“ድምጺ ፍትሒ ይሃምም ኣሎ፡ ሃየ ህዝቢ ተዳሎ”

ድምጺ ፍትሒ ይሃምም ኣሎ፡ ሃየ ህዝቢ ተዳሎ”

ካብ ዓሚ፡ ሎሚ፡ ተቃውሞ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብዓይነቱን ዓቐኑን እንዳሰሰነ ይኸይድ ኣሎ። ብሓደ ረፍዲ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ሓደ ክመጽእ’ኳ ድሌትን ባህግን ኩሉ እንተዀነስ፡ ደጊም ንባህግታቱ ዘረጋግጽ ዓብይ ተስፋ ይረአን፡ ይንበብን ይስማዕን ምህላው፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ብቀሊሉ ክሕለፍ ዘይብሉ መድረኽ ቃልሲ ተበጺሑ ኣሎ። ነዚ ሓያል ቃና ሓድነት፡ምትሕብባር፡ ምድግጋፍ ዘልዕል ዘሎ እዋናዊ ጭርሖታት ደራኺ ሓይልታት ሰላምን ደሞክራስን ንዓወት ገጹ ይገማገም ከም ዘሎ ብምርዳእ፡ ንውዲታት ሽጣራታት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ በታቲኹ፡ህዝባውን ሃገራዉን ጉዳዩ ኣብ’ቲ ዝደለ ዕላማ ከብጽሖ ካብ ኩሉ ሃገራዊ ዝጥለብ ህድኣትን ዓቕልን ምስትውዓልን’ዩ።

ደጊም ክመቲ ደጋጊምኩም ዝሰማዕኽምዎ ቃል ማሕተት መራሕቲ ውድባት ፖሊቲካውያን ሓይልታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት ይኣክል፡ ምሁራት፡ ውልቀ ሰባትን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ዝግበርዎ ዘለዉ ዘይሕለል ተጋድሎ ንፍትሒ ተደማሚሩ፡ ኣብ’ዚ ሓጺር ግዜ ንህግዲፍ ካብ’ቲ ዝነዝሖ ዝነበረ መርዛም ሓበሬታ ካብ መራኸቢ ብዙሓት ስዒሩ ገሊልዎ ይርከብ። እዚ ቀዳማይ መድረኽ ዓወት ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ኣብ ታሪኽ ዘመዝገቦ፡ ነቓዕ ከይርከብን ብዝተፈላልየ ምኽኒት ንቃልሲ ዝዓናቕፉ ይኹኑ፡ በቶም ብህግዲፍ ተላኢኾም ንዓና መሲሎም ክፈላልዩና ዝፈታትኑ ካብ ማእከልና ብምውጋድ ንዝተረኽበ ዕውት ስርሓት ክንዕቅቦ ይግባእ።

ህዝብና ብሓንቲ ቃና ፍትሕን ሓርነትን ኣብ ዝጭርሓሉ ዘሎ መድረኽ፡ ኣብየ ኵርናዕ ዓለም ዘለዉ ብውልቀ ይኹን ብዝተወደበ ኣብ ማሕበራዊ መራኺቢ ብዝሓት ኤርትራውያን ብሓደ ቃና ንፍትሒ ዘድምጽን ዝሰርሕን ዘሎ ነቲ ቀንዲ ክንከላኸለሉን ክንጣበቐሉን ዝግብኣና ኣጽዋር እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ብምትሕብባር መላእ ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ከኣ ”ይኣክል” ሰሜን ኣሜሪካ ብኮሮና ቫይረስ ንዝተጠቕዑን ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነበርቲ ሃገር ኢትዮጵያ፡ሱዳን፡ሊብያ ዝገበሮ ዓብይ ኣበርክቶ ከም መጀመሪያ ተልእኾን ሓድሽ ተሞክሮን ቅጽበታውን ቅልጡፍን ደገፍ ውጽኢት ዝተረኽበሉ ኣሰራርሓ ምፍጻሙ ኣብ ገደል ኮይንካ፡ ኣብ ገደል ንዘሎ ሓውኻን ሓውትኻን ክትሕግዞ መስተንክር ስርሓት ኤርትራውያን ብምክያዱ፡ ክንዮ ግፍዕን ጭቆናን ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝኸይድ፡ ንሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ደሞክራስን ዝዓለመ ስርሓት ምንጻፍ መጻኢ ባህጊ ኤርትራውያን ምዃኑ ዘመስከረ’ዩ።

