ቃልሲ ህዝቢ ኣይዕገትን

ቃልሲ ህዝቢ ኣይዕገትን
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ሰላም ከመይ ቀኒኹም የሕዋት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ሎሚ’ዉን ከም ወትሩ ‘’ቃልሲ ህዝቢ ኣይዕገትን’
ዝብል ኣርእስቲ ሒዝና ፣ ሓሳብና ከነካፍል ምምጻእንና፡ መስከረም ወርሒ ናይ ባዕዲ-ግዝኣት፣ካብ ሃገርና
ተባሕጒጉ ዝውጸሉ፣ብረታዊ ቃልሲ ዝተጀመርሉን፡እቶም ንግዝኣተ ሕጊን፣ስልጣን ናብ ዋኑኡ ህዝቢ ክዋሃብ፣
ብቅዋም እትማሓደርን ፍትሕን ዲሞክራስን ጉዑዙኡ ክጅምር ዝሓተቱ፣ ዝተሓየሩሉ ምዃና እትዝከረሉን፡ኩሉ
ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ነናቱ መዘከርን፣ምሕጽንታን፣ለበዋ፣ጽዊዒት ዘማሓላልፈሉ እዋን ኮይኑስ፣ባዓጀባን
ትኩርነት መልእኽቲ ሰሚዕናን ንሰምዕ ኣሎና።

ንሕና’ውን እዋኑ ዝጠልቦ ብምዃኑ መጠን ‘’ቃልሲ ህዝቢ ኣይ ዕገትን’’ ዝብል ኣርእስቲ ብምልዓል ታሪኽና
መምህር ህይወት ቃልስና ስለ ዝኾነ ከምቲ ኣቐዲምና ጺሕፍናዮ ዝነበርና ‘’ እቲ ዘየደቅስ ስኽፍታ’’ ብምክታል
ኣሰር ኣቦታትና ክንክተልን ኣቐዲሙ ተጻሒፉ ዝነበረ እንደገና ብምድጋም መሰረትናን ምዕራፍናን ካብ ‘’ሓድሽ
ልደት ሓርነት’’ ብምውሳድ ከምቲ ዘለዎ እናቕረብና፤ ናትና ሓጺር ገምጋምን ቃልሲ ህዝቢ ኣይዕገትን፤ስለምንታይ
ዝብል ከነቕርብ ክንፍትን ኢና።ክትካተቱልና ልባዊ ምሕጽንታ ነቕርብ፡፡
መሰረትን ምዕራፍን ‘’ሓዲሽ ልደት ሓርነት’’
እዚ ዓቢይ ትምህርትን ኣምርን ‘’ሓድሽ ሓርነት ’’ ኣብ ሓርነት ምስ እንህሉ ብቐሊሉ ክርድኣና
ዝኽእልን ብሩህን ይኸዉን’ምበር፡ሱቕ ኢሉ ብምልኡ ኣብ ኣእምሮ ሰባት፣ እሞኽኣ ኣብ
ኣእምሮ’ቶም ኣብ ክንዲ ኣብ ሓቀኛ ትዕዝብቲ እተሞርኮሰ ሳይንሳዊ ርእይቶ፣ፕሮፖጋንዳ ከምግቡኡ
ዝጸንሔ ብቐሊሉ ክሰርጽ ኣይካኣልን፡፡
እቲ ደላይኡ ዝክኣሎ እንተፈተነ’ዉን፣ እቶም ተጻባቱ’ዉን ትም ኢሎም ዝርእይዎ ኣይኮኑን።
መብዛሕትና ዝሰማዕናዮ ተራ ደርፊ ዝመስል፡’’ካልእ ሓርነት የለን’’ ዝብል ብጓይላ፣እተሸፈነ
ምስጢር ትምህርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. እምብኣር ነቲ ሊንከናዊ ኣምር ‘’ሓድሽ ሓርነት’’ብልክዕ ንምህራም
