መላእ ኣባል ሓደለ ዝተሳተፎ ኣኼባ ተኻይዱ ፡ 12 መስከረም 2020

መላእ ኣባል ሓደለ ዝተሳተፎ ኣኼባ ተኻይዱ ፡
መላእ ኣባል ሓ.ደ.ለ ዝተሳተፎ ኣኼባ ብቀዳም ዕለት 12 መስከረም 2020 ተኻይዱ። ኣቦ መንበር ሓ.ደ.ለ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ ኣብ መእተዊ ኣኼባ ንኣባላት እንቋዕ ደሓን መጻኹም ድሕሪ ምባል፡ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ብፍላይ ከኣ ኮሮና ቫይረስ ብምምኽናይ ኣብ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን በደላትን፡ ንሃገርና ከቢብዋ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማውን ፖለቲካዊ ሓደጋታት ገሊጹ። ሓ.ደ.ለ ንምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዘለዎ ግደን ተራ ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ሓያል ጉዕዞ ሰጉሙ ንዘሎ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዋዕላ ለንደን፡ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ገሊጹ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተደጋጊፉ ክሰርሕ ዘኽእሎ ዝሓሸ ብትካላዊ ኣገባብ ክስራዕ ምርጫ ብምውሳድ፡ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ዓሚማቶ ዘላን ገገለ ኣብ ምቋም ዝርከባ ሓይሊ ዕማም ብሓፈሻ፡ ንሓደለ ወኪሉ ምስ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ኣካል ዋዕላ ለንደን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣባል ፈ/ሽ ኣቶ ተኽለሰንበት ተኽላይ ገሊጹ።
ቀጺሉ ብወገን ሓ.ደ.ለ ዝቆመ ዘተ ሽማግለ ዝመርሕ ኣባል ፈ/ሽ ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ ብወገኑ ክሳብ ሓድነት ንምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፡ ዘርኣዮ ምዕባለታት ከም ዘሎ ንኣባላት ሓፈሻዊ መብርሂ ኣቅሪቡ።
ኣባላት ሓ.ደ.ለ ብወገኖም ንመሪሕነት ብመልክዕ ሕቶን ርእይቶን ንዘቅረብዎ፡ ዝተዋህበ መስልን ተደማሚሩ ነቲ ኣኼባ ብኣተሓሳስባ ክሰፍሕን ፍታሕ ክረኽበሉ ዝሓገዘ ዓሙቕ ክትዓት ዝተኻየደሉ ነበረ። ቅድሚ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ዝተኻየደ ብምንባሩ ከኣ፡ ንባይቶ ንምሕያል ለበዋታት ቀሪቡ ብልዝቡ ስምምዕም ኣኼባ ተዛዚሙ።
ክንዕወት’ና
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዜናን ሓበሬታን ሓደለ
13 መስከረም 2020
You must be logged in to post a comment.