ህግዲፍ ንረብሕኡ ዝተበታተኾ ማሕበራዊ ዝምድናታት ህዝቢ፡ ደላይ ፍይሒ ይኣሳሰር ኣሎ። ርእሰ ዓንቐጽ ሓደለ

ህግዲፍ ንረብሕኡ ዝተበታተኾ ማሕበራዊ ዝምድናታት ህዝቢ፡ ደላይ ፍይሒ ይኣሳሰር ኣሎ።
ርእሰ ዓንቐጽ ሓደለ
13 ነሓሰ 2020
ገዛኢ ስርዓት፡ሰራዊት ኢትዮጵያ ብክቡር ዋጋን መስዋእትን ተሳዒሩ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተንጠልጠለ ክፋእ ሰርብን ደመናን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ንውልቓዊ ስልጣን ንምድልዳል ዝተጠቕመሉ መደናገሪ ሜላታት ብዙሕ ተሰሪሕሉ’ዩ። መሬት ብእዋኑ ህዝቢ ብምድህላል ገና በረኻ ዝወፈሩ ዓዲ ከይኣተዉ ምልካዊ ግንቢ ንምህናጽ ንምስላጥን ሓደ ሸነኽ፡ ህዝብና ካብ 50ታት ኣትሒዙ ንዝተቃለሰሉ ሓድነታዊ ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ከይቅድሞን ከይስዕሮን ብምጉያይ ካልኣይ ሸነኽ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ነታ ዓይኒ ሃገር ዝኾነ ስድራ ቤት ንምፍራስ ብሓምለ 1994 ልምዓት ህንጸት ሃገር ብዝብል መደብ ኣሳቢቡ ቀዳማይ ወፍሪ መንእሰያት ጀሚሩ። እዚ ዓይነት ኣካይዳን ምሕደራ ህግዲፍ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝነበረ ህዝብና ዝተጸበዮን ዝተዳለወሉን ኣይነበረን። ኮይኑ ግን ብክቱር ናፍቆትን ብሃንቀውታን ብሂወቶም ካብ በረኻ ዓዲ ቤቶም ክኣትዉ ንዝጽበዮም ዝነበረ ኣቦታቱ ኣደታቱ፡ ኣያታቱ ሳንዳታቱ ናፍቆቶም ከይወድአ በዚ እከይ ተግባራት ተቆጸዩ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎኦም ወለዶታት ክፍጠሮ ዝኽእል ሓያል ነባሪ ስድራ ቤታውን ሃገራውን ዝምድናታት ንምብትታኹን ንምብጥጣሱን፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሓሉ ነበረ። ህግዲፍ ብዙሕ ከይጸንሐ ከኣ ዋርሳይ ዶ ይኸኣሎ ብዝብል ስም ኣፈላልይ ብምፍጣር ኣብ ቃልሲ ንዝጸንሐ ነባር ተጋዳላይ፡ መጻኢ ወለዶ መንእሰይ ኤርትራ ብሓድሽ ስም ኣጠመቆ። እቲ ዝኸፍአን ዝገደደን ኩነት ከኣ እቶም ርኹባት ይኹኑ ስኡናት ዓቕሚ ገዝኦምን ንብረቶም ብዘየገድስ ብልዑል ፍቅርን ሓልዮትን ኣብ ትሕቲ ሙውቕቲ ስድራ ቤቶም ብሓልዮ ኾስኵሶም ንዝዓብዩ ዝነበሩ ውሉዶም መንእሰያት ብሓይሊ እንዳተመንጠሉ፡ ኣብ ኣተሓሳስብኡን ትጽቢቱን ዘይነበረ ግዳይ ሕውስዋስ ስልጠና ወታሃደራውን ኣካዳሚያውን ትምህርቲ ስውር መደብ እንሆ ደጊም 27 ዓመቱ ኮይኑ፡ ኤርትራዊት ስድራ ቤት ብግብሪ ተበታቲና ክትነብር ገይርዋ።
ኣብ’ዚ ውሽጢ ደልሃመት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ገዛእ ነፍሱ ኣብ ሞጎተ ጥሒሉ፡ ምውሳድስ ይውሰድዎም፡ ታዕሊም ወዲኦም ትምህርቶም ዛዚሞም፡ ንሰላምዊ ዝኾነት ሂወቶም ክመርሑ፡ ተማሂሮም፡ሰሪሖም፡ ንህዝቦምን ሃገሮም ከገልግሉ፡ ክንዲ ሰብ ምስ በጽሑ፡ ክመስሉ ክወልዱ ክዝምዱ፡ ዝብል ሕልሚ ንኮንቶ ኮነ። ዝሓለፈ መሪር ኵናት ተጋድሎ ንነጻነት ኤርትራ ስምብራቱ ከይጠፍአ ከኣ 1,2,3,4 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደማምሪካ ንዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ወፊሩ ንህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ስነ ኣእምሮኣውን ጭንቐት ኣስዓበሉ።