እኳ እንተዘይተባህለ፡ተማሳሳሊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ህዝብና ከይበቁል፣ወይ’ቲ ንኣምር ‘’ሓድሽ ሓርነት’’
ዝመስል ድሮ በቚሉ ዘሎ ስነ-ሓሳብ ድማ ከይስስን ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ተጻይ እዩ፡፡ ምናልባት
ገለ ገርህታት’ዉን ‘’ሓንቲ ሃገር ካብ ባዕዳዊ ገዛኢ ሓርነት ምስ ወጸት ከም ብሓድሽ ከም ሓዳስ
ክትውለድ ማለት እንታይ ማለት’ዩ ?’’ ዝብል ገርሂ ሕቶ ከምዝልዓል ክግበር ይፍትን። ካልእ’ውን
‘’ሃገር ሓራ ካብ ትኸዉን ዕስራ ዓመት ገይራ’ዶ(29 በጺሑ ኣሎ) ኣይኮናን ንብል፡ሓድሽ ሓርነት’ከ
እንታይ ማለት’ዩ ? ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም፡፡
ዕላማታትና
መልስና፡ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተጻይ-ሓርነት ስነ-ሓሳብን ፡ ንሲዒቡ ዝትጠቅሰ ሕቶ
ገርህታትን ሕጂ’ዉን ኣብ መደረ ሊንከን ንረኽቦ። ድሓን ናትና ግዳ ዕስራ ዓመት(29 ዓመት)፣
ሊንከን እቲ መደረ ኣብ ዘስመዓሉ ዝነበረ እዋን፡ሃገሩ ሓርነት ካብ ትእውጅ ዝያዳ ሰማንያ ዓመታት
ገይራ ነይራ፡ከም ሓዳስ ሃገር ክትውለድ ማለቱ፣ንዘመን ንድሕሪት ክምለስ ወይ ስዓት ክጠዊ
ዘይኮነስ ናብቲ ደኮንቲ ሃገሩ ዝነበሮ መሰረታዊ ዕላማታትን እምነትን ሓርነት ንምምላስ ማለቱ’ዩ
ዝነበረ፡፡
ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገርና ኤርትራ መሬታዊ ናጽነት፣ካብ እትእውጅ ዕስራ ዓመት(29 ዓመት)
ጥራይ እያ ገይራ ዘላ፡ እተሰርዐ ቃልሲ ንሓርነት ካብ ዝጅመር’ውን ዳርጋ ፍርቂ ዘመን ብዕድመ
ሰባት ነዊሕ ግዜ እኳ እንተመሰለ፤ ብመነጽር ሃገርን ሃገርነትን ግን ክንድቲ ኣይኮነን። መልስና
ብመነጸር’ቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነት ሊንከን ምስ እንርእዮ ድማ፣ ናብቲ ፈላሚ ቃልሲ ሓርነት
ኤርትራ ዘቋመትዎ ዕላማ ምምላስ ማለት’ዩ፡፡
ንምዃኑ ፈለምቲ ቃልስና ዘቋመትዎ ዕላማ እንታይ ነበረ ? እቲ ንሳቶም ዘቋመትዎ ዕላማ ኪኖ
መሬታዊ ናጽነትን፣ ምሕደራ ኤርትራ ብኤርትራውያንን ዝካየድን፣’ምምላስ ክብሪን፣ምንጻግ
ዓይነት ባርነት’ ዝመሰረቱ’ዩ ነይሩ። ንሱ ድማ’ዩ እቲ ክንበጽሖ ዝድለ ዘሎ፡፡
ዕላማታት ቃልስና ብቓላት ኤርትራውያን ሓርበኛታት ከምዚ ይብል፡
‘’ ቃልስና ዕላማኡ ክብሪ’ዩ ‘’