ብዕለት 6 ነሓሰ 2020 ኣብ ሃገር ዓባይ ብርጣኒያ፡ ብዕለት 8 ነሓሰ 2020 ኣብ ሃገር ሰ.ኣሜሪካ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ንህግዲፍ ዘቃልዐ ኣዝዩ እዋናዊ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንባዕሉ ኣብ ሓደጋ ለበዳ ሕማም ኮሮና ባይረስ እንዳነበረ፡ ንህዝቡ ከድሕን ዝኽፍል ዘሎ መስዋእቲ  ብቀሊሉ ክግመት ዘይክእል ዝካየደ ዘሎ ዕቱብነት ቃልሲ ንፍትሒ ኣገዳሲ መርኣያ’ዩ።

ደጊም ”ድምጺ ፍትሒ ይሃምም ኣሎ፡ ህዝብና ተደሎ” ነዚ ብኩሉ መዳያቱ ተረኺቡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዕዉት ቃልሲ ደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ንህላውነትና ኣድሕና ብክልተ እግርና ደልዲልና ረጊጽና፡ መድሕን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኮይና ክንርከብ፡ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ዓወታት ከይኣጋነና ክናብዮን ክንሕብሕቦን ግቡእ ሓላፍነትና ክንወስድን፡ እጃምና ኣብ ቃልሲ ከነበርክትን ንባዕሉ ምስ’ቲ ንፍትሒ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ማዕረ ማዕረ ክረአ ክሕሰበሉ ዝግባእ ይመስል። እዚ ብቀጻሊ ግብሪ እንተደኣ ተሰሪሕሉ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንዕዉት ውሽጣዊ ቃልሲ ዝዕቅብ፡ ንግዳማዊ ውዲታት ህግዲፍ ዝኸሽፍን ዘቃልዕን ኮይኑ ንዓወት ዘምርሕ ጎደና ኣብ ኢድ ዋንኡ ክምለስ ምዃኑ ብዘየጠራጥር መስርሕ ጉዕዞ ክድምደም እንሆ ሓድነት ማዕረ ክንደይ ሓይሊ ከም ዘለዎ ንምስክሮ እዩ።

ተነጻጺልካ ዝካየድ ቃልሲ ንረብሓ ማምን ከም ዘይኮነ ተሞክሮ 27 ዓመታት ምሂሩናን፡ መለበሚ ክዀነናን ዘኽእለናን፡ ስቓይና ብእፎይታ፡ ግፍዒ ጭቆና ብፍትሒ፡ ጽልኢ ብዕርቕን ሕድገትን ተኪእና ንርታ ብሰላም ክነብረላ ንብህጋ ሃገርና ”ሎሚ ብማዕዶ ጽባሕ ብግህዶ” ንህንጸት ልምዓት ሃገር፡ ንፍትሓዊ ሰላምዊ ምሕደራ፡ ሰናይ ነባሪ ጉርብትና ክንሃንጽ ንኩልና ዝሓይሽ ስርዓት ክትከል ዘክእለና፡ ካብ ርሑቕ ዝሃምም ድምጺ ሰላምን ፍትሕን፡ ነጋሪት ክንሃርመሉ ዝግባእ፡ ቀዳማይ መድረኽ ተዳሎ በጺሕና ኣለና። እዚ ከኣ ህዝብና ክዓስሎ ዘለዎ ኣገዳሲ መድረኽ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ መቐያይሮ እዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታን ሓደለ

9 ነሓሰ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.