ናጽነት ማዕርነት (Freedom and Equality)

ናጽነት ማዕርነት (Freedom and Equality)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ናጽነትን ማዕርነትን ካብ ዘመናት ኣትሒዘን ብጹዑቕ ዝተማጎተለነን ጌና እዉን ዝማጎተለን ዘለዋ ናይ ማሕበራዊ
ፍልስፍና ምዃነን ደጋጊሞም ፈላጣት ይዛተይሉን እዮም፡፡ ከም ዝብልዎ ከመይ ጌርካ ኣብ ባይታ ፖለቲካን
ቁጠባን ማሕበራዊ ናብራን ተዋሃህዶ ዝብል፣ቀሊል ስለ ዘይኮነ ብጣዕሚ ጻዕርን ፍልጠትን ተሞክሮን
ከምዘድልዮ’ዉን የትንብሁ ፡፡
ኖርበርቶ ቦብዮ(Norberto Bobbio) ከም ዝገመቶ ናጽነት መበትን ናይ ተፈጥሮ ህያብ ወድሰብ፣ኮታ ናይ ግሊ
ዋንነት ተፈጥራዊ ብልጫ ክኸዉን ከሎ ማዕርነት ክኣ ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባት ዝግበር ርክብ ወይ ናይ ሓባር ናብራ
ንምክያድ ዝጠቅም ብቓልሲ ዝራጋገጽ ፍረን መበትን ምዃኑ ከብርህ ከሎ፡ክልቲኤን ኣምር እቲ ዝላዓለ ስነሓሳባዊ መስርሕን ከመይ ጌርካ ግብራዊ ትገብሮን ጉዕዞ ቃልስን ዝስዕቦ ህዝባዊ ምምዋልን’ዩ ዘመስክሮ ኢሉ
ይምህር፡፡
ካርል ፖፐር(Karl Popper) ነዚ ስነ-ሓሳብ ኣልዒሉ ክማጎት ከሎ፣እቲ ቀንዲ ኣገዳሲን ቅድም ክትጭብጦ ዘለካ
ናጽነት እዩ፡፡ ምኽንያቱ ማዕርነት ድሕሪ ናጽነት ዝመጽእን ኣብ ንቕሓትን መሰል ንምሕታት እትበቕዓሉ ባይታ
ምስ እትፈጥርን ኢሉ ትንታንኡ ይቕጽል ፡፡
ከምዚ ንመእተዊ ኢልና ብዓበይቲ ፍላስፋታት ዝጀመርናዮ ምኽንያት፡ኣብዚ እዋን እንኻታተሎ ዘሎና ዘተን
ሞጎትን፣ኣብ ደምበ ፍትሒ፣ ሓድነትዶ ሓቢርካ ምስራሕ ? መን ቀዳምነት ክዋሃብ ኣለዎ ብዝብል ኣራኣእያ፣
እተን ንምቅርራብን ሓቢርካ ንምስራሕ ህርድግ ዝብላ ዘለዋ ውድባት፣ከምኡ’ዉን ህዝባውያን ምንቅስቓስት
ይኣክል፡ዝወስድዎ ዘለዉ ግዚ፣ ምስ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ኣይ-ሞት ኣይ-ሕየት ኣማዛዚንካ ክትርእዮ ከለኻ፣
ብሓቂ ዘሕስብ ጥራይ ዘይኮነስ፣እንታይ ክግበር ኣለዎ ንዝብል ሕቶ፣መልሲ ንምርካብ፡ኩሉ ንፍትሒ ዝቃለስ
ዝብል፣ብዘይ ድቃስ ዘሕልፎ ዘሎ ሂወቱ ኮይኑ ይስማዓና።
ብወገና ነቲ ዝግበር ዞሎ ጻዕሪ ናብ ሓባራዊ ስርሓት ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ግብራዊ ንምዃን፣ንዝተፋላለያ ሓይሊ
ዕማማት ስርሐን ከካይዳ ኣብ ርእሲ ምግባር፣ንእዋናዊ ጠለብን ድልየትን ህዝቢ፣ ህጹጽ ዝገብሮ ንምምላስ፣ኣብ
ጎድንታቱ እትኸይድ ፍልይቲ ሽማግለ፡ኩሉ ካብ ደምበ ፍትሒ ዝሳተፎ፣ብዝበዝሐ መንእሰይ ዝዋሳኣሉ፣ንተበግሶ
ከም ናይ ሓርበኛ ኣርካን ተቓላሳይ መስፍን ሓጎስ ዝድግፍን ብዕቱብ ስርሐይ ኢሉ ዝሕዞ፡ኣብ ዝሓለፈ ጹሑፍና