ብቓል ሓርበኛ ዓብደልቃድር መሓመድ ሳልሕ ከቢረ ከምዚ ይብል፡፡
‘’{ቓልስና}ዕላምኡ ክብሪ ኢዩ፡ዋጋ ክብሪ ድማ ህይወት እዩ። ዋጋስ ክኽፍሉ ኢዮም፡እቲ ዋጋ ግን
ሕሱር ኣቕሓ ፣መሸጣ ኣይኮነን። እቲ ዝልዓለ ውድ-ሰብ ዝውንኖ፣ ክቡር ዋጋ ኣልቦን ደሙ ኢዩእዚ ድማ፣ኣብ ምዕራፍት ናይ’ቲ ንፍትሒ ዝካየድ ኣህጉራዊ ቓልሲ፡ሓንቲ ገጽ ንምጽሓፍ ኢዩ
ዝኽፈል።እቲ ዕላማ ፍትሒ ምጭባጥ ወይ እናፈተንካ ምማቲዩ።ዕላማና ኸኣ ፍትሒ ኢዩ።’’
ክብሪ ማለት፡ኣብ ገዛእ ቤትካን ዓድኻን ሃገርካን ከም ሰብ ምኽባር፣ መሰል ካልኦት
እናኽበርካ፣መሰልካ’ዉን ክቡር ምዃኑ ምርግጋጽ፣ነዚ ድማ ከም ሰባት ኩቡራት ክንከዉን
ሰብኣውያን ፍጡራን ምዃንና ጥራይ እኹል ምዃኑ፡’’ኣብዚ ነይርካ’’ ‘’ኣብዚ ኣይነበርካን’’
ብምባል ክቡር ሰብ ብዘይ ሕጊን ፍትሕን ክዋረድ ከምዘይብሉ ማለት’ዩ። ክብሪ ማለት ነቶም
ንክብሪ ሰባት ዝትንከፉ ፍትሒ ምውጻእ ማለት’ዉን ኢዩ።በዚ ድማ’ዩ እቲ ቃልስና ዕላማኡ ክብሪ
እዩ። ኢሉ ዝጀመረ ጽሑፍ ከቢረ፤ ዕላማና ፍትሒ እዩ፣ኢሉ ዝውድእ፡፡ ምኽንያቱ ከምቲ ብዘይ
ክብሪ ፍትሒ ዘየለ፡ብዘይ ፍትሒ ድማ ክብሪ የለን፡፡
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ፍንጫል መሰንገልናን ኣብ ጎዳጉዲ ሳዋን ኣድርሰርን፣
ትራክ-ቢ ማይ ሰርዋን፣ ዳህላክ ናኽራን፣ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት፣ኣብ ምድረ ሰህራን
ማእከላይ ባሕርን እናተሰዱ እንከለዉ፡ከቢርና ክንብል ኣይንኽእልን።ብማዕሬኡ ድማ ፍትሒ’ውን
ኣይረኸብናን። ህዝብና ፍትሒ ክሳዕ ዘይረኸበ ዕላማ ቃልስና ኣይበጻሕናዮን፤እቲ ምንታይ ስለዘይከበርና፡፡
‘’ ንባርነት ዘበለ ኩሉ ጸላእቱ ኢና ’’
ዕላማ ቃልስና ብቓል ሓርበኛ ወልድኣብ ወልደማርያም ድማ ከምዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ንረኽቦ።
‘’ ኣነ ግና፡ብጀካ ናይ ደቂ ኤርትራ ሓርነት ጉይትነትን ብቅልጡፍ ምርኣይስ ካልእ ሃረርታን
ዕላማን የብለይን።እታ ሃገር ኣቦታተይ፣ሃገረይ፣ብሓርነት ክትነብር፡ብደሞክራሲያዊ ኣጋባብ
ክትምሓደር፡መሰታ እተን ዓበይትን ሱሙያትን መንግስታት ዓለም እዉን ክትከዉን ወርትግ ሃረር
ምባል፡ካባይ ክፍለ ዘይኽእል ባህርያዊ ናፍቖት ኢዩ’ሞ፡ሓደ’ኳ ኻብዚ ኸምዚ ዝበለ ጸሎትን
ሃረርታን ክፈልየኒ ኣይክእልን።”
