ራዕድን ሓሶትን ህግዲፍ ክተሓዋወስ

ራዕድን ሓሶትን ህግዲፍ ክተሓዋወስ

ድሕሪ መዘና ዘይብሉ መስዋእቲ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት፡ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ስርዓት ደርግ ነጻ ኣብ ዝወጸትሉ፡ህዝቢ ኤርትራ ደቐይ’ሉ ንዝሕደሮ ፍጹም እምነት ብግርህነቱ እንከሎ መላኺ ጃንዳ ህግዲፍ ስልጣኑ ንምድልዳል ዝዓለመ፡ ኣትኵሩ ሰርሓሉ ዝነበረ ማሕበራዊ ዝምድናታት ምብታኽ’ዩ። ብፍላይ ድሕሪ ነጻናት ከኣ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ብዛዕባ ቅዋምን ፍትሕን፡ ሰላም ደሞክራስን፡ ራህዋን ሓድነትን ስኒት ንዝሓቱ ኤርትራውያን መልሲ ዘይምሃብን፡ መልሲ እንተሎ ከኣ ምስ’ቲ ዝቀርብ ሃገራዊ ሕቶታት ክመዛዘን ዘይክእል ብቓጻ ዜጋታት ኣብ መጋባእያ ብምድሃል ተደላይነ ብዘይብሉ ኣገባብ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦን ዝሰምዖን’ዩ። ብከምኡ ከኣ ቀጺሉ። እዚ ከኣ ሓደ ንውድቀቱ ዝመርሕ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕደራዊ ፍሽለታቱ ብተቃወምቲ ተገምጊሙ ዝቀርበሉ ሓቂ፡ ዕረ ስለ ዝጥዕሞ ንጸድፊ ገጹ ዝምርሽ ስርዓት ብምዃኑ፡ ድምር ነቲ ዝቀርበሉ ኣሉታዊ ገምጋም ተሞክሮታቱ ወርዝየ ኢሉ ወትሩ ብምትላል ብምንሻውን ብምቅላልን ኣብ ዝኸፈአ መግለጺ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሃለውሎው ወዲቁ ከም ዝጸንሐን ብኡ ይቅጽል ምህላዉን’ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝወሃብ መልሲ ህዝብና ብዘይርድኦ ብምህዞ ሓደሽቲ ቃላት ዝተዓብሎኸ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ’ኳ ድሕሪ 18 መስከረም 2001 ንኤረ ቲቪ ከም ሓንቲ ዘይተጻሕፈ ተንብብ ፈነወ ገይሩ ክቆጽራ ጀሚሩ። ሓቕታት ከኣ ነይርዎን ኣለዎን።ብዘይካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዉ ደገፍቱስ ዝርእያ የለን ክበሃል ይከኣል። መላኺ ጃንዳ ስርዓት ህግዲፍ ኩሉ ግዜ ኣብ ዘጋጥሞ ሓያል ህዝባዊ ተቃውሞታት ሓድሽ ሽም ኣጠሚቝ ከካፍኦ ክኸሶን ከጸልሞን ደኣ’ምበር መፍትሒ ክረኸብሉ ሓሲቡን ሰሪሕሉን ኣይፈልጥን’ዩ።

እስከ ካብ’ቲ ገገለ ህዝብና ንዘስምዖ ተቃውሞታት ብመላኺ ስርዓት ጃንዳ ህግዲፍን ተሓባበርቱን ዝተዋህበ ኣነዋሪ መልሲታት እንታይ ይመስል ነይሩ፡ ሕጂ ከኣ እንታይ ይበሃል ኣሎ ምርኣዩን ዳግማይ ምድህሳሱን ኣገዳስነት ኣለዎ።

