ዝኽሪ መበል 59 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ንነትጻነት ኤርትራ ሓደ መስከረም 1961 ፡

መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ብረታዊ ተጋድሎ ንነትጻነት ሓደ መስከረም 1961 ፡

ርእሰ ዓንቐጽ ሓደለ

ዝኽሪ መበል 59 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ታጋድሎና ንነጻነት መወዳድርቲ ዘይብሉ ዝለዓለ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቆፈ ታሪኻዊ ቆፎ’ዩ። እዚ ከኣ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ን30 ዓመት ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብረይ’ሉ ዘንተ ዕለት ዝውንኖ ዘመልክት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰላምዊ ፖሊቲካዊ ዘካየዶ ቃልሲ ልዑል ጻዕሪ፡ ንኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ዘቅረቦ ሕጋዊ ጥርዓናት፡ ሕቶታቱ ጸማም መልሲ ተዋሂብዎ ዓለም ገጽ ቀይሩ እንግድዑ ምስ ኣርኣየ፡ ህዝብና መተካእታ ዘይብሉ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ ክንዮ ፖለቲካ፡ ብሓይሉ ብጎነጽ ክፍትሖ ጽንዓት ተዓጢቁ ብመሪሕ ጅግና ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ተበጊሱ። ክሳብ ነቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ኣብ ሽቶ ዝበጽሕ ከኣ ዝተሰከሞ ኣጽዋር ዘይኮነ ጽንዓትን ትብዓትን ዝዓጠቐ ምንባሩ ኣመስኪሩ።

ብመሪሕ ጅግና ስውኣ ሓምድ እድሪስ ዓወተን ውድብ ተሓኤ ዝተወልዐ ሽግ ሓርነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፎ፡ ስዒቡ ዝተራእየ ምዕባለታት ሜዳ ምስ ምቅልቓል ህሓሓኤን፡ ህሓሓተሓኤ ብውሽጥን ብወጻእን ዝተወዓውዐ መቓልሕ ድምጺ ነጻነት ኤርትራ ንዓመጽ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ዳግማይ ክሓስብን፡ ኣብ ልዕሊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ዝነበሮ ኣረኣእያ ክግምግምን ገይርዎ’ዩ። እዚ ንባዕሉ ሓድሽ ተርእዮን ሜዳ ኤርትራ ንቀጻሊ ምቅይያር ሓይሊ ሚዛን ኣብ መንጎ ገዛእትን ተገዛእትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነይሩ ክበሃል ዘይከኣል ኣይነበረን። ነቲ ኣብ ድሮ ምብጋስ ተጋድሎ ንነጻነት ኩሉ መዳያዊ ደገፍ ዝተነፈጎ ህዝቢ ብዘርኣዮ ወኒ ቃልሲ ብጽንዓቱ፡ ብውሳኔኡ፡ ብቆራጽነቱ ዘመስከሮ ግብራዊ ፍጻሜታት ዝኸፈሎ መስዋእትን፡ ክሳብ ዝኾነ ይኹን ንድሕሪ ዘይምለስ ሃገራዊ ዕላማ ዘለዎ ሓይሊ ምዃኑ ኣብ ዘረጋገጸሉ መድረኽ ቀስ ብቀስ ንዓለም ርእይቶኡ ክቅይር ገበሮ። ው.ሕ.መ፡ ው.ሓ.ኣ፡ ሕ.ሃ.ዓ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ዝነበሮም ጠመተ ዳግማይ ክርእይዎ ኣገዲድዎም’ዩ። ቁጽሮም ውሑዳት ዘይኮኑ ግዱሳት መሓዙት ጋዜጠኛታት ንሜዳ ኤርትራ ብምእታው፡ ንታሪኻዊ ጅግንነታዊ ስርሒት ገድሊ ኤርትራ ንዓለም ብምቅላሕ ከኣ፡ ከም’ቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝብልዎ ዝነበሩ ዘይኮነስ ሓቀኛ ቃልሲ ንነጻነት ምንባሩ ተመስከረሉ።

ሓደ መከረም 1961 ዝፈጠሮ ዘይጠፍእ ሽግ ታሪኻዊ ጅግንነታዊ ስርሒታት ኣብ ግብራዊ ክውንነት ተቀይሩ፡ ኣብ ዝተፈላልየ መድረኻት ንሓይሊ ጸላኢ ስዩም ዘበለ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፎ ኣብ ቃልሲ ዝኸፈሎ መስዋእትን ኤርትራ ልዕላውነታ ከተኽብር በቒዓ። ኣባል ሕብረተ ሰብ ዓለም ኮይና ተሰርዐት።

እንተኾነ ንሕልምታት፡ትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራ ዝጠለመ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ምብትታን ውዒሉ ዝሓድረሉ እከይ ተግባራት 29 ዓመታት ከይኣክል፡ ብ8 ሓምለ 2018 ብስም ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ሚስጢራዊ ውዕላትን ስምምዕን ከም ውጽኢቱ ሰላም ሓደ ወገን ኮይኑ ዝቀጸለ ሓድሽ ተርእዮ ንህዝብና ኣብ ዓብይ ስግኣትን ሻቅሎትን ኣብጺሕዎ ይርከብ።

ይኹን’ምብር እቲ ግርማ ታሪኽ ጅግንነት ክብርታት ኤርትራ በኒኑ ከይጠፍእ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ንዝኸፈሎ መስዋእታት ክብሪ ህዝቡን ሃገሩን ክሕሉ፡ መብጽዓታት ከሐድስ፡ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ሕግን ስርዓትን፡ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ክተክል ይቃለስ ኣሎ። ኣብ’ዚ ቅነ ዝኽሪ መበል 59 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ከኣ ህዝብና መብጻዓታቱ ኣኽቢሩ ብዙሕ ዕውት ስርሓት ይገብር ኣሎ። ፖለቲካውያን ሓይልታትና፡ ሲቪክ ማሕበራትና ወልቀ ዜጋታት ክብሪ ሕድሪ መብጽዓታት ስውኣት ከይጠልሙ ምልኪ ንምእላይ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ መላግቦ ታሪኽ ከይብተኽ ዋኒኑ ፍሒሱ ኣትሪሩ ዝኣስረሉ ዝጠምረሉ፡ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።ደጊም ሎሚ ብህግዲፍ ዝደናገር ህዝቢ ከም ዘየልቦ ከኣ ኣበየ ኵርናዕ ዓለም ንህግዲፍ ፎእ ኢሉ ዝተበገሰን ዝበጋገስን ዘሎ ተባዕ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ዝምስክሮ’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ዜናን ሓበሬታን ሓደለ

31 ነሓሰ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.