‘’ ክሳዕ ሎሚ፡ንዝኮነ ይኹን ናይ ባዕዳዊ ስልጣን ኣገልጊለን ተላኢኸን ኣይፈልጥን። ንባርነት
ዘበለ ኹሉ ጸላኢኡ እየ፤ዝኾነ ይኹን ሕብሩን መልክዑን። ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ኤውሮጳዊ ይኹን
ኣፍሪቃዊ፡ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣርዑት ባርነት ንምቑራን ክግድደኒ ኣይኽእልን።ዘይመሰለካን
ዘይተሰማዓካን ነገር ግበር ኢሉ ንምቕታለይ ድፍረት እንተ ኣሕደረ ኸኣ ኣነ’ውን ስለ ፖለቲካዊ
እምነተይን ስለ ሓርነት ሃገረይን ስለ ኡነተኛ ጥቕሚ ኣሓተይን ንሙማት ትብዓት ኣሕዲረ ኣለኹ።
እዚ ትምኒት ድላይ ጽቡቕ ዝኾነ ሓደ ሰብ ጥራይ ዘኮነ፡ንኹላትና ዘመልክት፣ ኣን ትሕቲ
ባርነት ከይንቑረን ዘተሓሳብ፣ዘይመስለናን ዘይስማዓናን ከይንገብር፣እንገብሮ ኩሉ ድማ ምእንቲ
ፖለቲካዊ እምነትና ሓርነት ሃገርና፣ሓቀኛ ጥቕሚ ኣሕዋትና ክኸዉን ከምዘለዎ ዘምልክት
ምሕጽንታ እዩ፡፡ ሎም ግና፣ዘይከም እቲ ሓርበኛ ወልድኣብ ወልድማርያም ዝበሎን ህይወቱ ኣብ
ኣፍ ሞት ኣንቢሩ ዝተቓለሶን፣ህዝቢ ኤርት፣ በገዛእ ኣሕዋቱ፡ከምኡ ኣፍሪቃውያን ስጋኡ
ኤርትራውያንን፣ኣብ ኣርዑት ባርነት ተቖሪኑ ይርከብ፡፡
……. …. ….
ነዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ክልተ ቀንዲ ዕላማታት፡ብከቢረን ወልድኣብን እተደግማ፡
ምምላስ ክብሪን፡ካብ ኣርዑት ባርነት ምንጋፍን እምብኣር ክሳዕ ሎሚ ዘይበጻሕናየን ጫፋት
ህረት/ጤረር እምባ ሓርነት እየን፡፡ ስለዚ ናብዘን ዕላማታት ንምብጻሕ ንካልኢት’ኳ ድንን
ኣይበልናን፤ ናብ ዕላማና ኣተኲርና እናጠመትና ከይረብረብና ምጓዓዝ ግዲ ከድልየና ኢዩ። ኣብ
መገድና ብዙሕ ድኻማን ዕንቅፋትን ከጋጥመና’ዩ። ልሙጽ መገዲ ሓርነት የለን። እንተኾ፣ከምቲ
ሓርበኛ ከቢረ፡ብቃልን ተግባርን ህይወቱ ንዕላማኡ ብምሓብ ዝመሃረና፡ከምቲ ሓርበኛ
ወልድኣብ፣ዋላ ድሕሪ ኣብ ርእሲኡ እተጻወደ ሻድሻይ ፈተነ ቅትለት’ዉን ‘’ስለ ኡነተኛ ጥቕሚ
ኣሕዋተይ ንሙማት ትብዓት ኣሕዲረ ኣለኹ’’ ዝበሎ፡ኣብ ዘለናዮ ኮይና ትብዓት ክነሕድር የድሊ፡
፡ ኸምቲ ከቢረ ዝጸሓፎ ድማ እቲ ንፍትሒ ዝቃለስ፡እቲ ንፍትሒ ክጭብጥ እናፈተነ ዝበለየን፡ገና
ዝበሊ ዘሎን፤ኣብ ምእራፍ ናይ ፍትሒ ዝካየድ ኣህጉራዊ ቃልሲ ብኩቡር ደሙ ታሪኽ ይጽሕፍ
ከምዘሎ ኣሚናን፣ ብኡ ዝመጸ ክንቀስን ይግባእ፡፡