እዚ ዓይነት ኣገባብ ምሕደራን ኣካይዳን ንማሕበራዊ ዝምድናታት ኤርትራ ዝበታትኽን ዝበጣጥስን ሕጊ ኣልቦ ዝኾነ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ነቲ ኣብ ሃገር ኤርትራ ዝወረደ ከቢድ ዕዳ ስድራ ቤት ክስከምዎ ብምግባር፡ ስድራ ቤታት ዝገጠመን ሽግራት ጉዳይ ሃገር ኤርትራ ዘንቀሎ ክነሱ ከም ውልቃዊ ስድራ ቤታዊ ሽግር ክቅበልኦ ዘገደደን ምትብትታኽ ማሕበራዊ ዝምድናታት፡ ምስ ዝቀረበን ዝረሓቐን ጉዳዮም ኣልዒሎም ክዛረብሉ ከም ዘይክእሉ ገበረ። ኣብ ሓደ ዝተበታተኸ ዝምድና ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ከኣ ብእምነት ጸገምካ ተካፍሎን ትምኸኻረሉን ክህሉ ንስለ ዘይክእል፡ ብዛዕባ ጉዳይካ ምዝራብ ከም ሕፍረት ክቁጸር ስምዒታት ከም ዝሓድሮ ገበረ።
ማሕበራዊ መራኸቢ ህግዲፍ ከኣ ሃገር እንዳበለ ንስድራ ቤታት ኣጸሊሉ፡ ካብ ስድርኦም ንዝመንጠሎም መንእሰያት ባዕሉ ህግዲፍ ከም ዝወለዶም ክመስል ብጅምላ ሓንቲ ዓይነት ታርጋ ለጢፉ፡ ድሌቶምን ባህጎምን ተስፋታቶምን ኣምኪኑ ርእሶም ኣድኒኖም ከም ዝኸዱ ገበረ። ንጹሃት መንእሰያት’ውን ልዕሊ ዓቕሞ ዝኾነ ዘትፈልጥዎ ጉዳይ ንምእንቲ ድሕነቶም ዋላ እቶም ብሓደ ዝወፈሩ መሓዙትን ኣዕሩኽ ብኣረሜናዊ ህግዲፍፋዊ ኣተሓሳስባ ተሰናቢዶም ርዒዶም ዝመስሎም ኣማራጺ መንገዲ ክወስዱ ክሳብ ዝግደዱ ክፈላልዩ ዝገበረ ስርዓት’ዩ።
መንእሰያት ሓንቲ ሃገር ኣገልግሎት ክፍጽም ግቡእ’ዩ። ኩሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግን ምስ ወታሃደራውን ኵናትን ዝተኣሳሰረን፡ ገድብ ግዜ ዘይብሉ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብዝተፈላልየ ሞያ ኣብ ህንጸትን ልምዓትን ምስታፍ እውን’ዩ። ኣካይዳን ምሕደራን መላኺ ስርዓት ግን ንልዕሊ ሓደ ርብዒ ክፍለ ዘመን ዝሓለፈን ገና ዝቕጽል ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ሃገርና መርኣያ ምብትታኽን ምብጥጣስን ማሕበራዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። እዚ ከኣ’ዩ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ንዝወረዳ ኣደራዕ ምሕደራ ህግዲፍ ንበይና ኣብ ገዝኣ ተዓጽያ ክትቝዝምን፡ ክትበኪ ዝገብራ ዘሎ።
ሎሚ ከኣ’ሞ ምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ተወሲኽዎ፡ ህዝቢ ነቲ ዝነበረ ድኹም ዝምድናታቱ ፈጺሙ ላሕሊሑ ከም ዝብተኽ፡ ገገለ’ውን ፈተውቲ ኣዝማድ ከም ዘለዉዎ ንምርሳዕ ገጹ ዝኸደሉ ዘሎ መድረኽ ተበጺሑ ኣሎ። ብሓቂ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ወቕቲ ሰቦም ዝደልዩ ውሑዳት ዘይኮኑ መንእሰያት ኣነ ወዲ ሓውኻ’የ፡ ኣነ ወዲ ሓውትኻ’የ፡ እንዳበሉ ዘመዶም ሃሰውሰው ኣብ ምባልን ምድላይ ዝርከበሉ ህጻናት ውጽኢት ጨካን ተግባራት ህግዲፍ’ዩ።
