ ግዜ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምስምስ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ገዛእ በይቱ ተሓይሩ ከይኣኽሎ ብስእነት ማይን ቀረብን ክሳቐ ዝገበሮ ስርዓት፡ ወለዲ ንህጻናት ደቆም ዘብልዖዎን ዘስትይዎን ስኢኖም ዳግማይ ንስደት ዝውሕዝሉ ዘለዉ እዋን ንክውንነት ኤርትራ ዝኽሕድ ብምዃኑ እቲ መልእክቲ ብመሰረቱ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕን ዘይምልከትን፡ ብዓብዩ ነቲ ዝተሸለመሉ ሰላም ከኣ ቅንዕናን ዘይብሉ ምዃኑ ተነጺሩ ኣሎ።

እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ልክዕ ከምቲ ኣብ 60ታት 70ታት 80ታት 2001 ብግፍዒጸላእቱ ካብ’ታ ዝፈትዋ መሬቶም ዘሳድድዎ ዝነበሩ ብዘይፍለ ይቅጽል ምህላዉ’ዩ። ህዝብና ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ዝተረከቦ ሃገር ብጠለምቲ ሕድሪ ብዘጋጥሞ ዘየቋርጽ ተኻታታሊ ግፍዕታት፡ ኣልቦ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሕግን ስርዓትን ክጻወሮ ብዘይምኽኣሉ ዳግማይ ሩዓቱ ጠቕሊሉ ንስደት የምርሕ ኣሎ። ኤርትራ ህዝባ ይጸንትን ዓድታትን ይባድማ፡ከተማታት ይበርስን ኣሎ። ነዚ ኩሉ ብቀረባ ዝዕዘብን ብዓይኑ ንዝርእን ውጹእ ምልካዊ ምምሕዳር መሪሕ ሰላም ክስይሞ እንከሎ ” ኣነፋፍራ ቆቋሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን” ከም ዝበሃል ነዚ ከቢድ ወስታት ህዝብና ተረዲኡ ግብረ መስሊ ክህበሉ ይግባእ። ሎሚ ወይ ፍጹም’ሉ ከኣ ተሰኡ ንህድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ክጸምድ ዘበራብር እከይ ደውለ ከም ዘይሰማዕኻ ምጽቓት ሳዕቤናቱ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ክንዕወት’ና

ዜናን ሓበሬታን

ውድብ ሓድነት ንደሚክራሲያዊ ለውጢ

1 ነሓሰ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.