ዘይሓልፍ ሰብ ከም ዘየለ ዓለምና ባዕላ ምስክር ኢያ፤ዘይሓልፍ ታሪኽ ከም ዘሎ ድማ
ታሪኽ ከቢረ፡ወልድኣብ ይኹን ሊንከን፡ከምኡ ድማ ታሪኽ ኩሎም እቶም ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ፤
ቃልሲ ኣንጻርባርነት ዝተሳተፉ ሰባት ምስክር እዩ፡፡
መደምደምታ
ነታ መልዓሊት ነገር ዝኾነት ኣብ ‘’ እቲ ዘየድቅስ፡ስኽፍታ’’ ዓንቀጽ እተላዕለት ሕቶ ‘’እዛ
ሃገር ከምቲ ኣብ ልቢታት እተሓስበቶን እተወፈየቶን ኮይና ክትቅጽል ትኽእል’ዶ ? ‘’ ትብል ሕቶ፡
ክንሓትት እንከሎና እምብኣር ‘’ ብርግጽ ‘’ ኢልና ክንምልስ ኣሎና። እንተኾነ፣ኣካይዳና ከም
ህዝብን ሃገር ክንቅየርን፡ሃገርና ዳግም ብሓድሽ ሓርነት ክትውለድን፣ባርነት ነጺግና ክብርናን ክብሪ
ኣሕዋትናን ክንምልስን ፍትሒ ክንጭብጥ ክንቃለስ ይግባእ።እዚ ምስ ዘይንገብር፡መልስና
ኣጠራጣሪ ይኸዉን፡ቀጻልነትና ከም ፍትሓውያን ሕብረተሰብን ሃገርን ድማ ከምኡ ናብ ምጥርጣር
ነውድቖ ኣሎና፡፡
ቀጻልነቱ ዘየረጋገጸ ሕብረተሰብ ጸኒቱ ይብሃል። እዚ ምጽናት’ዚ ከጋጥመና ዝኽኣል ሓደጋ
ምኹኑ ከነስተብህል ይግባእ። ነዚ ንምርዳእ ምቕጻልን ምጽናትን ሕብረተሰባት፡ኣብዚ ዘለናዮ
መበል ዕስራን ሓደን ክፍለዘመን ብኸመይ ከም ዝግለጽ ንርአ።
ክብሉ ኣዳለውቲ መጼሔት ሓድሽ ልደት ሓርነት ካልኣይ ዓንቀጽ ጽሕፎም ይድምድሙ።
ብወገና፣ካብዚ ዓንቀጽ’ዚ እንታይ ታሪኻዉን ፖለቲካዉን ምህርቲ ቀሲምና፣ግደናን ግደ ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ
ዝቃለስ ታሪክ ኣቦታቱ ዓቂቡን ዝተማሓላለፎ ሕድሪ፡ብኸመይ ክማላእ ይግባእ? ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ
መስርሕ ፖለቲካ፣ንሕድሪ ኣቦታትና በቒዕናዮ’ዶ ? ኣይኮነን እንተኾይኑ እቲ መልሲ፤እንታይ ምስ ዝግበርን፣
መበገስን መዕረፍን ፍትሓዊ ቃልስና እንታይ ምትዕርራይ የድልዮ ? ንዝብል ሕቶ ብሕጽር ዝበለ ናትና
ትዕዝብትን ሓሳብን ከነቕርብ ክንፍትን ኢና፡፡
ኩላትና ከም እንዕዞቦን እንርድኦን፣ ታሪኽ ቃልስና ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንሓድነት ህዝብን ልእላውነት
ሃገር ንምርግጋጽ፣ ብዙሕነት ኣብ ሓድነት፣ከም ዝኾነ ብተዳጋጋሚ እንዛረቦን፡ ናብ መስርሕ ሓድነት ንምብጻሕ፣