መቕርብ ሽማግለ ኢልና ሰሚናያ ዝነበርና ክትህሉን፤ ድምጺ ናይ ኩሉ ደምበ ፍትሒ ዝህብ ሓደ ኣፈኛ ክህሉ
ኣብ ርእሲ ዉሑሉል ኣሳራርሓ፣ጡርኑፉን ኣጋባብ ዘለዎ መስርሕ-ዶ ኣይምኾነን ? ።
ከም ምርዳእና፣ እወ ይካኣል እንተ ደኣ ድልየትን ሓልዮት ህዝቢ ኣሎና ኮይኑ።ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣውራ
ተግባራውነት/ፕራግማውነት ናይ ኩሎም ሓለፍቲ፣ዓበይቲ፣ሱሙያት (elite) ካብ ውድባት፣ህዝባዉያን
ምንቅስቓስ ይኣክል፣ሲቪካውያንን ህዝባውያን ማሕበራት፣ሰብ ሞያ፣ ውልቀ ሓርበኛታት’ዩ ዘድሊ ዘሎ፡፡
ካብ (rhetoric) ጣቋ ወይ ጨለ ዘረባ ወጺእና፣ሕቶ ህዝቢ ንመልስ፤ ነታ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበት
ናጽነት፣ኣብ ሓደጋ ኣብ ትወድቀሉ ዘላ እዋን፣ ህዝብና ብሰንኪ’ዚ ደስቡጣ ስርዓተ ኢሳያስ፣ዝብላዕ እኽሊ
ዝስእነሉ፣ዝስተ ማይ ዘይረኽበሉ ዘሎ ህሞት፡ኣብ ትጽቢትን/ሕልናን ምዕራብ፣ይርከብ ምህላዉ እናዘከርና፣ካብ
ሸሓጢ-ፖለቲካ(demagogy) ወጺእና ፡ኣብ ተስፋ ዝረኽበሉ ርእሱ ሓፍ ዘብለሉ እምቢ ን-ምልኪ ዝብለሉ፣
ከምዚ ጽዊዒት ናይ ሓርበኛ መስፍን ሓጎስ፣ ንሕና’ዉን ኣብ ጎንኻ ኣሎና ክንብሎ፣ብሓደ ኣፈኛ(spokesmanwomen) ቃል ናይ ኩሉና ዝዛረብን ዘብጽሕን፣ብግብሪ ክኣ ንዋታዊ ደገፈታትና ዝበጽሓሉ ሃሰስ ክንብልን
ስልታት/ስትራተጂ ክነድፍ ይግባእ።
ኣብ ሞንጎ ድልየትን ባህግን ትምኒትን ተግባርነትን ዘሎ ዓቢ ጋግ ይርኣየና’ኳ እንተኾነ፣እንተ ደኣ ብንጹህ ሕልናን
ልቦና ዝመልኦ ኣጋባብ ተኸቲልና፣ቅድሚ ኹሉ ሃገርን ህዝብን ሰሪዕና፣ ንኹሎም ፈላጣት፣ሰብ ተሞክሮ፣ሰብ
ሞያ ፣ ሰብ ጸጋን ብጉቡእ ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ክግበር ተበቒዑ፣እቲ ሕልሚ ናብ ጋህዲ፣እቲ ትምኒት ናብ
ተግባር፣ እቲ ባህጊ ናብ ዑዉት ስራሕ፣ክልወጥ ከም ዝኽእል ታሪኽ ይምህረና ጥራይ ዘይኮነስ፡ኣቦታትና’ዉን
ዓቢ ውርሻ ገዲፎሙልና/ሂቦሙና እዮም፡፡
ኣብነት ንምጥቃስ፣ካብ ኣይንፋላለ ብምምልካት፡ኣብ ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ፣ጽምብል ቀርጺ ናጽነት
ኤርትራ(ቀ.ና.ኤ) ብ 31 ጥሪ ስጋብ 1 የካቲት 1950 ዝተኻየደ ሓበራዊ ዋዕላ፣ብርቱዕ መደረ ራእሲ ተሰማ
ዝተሰማዓሉ፡ኩሎም ኣብቲ ጉባኤ ቀ.ና.ኤ. ዝተኻፈሉ ጉሉጽነት ዝመልኦ ብዘይ ቶግላብነት ርእይቶኻ እትህበሉ
ከም ዝነበረን፣ናይ ሓባር ምውህሃድን ምስምማዕን ከም ዝተወደኤን፣ኣብቲ ናይ መን ይምርሓና ዝብል መድረኽ
ምስ ተበጽሐ፣ብልቦና ዝመልኦ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፣ሃናጺ ምኽሪን ምዕዶን ንመንእሰያት ኣብ ርእሲ ምሃብ፣