ነዚ ሓደገኛ ተርእዮ ህዝቢ ኤርትራ ግን ቀስ ብቀስ እንዳተቐየረን፡ ነቲ ብመላኺ ስርዓት ተበታቲኹ ዝነበረ ማሕበራዊ ዝምድናታት እንዳላገበን እንዳተኣሳሰረን ናብ’ቲ ንቡር ሓልዮትን ሓላፍነትን ዘለዎ ሃገራዊ ስምዒት ክመልሶ ዝኽእል ሓድሽ ተስፋ ዝህብ ስርሓት ተቀልቒሉ ብርሃን ባና ሓርነት ብማዕዶ ይረአ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ብማሕበራት ተጠርኒፉ፡ ንሕና ንሶም ዘይኮነስ ብሓንቲ ቃል ንሕና ደለይቲ ፍትሒ እንዳበለ ስግር ውቕያኖሳት ዓለማት ክዛመድን ክጠራነፍን ይቃለስ ይጽዕር ኣሎ። ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ደረጃ ንጽል ኣተሃላልዋ ውድባዊ ሰልፋዊ ወጺኡ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ብዝብል ተጸዊዑ ንህዝባውን ሃገራውን ፍታሕ ንምርካብ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ቃልሲ ይርከብ ኣሎ።
ደጊም’ቲ ንህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ክድህኾ ዝጸንሐ ፈላላዪ ሜላን ምስጢራቱ ነቒሕሉን ፈሊጡን ኣንጻሩ ተላዒሉ፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምዕቓብ ይግስግስ ኣሎ። ጸገም ሓንቲ ስድራ ቤት ኤርትራ ጸግም መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምኳኑ ፈሊጡ ብዓውታ ክዛረበሉ ጀሚሩ። ተግባራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኩሉ ብብዝከኣሎ ንጽጉማት ክሕግዝ፡ እንተዘይኪኡሉ ክመክር ክምዕድ ኣብ ዝበረኸ መድረኽ ኩሉ እንተናዊ ቃልሲ ይስጉም ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ዝኽሪ ጀጋኑ ስውኣትና፡ መዓልቲ ነጻነትና ነፍሲ ወከፍ ስድራታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ወጺኦም ሕሉፍ መሪር ቃንዝኦም፡ ህሉው ኵርዓቶምን ሓበኖም ዝገልጹ ስድራ ቤታት ነቲ ብህግዲፍ ዝተበታተኸ ማሕበራዊ ዝምድናታት ንምትእስሳሩን ንምህናጹን ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሃገራውያን’ዩ። እዚ ኣገዳስን ኣድላይን ኣብ መብዛሕትኡ ሓደ ዓይነት ተሞክሮ ዝሓለፍዎ ማለት ተመሳሳሊ ግፍዕን ጭቆናን ዝሕለፋ ስድራ ቤታት፡ ጉዳይ ሓንቲ ስድራ ጉዳይ መላእ ሃገር ኤርትራ ምዃነን ፈሊጠን ምልኪ ንምእላይ ንሓባራዊ ቃልሲ ዝብገሳሉ ደረጃ ምብጽሑ’ዩ። እዚ ከኣ መላኺ ስርዓት ዝበጣጠሶን ዝበታተኾን ማሕበራዊ ዝምድናታት፡ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ነዚ ሓደገኛ ተርእዮ ኣብ ንቡር ሂወት ዜጋታት ንምምላሱ ንምትእስሳሩ እኳ ደኣ ኣብ ሓጺር ግዜ ነዊሕ ኣውንታዊ ጉዕዞ ሰጉሙ ዝርከበሉ እዋን ደሞክራሲያዊት ፍትሓዊት ቅዋማዊት ሃገር ንምህናጽ’ዩ። እዚ ከኣ መባእታዊ ፍታሕ ንፖለቲካዊ ቅልውላው ሃገርና ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን።
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና
ዜናን ሓበሬታ ሓድነት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
13 ነሓሰ 2020
You must be logged in to post a comment.