ደላይ ፍትሒ ህዝብና ግዳይ ማሕበራዊ መራኺቢ ብዙሓት ከይኸውን ክጥንቀቕ ይግባእ፡

ደላይ ፍትሒ ህዝብና ግዳይ ማሕበራዊ መራኺቢ ብዙሓት ከይኸውን ክጥንቐቅ ይግባእ፡
ዓለምና፡ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብን ዝመርሓሉ ቅዋማውን ትካላውን ኣሰራርሓ ኣለዎ። ይኹን’ምበር ኣብ ትግባረ ቅዋማውን ትካላውን ክህሉ ዝኽእል መንግስታዊ ኣሰራርሓ ብዲሞክራሲያዊ ወይ ዲክታቶሪያዊ ኣተሓሕዛ ይልለዩ። መለኽቲ ስርዓታት ነቲ ዘይጸዓርሉን ዘይደኸምሉን ስያመ ዲሞክራሲ ንምርካብ፡ ትርጉም ዘይብሉ ወረቓቕቲ ኣብ ሳንዱቕ ብምእታዉ ዲሞክራሲያውያን’ና መሰል ህዝቢ ንሕሉ’ና እንዳበሉ ዝንየቱን ዝኾርዑን ጥራሕ ዘይኮነ ከም ቅኑዕ ህንጻ መንግስቲ ኣበርቲዖም ዝሰርሕሉ ኣለዉ። ልክዕ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት ከኣ ብተመሳሳሊ ኣብ’ታ ዘለዋ ስልጣን ተሓቢኡ ኣብ ዞባታትን ዶ ንኡስ ዞባታት ምርጫታት ኣካይድና እንዳበለ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብን ትካላቱን ሓንቲ ለውጥን ዕብየትን ከይገበረ ብምትላል ዝነበር’ዩ።
ብቅዋምን ትካላውን ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓን ኣካይዳን ኣማዕቢለን ዝናበራ ሃገራት ካብ’ቲ ንቡር ቅርጺ ሓደ መንግስቲ ማለት ሓጋጊ፡ፈጻሚ፡ፈራዲ ኣካላት ዝባሃል ንላዕሊ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘለዎ ልዑል ግደን ኣበርክቶን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ነተን ሰለስተ ክፋላት ወይ መደባት መንግስቲ ብምውድዳር ከም ራብዓይ ቅርጻ መንግስቲ ዝፍለጠሉ መዋእል’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ዲሞክራሲያውያ ን ሓይልታት መሰል ምጽሓፍን ምዝራብን ኣካል መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ብምእማን፡ ሰፊሕ ህዝቢ ርእይቶኡን ሓሳቡን ብጽሑፍ፡ብድምጺ፡ ብተንቀሳቓሲ ፊልም ቀሪጹ ክገልጽ፡ክዝርግሕ ብሕጊ ክፍለጠሉ ኣብ ቅዋም ብምስፋር፡ ኣብ’ዚ ንርከበሉ መድረኽ ብዝተፈላልየ ኣገባብ መራኸቢ ብዙሓት ንምስፍሕፋሕ ዝሓገዘ ኣካል ኣድማሳዊ ቅዋማዊ ሕጊ ክውን ገይርዎ።
ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት፡ ንመንግስታት ወይ ሰበ ስልጣን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝቢ ንዝረአ ኣሉታዊ ተግባራት ብምግላጽ የቓልዑ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ሓደ ሕብረተ ሰብ ክህሉ ዘለዎ ኣካይዳ ቅጥዒ (Ethics)ግብረ ገብርነት (Moral) ሕልና (Conscience) ሰብኣውነት (Humanity) የስተምህሩ። ሕጊ ፕረስ ጽኑዕ’ኳ እንተኾነስ፡ ኩሎም ጋዜጠኛታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ዝነጥፉ ብሓደ መስመር ዝጓዓዙ’ዮም ምባል ኣጸጋሚ’ዩ። ብፍላይ ከኣ ቅድሚ ሃገርን ህዝብን ንረብሓ ገዛእ ርእሶም ዘቀድሙ ዕሱባት ጋዜጠኛታት ቅኑዕ ሓበሬታ ንህዝቢ ከመሓላልፉ ኣይከኣልን።
መለኽቲ ስርዓታት ከኣ ዝተዓሰቡ ጋዜጠኛታት ከም ቀንዲ መሳርሕቶም ርእዮም፡ ብቀንዱ ኣንጻር’ቲ ሃገራዊ ቅዋም ዝሰርሕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጽምዎ እከይ ተግባራት ንኸይቓላዕ፡ ባዕላቶም ንህዝቢ ርእይትኡ ክገልጽ ክጽሕፍ ክዛረብ ዘይፈቐዱስ፡ ኣብ’ቲ ብሳላ ደሞክራስያውያን መንግስታት ዝተተኽለ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ሰሊኾም ብምእታው ንሰባት ከም ዝጠራጠሩ፡ ከም ዝደናገሩ፡ ከም ዝበታተኑ ይገብርዎም።
ኣብ ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ዝረአን ብዙሓት መጠንቀቕታ ክህብሉ ዝጸንሑን ዘይከሓድ፡ ሰልኵ ደገፍቲ ስርዓት ህግዲፍ፡ ንብርቱዕ ቃልሲ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ንምድኻም፡ ንመንእሰያት ከም ዝጠራጠሩን፡ ከም ዝደናገሩን ንምግባር ይሰርሕሉ ምህላዎም’ዩ። መብዛሕትኦም ሽም ብርዒ ብምጥቓም ከም ደላይቲ ሕግን ፍትሕን መሲሎም፡ ኣብ ዝተጓሃሃረ ቃልሲ ንፍትሒ ዘይእዋናዊ ሕቶታት ብምልዓል፡ ንገገለ ምንቅስቓሳት ብኣውራጃን ሃይማኖትን ብምኽሳስ ፍሉይ ኣስማት ብምጥማቕን፡ ንወግዒ ቃልሲ ህዝብና ክበታትኑ ይጽዕሩ።
ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ከኣ ኩሉ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ዝጭርሕ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ፈሊጡን ተረዲኡን፡ ኣብ ንህዝቢ ዝዝርጋሕ ሓበሬታታት ብምስትውዓል ብግቡእ ከምዝኖ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ነቶም ግናያት ማዕከና ክኹንኖምን ይግባእ። ንባዕሉ ሓደ ገርሀኛ ደላይ ፍትሒ፡ ዘይእዋናዊ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንህዝብና ዝጎድእ ሓድሽ ሓበሬታ ተረኺቡ ብምባል፡ ንህዝቢ ምዝርጋሕ (share) ንባዕሉ ዝጎድእ’ምበር ዘርብሕስ ኣይኮነን።
ምእንቲ’ዚ ህዝብና ግዳይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ከይኸውን፡ ንዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብዝወሓደ ጉድኣት ዓብይ ኣስተዋጽኦን ዓወትን ክረኽበሉ፡ ነዞም ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘይብሎም ምስ ደለይቲ ፍትሒ ተጸፍዮም ን መላኺ ስርዓት ዘሳስዩን ዘገልግሉን ዘለዉ ጸጽዩ ክጉሕፎም ጥራሕ’ዩ ዘለዎ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክንዕወት’ና
ዜናን ሓበሬታ ሓደለ
20 ነሓሰ 2020
You must be logged in to post a comment.