(ከምዚ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ብሓርበኛ ተቃላሳይ መስፍን ሓጎስ ዝውሃብ ዘሎ)፣ብዛዕባ ንመሪሕነት ዘርኢ ኣጋባብ
(turn)ዞረ፣ሓደ ዓመት ን-ኣማኒ ክርስትና ሓደ ዓመት ን-ኣማኒ ምስልምና ክካናወን ሓስብ ስለ ዘቕረቡ፣ ናይ
ብሙሉኣቶም ተቐባልነት ረኺቡ፡ራስ ተሰማ ቀዳማይ ፕረሲደንት ክኾኑ ተመርጹ፡፡
መጽሓፍ ታሪኽ ኣይንፋላለ ኣስፊርዎ ዘሎ ብምጥቃስ “ እቲ ኣብ ጉባኤ ተኣኪቡ ዝነበረ ወካሊ ካብ መላእ
ኤርትራ ስለ ዝተዋጽአ ዳርጋ ኩለን ቋንቛታትን ሃይማኖታትን ኤርትራ ተወኪለን ነበራ። ምስ ክብደት ናይቲ
ፕረሲደንት ናይ ምምራጽ ሕቶ፣ነዚ ዝመስል ሱሙር ድለትን ውሳኔን ክርአ ቀሊል ጉዳይ ኣይነበረን፣ብቐሊሉ’ውን
ኣይተወስደን። ነዚ ኣመልኪታ ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ ‘’ ናእዳ ዝግብኦ ህዝቢ እዩ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡
ነዚ ዝስዕብ ሕጡብ ኣስፈረት፡፡
ህዝቢ ኤርትራ፣እቲ ብእኩይ ዝኾነ ወጻእተኛ ማይ-ብሑቕ ዘይመጸጸ ኡነተኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ብውርዝነት
ብኣእምሮን ሓለፋ ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ እናተገልጸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብተን ምሁራትን ስልጡናትን ዝብሃላ ዓበይቲ
ሃገራት ዓለም’ኳ ንባይቶ ዚመርሕ ሰብ ክምረጽ ከሎ፣ ክንደይ ዚኣክል ገንዘብን ስብከትን ክኣ ይጠፍእ።ኣብዚ
ኣብ ሞንጎ ጭዋን ወርጃን ዝኮነ ህዝቢ ኤርትራ ግን፣እሞ ክኣ ኣብ ማእከል ሰይጣናዊ ዝኾነ በብዓይነቱ
መጻወድያታትን ተንኮልን ዘካይድ፡ከምዚ ዝበለ ዓብይ ነገር፣ብሓደ ዋዕላ፣ብሓደ ቃል፣ብሰላምን ብፍቕርን
ክወጽእ-ዶ ይኽእል። ናይ ሓደ ህዝቢ ስልጣኔን ዕብየት ማለት እዚ እዩ’ምበር ናይቶም ቦምብ ጌርካ ምልዮናት
ሰባት ብሓንቲ ደቒቅ ምጥፋእ ማለት ኣይኮነን፡፡ ስለ’ዚ እምብኣር ነተን ዓበይቲ መንግስታት ዓለም ካብዚ
ሒዶትን ንእሽቶይ ህዝቢ ኤሪትራ “ ውርዝነት ” ዚብሃል ሓዲሽ ቃል ኪምሃራ እንተ እንዕድመንስ ከም ድፍረት
ኮይኑ ዶኾን ምተቈጽረና ‘’ ? ክትብል ጺሒፋ ነይራ፤ ካብዚ እንምሃሮ እንተ ሃሎወና፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደምበ
ፍትሒ ዝዋሳእ ዘሎ ኤሊት ወይ መራሕቲ፦ውድባት፣ህዝባውያንን ሲቪካዊ ማሕበራት፣ሙሁራትን ሰብ ሞያን፣
ኣዋሃህድቲ ይኣክል ምንቅስቓስ፣ስለምንታይ ኣሰርን ውርሻ ኣቦታትና ክንክተል ዘይካኣልና፡እቲ ጸገም ዘይቡቑዓት
ምዃና-ዶ ኣይመስልን ? ፡፡
ኩቡራት ሓለፍትን ኣዋሃህድትን ውድባት፣ ህዝባውያንን ሲቪካውያን ምንቅስቓሳት፣ብፍላይ ናይ ይኣክል