ዝተፋላለዩ ጻዕርታት ተበግሶታት ከም ተገብረን ይግበር’ዉን ከም ዘሎ ንኩላትና ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ እዩ።
ኮይኑ ግን ግብራዉን ኣወንታዉን ውጺኢት ስለ ዘይሃበ ኣብ ፈተነን ዳህሳስን ንርከብ ኣሎና። ብሕጽር ዝበለ
እታ ናብኡ እተብጽሕ ኪነት/ብልሓት ገይና ኣብ ልምምድ/ምምኳር ኢና ንርከብ ዞሎና ክንብል ንደፍር፡፡
እቲ ዝገርመካ ህላወ ናይ ደምበ ፍትሒ ልክዕ ዕድሚኡ ምስ’ዚ ደስቡጣ ስርዓተ ኢሳያስ፡ይኹን እምበር ብሽም
ዲሞክራስን መሰልን ዕለት ብዕለት ክጫጫሓን፣ ዝተፋላለዩን በቢዓይነቱ ውድባት ህላውነት ክእውጃ ወይ-ክኣ
ብሓደ ጸኒሐን ክፋላለያ ክትሰምዕ ከለኻ፣ እዋእ፣እንተ-ደኣ ልእላውነት ሃገር፣ሓድነት ህዝቢን፣ፍትሕን
ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ኮይኑ፡ዕላመአን እንታይ ኣድልየ ምፍንጣሕን ሓደሽ ውዳበታት ምምስራት ፡፡
ንዓና ኮይኑ ዝርኣየና፡ ኣንነት ዘጥቃዓና(egocentric)፣ባዕላዊ ፍርዲ እንህብ፡ ንዲሞክራሲ ከም መስርሕ
ተቒምና ንግርጭት ክንፈትሕ ብቕዓት ዘየጥረና፡ ቅድም ኣነን ነቲ ዝዋሳኣሉ ውድባት፣ስቪካዉን ህዝባውያን
ማሕበራት፣ ምንቅስቓሳት ዋላ ሰብ ሞያን ሙሁራትን ምትእኽኻብ፣ከይተረፋ ብሓቂ ድልየትን ብቑኑዕ መገዲ
ንህዝቢ ምግልጋ ቁርብነትና ዘየራጋግጽና እንተ በልና ካብ ሓቂ ዝርሓቕና ኣይመስለናን፡፡
ምኽንያቱስ እንተ ደኣ ብ-ዓይኒ ፍትሓዉያን ዲሞክራስያውያን ክንርእዮ ኺኢልና፡ክፍታሕ ዘይኽእል ግርጭት
ክህሉ ኣይ-ምተኻእለን ክንብል ንደፍር፡፡
ከም ተርድኦና ዋላ’ኳ ድልየትና ትምኒትና ሓቢርና ክንሰርሕ ንብል ኑኹን’ምበር፡ነዚ ንምብጻሕ ኣዋዳድባና፣ወይ
ምጥርናፍና እቲ ኣቋዋውማናን፡ብኑጹር ዓንድታት ዲሞክራሲ፡ስለ ዘይጥቀማን/ ዘየንጽፋን ኮይኑ ይርኣየና፡፡ኣብ
ውድባትን ምንቅስቃሳትን ብኸመይ ክካናወን ይኽእል ዝብል ሕቶ ክላዓል ይኽእል ይኸውን፡፡
ብሪኢቶና፣እዘን ዓንድታት ዋሕስ ናይ ኣጋባብ ዲሞክራስያዊ ውዳበ ስለ ዝኾና እየን እኮ ካብ ስርዓተ ዲሞክራሲ
ክቃላቐል ዝጀመረሉ ብኑጹር ክቕመጣ ተገይሩ፡፡ንሕና እዉን ቅድሚ እታ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊት ሃገር
ምትካል ምብጻሕና፡ኣብ ኣዋዳድባና ክንጥቀመሉ ዘሎና ኣጋባብ ምስ ዝኸዉን ልምድን ባህሊ ዲሞክራስነት፡
ክንጥቀመሉ ዘሎና ኣጋባብ ምስ እነተግብሮ፡ባህሊ ደሞክራስነት፡ሙሉእ ስነምግባር ናይ ተሓታትነት ጉሉጽነት፡