  • ዕሸል ምንቅስቓስ፡ ተቃውሞ ተጋደልቲ ህግ ሕዳር 1993
  • ደምበ ተቃውሞ ሓምሻይ መስርዕ’ዩ፡ 1993/1994
  • ቐበጥበት ለሚዶም፡ ተቃውሞ ኣካለ ስንኩላን ማይሓባር 11 ሓምለ 1994
  • ሕጊ ንመሃር ኣለና እንዳበልካ ኣብ ዘየድልየካን ዘይትፈልጦን ጉዳይ ምእታው፡ ንሓደ ተመሃራይ ሕጊ ዩ ኣስመራ 1995
  • 30 ዓመት ተቃሊሶም ሎሚ ኣብ ምድንጋርን ምጥፍፋእን ተዋፊሮም ዘለዉ ተጋደልቲ፡ 1995/1996
  • ጉጅለ 15 ስረኦም ዝፈትሑ፡ ተጣላቕዮም ሕዳር 2001/ ነሓሰ 2002
  • ቅዋም ሞይቱ እዩ
  • ህዝቢ ኣከሰርካን 8 ሓምለ 2018
  • ተቃወምቲ ሓደ ወገን እዮም፡ ኣብ ኤርትራ ዝተሰርሐ የለን፡ ፋብሪካታት ዓንዩ ሞይቱ’ዩ 8 ለካቲት 2020

ሎሚ ከኣ ዘይትሰምዖ ዘይብላ ተካል እዝኒ፡ ነቲ ክምህ ዘይብል ሓይሊ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ንመሰሉን ክብሩን፡ ድሕነት ህዝቡን ሃገሩ ከረጋግጽ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ”ይኣክል”፡ ዋዕላ ለንደን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ፈተነ ነባር ሓርበኛ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዘንቀሎ፡ብሰንኪ እከይ ተግባራርቶም ካብ’ታ ብስክፍታ ዝድቕስዋ ኣበራቢርዎም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ላዕለዎ ሓለፍቲ ህግዲፍ ኣብ ቲቪ ቀሪቦም ህዝቢ ንምድንጋር ሕፍር ከይበሉ ራዕድን ሓሶትን ተሓዋዊስዎም ” ምንቅሳቓስ ኣግኣዝያን ልኡኻት ትግራይ እዮም” ክብሉ ተሰሚዖም። መስከረም 2020።

እዚ ዓይነት ፕሮፓጋንዳ ካብ ግንቦት 1998 ዝጀመረ ማዕረ ዕድመ ስልጣኑ ዝጎስጎሰሉ ኣረጊት ሜላ፡ ሎሚ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዝገማገም ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሬት ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣብ መሬት ትግራይ ምህላዉ ብግፍዕታትን ፕሮፓጋንዳ ህግዲፍ ጠጠው ዝብል ከም ዘየለ’ውን መርኣያ ፍሽለታቶም’ዩ። እወ ስደት ዘነይትን ዝሕብንን እንተዘይኮነስ፡ ንግፍዕታት ዝህበሉ መልሲ ከይዱ ከይዱ ከኣ ግደን ወሳነን ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ካብ ዘመልክቶ ሓደ ተርእዮ እዩ።

ጸለምን ክስን ህግዲፍ ሓድሽን ዘየገርምን ጉዳይ’ኳ እንተኾነስ፡ ህዝብና ብዝያዳ ከተኵረሉ ዘለዎ፡ ኣብ’ዚ ጀሚርዎ ዘሎ ዕቱብ ሃገራዊ ስርሒታት ድግዲጊት ተዓጢቝ ብቀጻሊ ክሰርሓሉ ከም ዘለዎ’ዩ። ደጊም ነቲ ዝጎደለ እንዳተመላላእኻ ሓድነትካ ኣደልዲልካ ንቅድሚ ብምስጓም ንተስፋታትን ባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ክውን ንምግባር ክሳብ ዓወት ብሕጋዊ ህዝባዊ ቃልሲ ምስዓሩ’ዩ።

ሕግን ፍትሕን ይንገስ

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሓደለ

14 መስከረም 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.