ምንቅስቓሳት፣ኣብዚ እዋን’ዚ ውዓል ሕደር ዘይብሃለሉ ግዜ ስለ ዝኾነ፡ብሰንኪ ሓላፍነትኩም ናይ ጽባሕ
ተሓተቲ፣ኣብ ታሪክ ተመዝገብቲ ምዃንኩም ብምዝካር ከም ህጹጽነቱ፡ብኮሚሽናትን ሓባራዊ ስጉምትታት
ምውሳድን ዘየማትእ ህሞትን ጉዳይን ምዃኑ ኣይትረስዑ፡፡
ኣብ መእተዊና ብዛዕባ ንናጽነት ማዕርነትን ብወገን ኖርበርቶ ቦብዮን ካርል ፖፐር ዓበይቲ ፍላስፋታት ዝማሃርዎ
ኣብ መጠርሽታ ክልቲኦም ስነ ሓሳብ፡ክማሉኡ ዘለዎም መሰረታውያን ጉዳያት ኮይኖም፣ሙሉእ ደሞክራሲ ክህሉ
እንተ’ደኣ ኮይኑ ብሓላፍነት ክስራሓሎም ዘለዎም ምዃኖም፣ ኢሎም እዮም ትንታነቶም ዝድምድሙ፡፡
ኣቦታትና’ዉን ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን፣ሙሉእ ምውህሃድን ሲኒትን ዜጋታትና ውድበታትና ክህሉ
ከሎ’ዩ ዝራጋገጽ ዝብል ውርሻ ዝሓደጉልና፡፡
ዓቢ ፍላስፋ ሞንተስኩ እዉን፣ኣብ ጹሑፋቱ ን-ናጽነት ሃገርን ህዝብን በቢዓይነቱ መግለጺታት እኳ
ይዋሃቦ’ምበር፣እቲ ቀንድን ናቱ ክገብሮ፣ዘለዎስ ህዝቢ ክኸዉን ከሎ ኮይኑ፣ንምትግባሩ ዋናታት ተዋሳእቲ
መንእስያት ክኾኑ ከለዉን፣ምኽሪ ናይ ፈላጣትን፣ሰብ ተሞክሮን ክጥቀሙን ክቐምሱን፣ሰብ ሞያ ንስራሕ ከዋፍሩ
ምስ ዝኽእሉ’ዩ ዝብል ዘረባ ኣታንቢሁ ነይሩ፡፡
ኣብ መጠረሽታ ክንላበዋ እንደሊ እቲ ካብ ነዊሕ እንጽበዮ ዝነበርና ዓቢ ሓላፍነት ተሲኪሙ ዝተፋላለየ
ተበግሶታት ናይ ሓርበኛ መስፍን ሓጎስ፣ነቲ ንሳላሳ ዓመት ብናቱ መደባት ክንከይድ፣ብኡኡ ክንዛረብ እነሕልፎ
ዝነበረ እዋን ተሰጊሩስ፣ሕጂ ብወገን ደስቡጣ ስርዓተ ኢሳያስን ሰዓብቱን፣ ንዚመጽእ’ከ እንታይ ኮን ይግበር ወይ
እንታይ ዓይነት ተበግሶ ይውሰድ፣ብምባል ደድሕሪ ደምበ ፍትሒ ዘብ-ዘብ ዝብለሉ እዋን ክርአ ጀሚሩ።
ብሓጺሩ ኣጀንዳ ደምበ ፍትሒ እቲ ልክዕ ቦቱኡ ሒዙ ክባሃል ይካኣል። ተብግሶ ኣርካናትናን እቶም ሞተር
ፍትሒ ዝኮኑ መንእሰያትና ዝተዋሃሃደን ዝተኣሳሰረን ክኸዉንን፣ዘይተጸበዮ ስትራተጂን ስልትታትን ክካየድን፣
ንተበግሶን ጻዕርን መስፍን ሓጎስ፣ እቲ ዝግብኦ ኣድህቦን ምስኡ ዝዋሃሃድ ስርሓት ከነካይድ ይግባእ፣ጥራይ
ዘይኮነስ ቡሱልን ምስ እዋን ዝካየድ ዓቢ ፖለቲካ ከነካይድን፣ሓላፍነትና ክንስከምን እዋኑ ምዃኑ፡ጉቡኡናን
ግዴና ክንገብር’ዩ ታሪኻዊ ሓላፍነትና፡፡
ኩቡራት የሕዋት፣ኣብዚ እዋን’ዚ ብግሊ ዘይኮነስ ብ-ስታፍ፡ወይ ሰብ ዘንጊ ብምውዳድ እዩ ክስራሕ ዘለዎ ።
ኪኢላታትን ብቑዓትን፣ ሰብ ተሞክሮን ክንክበብን ንስራሕ ክዋፈሩሉ ዝካኣል ኣጋባብ ከነታኣታቱን፣ምስ እዋን
ክንቃዳደም’ዩ ጽዊዕትና።
ሕጂ’ውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር
ኣቕረብቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.