ዝተነጸረ ክኸዉን ከሎ እዩ ጹፉፍ ኣጋባብን ስሩዕ ኣሳራርሓ ነካይድ ኣሎና ክንብል ንኽእል፡፡
እቲ ክግበር ኣለዎ እንብሎ፣ናብ ባይቶታት ንምብጻሕ፡ካብ መሰረታት ተወኪሎም ንኽመጹ፡ኣጋባብ
ኣማራርጽኦም ብሕገ ምርጫ፣ክካየድ ክኸዉን ከሎ፣ኩሉ ክሳተፍ ምእንቲ፡ተማጣጣኒ(Proportional) ዝዓይነቱ
ሕጊ ተመሪጾም ኣብ ጉባኤ ይሳተፉ፡፡
ጉባኤ እቲ ዝላዓለ ኣካል ስለ ዝኾነ፣ንዕኡ እተካይድ ብኽእለቶም ዘመስከሩ፣ካብ ጉባኤ ትምረጽ። እዛ ሰክረታሪያ
ካብ ኩሉ ካልእ ስርሓት ነጻ ኮይና ድሕሪ ጉባኤ ቀጻልነታ ዝተራጋገጸን ስርሓታ ንምምዝጋብን ምንዳፍን
ጉባኤታት ክኸዉን ከሎ፣ ኣብ ናይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካል እናተሳተፈት ቃል ኣኸበታት እትስንድን፣ዝሓለፉ
ውሳኔታት ብደምቢ ሰሪዓ ናብተን ዝምልከተን ኣካላት እተማሓልፍ ኮይና ቡጉቡኡን ሙዱብ ኣሰራርሓ
ይካናወን፡፡
ጉባኤ ብማእከልነት ሰክረታርያ፡ሽማግለ ምርጫ ይመርጽ። ስራሕ ናይዛ ሽማግለ’ዚኣ ቁጽጽር፣ናይ መረጽትን፣
ንሕጸ ዝቐርቡ ምምዝጋብን ምክትታልን፣ብጉቡእ ሕጊ ምርጫ ምክያዱ ትካታተል፡ ስጋብ ምፍጻም ጉባኤ ሙሉእ
ምትሕግጋዝ ምስ ሰከርታርያ ይህልዋ፡፡ ኣብዚ ቀዳምነት ነቶም ብወለንትኦም ንስራሕ ቁሩባት ኢና ዝብሉ፡ኣብ
መዝገብ ውድድር ኣስፊራ፣እቲ ጉባኤ ዝወሰኖ ቁጽሪ እንተ ዘይበጺሑ ካብ ጉባኤ ብምርቋሕ፤ናቱ ተቀባልነት
ምስ ተራጋገጸ ንሕጽይነቱ ዝድግፉ ብውሕዱ ክልተ ሰብ ክህለዉ ዝዓይነቱ ኣጋባብ ይኽተል፡፡በዚ ዓይነት ኣጋባብ
ኣባል ባይቶ ይምረጹ። ጉባኤ ካብ ኣባላት ባይቶ ኣቦ ወንበን ክልተ ተሓባበርቱ ይመርጽ። እዚ ምስ ተኻየደ ካብ
ኣባላት ባይቶ ነጻ ዝኾኑ ጉባኤ ንፈጻሚ ኣካል ዝኮኑ፤ኣቦ መንበር፣መኸትል ኣቦወንበር፣ ዋና ጸሓፊ፣ተሓዝ ገንዘብ
፣ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ፣ ሓላፊ ማህበራዊ ጉዳያት፡ ናይ ዜናን ሓበረታን ሓላፊ ቡጉሉጽነት ኣብ ጉባኤ
ይምረጹ።
ከም ዘቕረብናዮ እዘን ክልተ ዓይነት ምምሕዳራት ኣብ ባይቶ ብኑጹርን ጉሉጹን ተመሪጸን፤ኣብ ነንሕድሕድካ
ምክትታል ኣጋባብ ዝብል መስርሕ ይማላእ፡፡
ስራሕ ሓጋጊ ኣካል፡- ነቲ ብፈጻሚ ኣካል ዝቐርብ መደበ ስርሓ፣ባጀት የጽድቕን፡ንኩሉ ዝውሰድ ስጉምትን
ዘካናወን ስርሓት፣ፈጻሚ ኣካል ይካታተል።ንዝጎደለ ስርሓት ብወኸሳ መልክዕ ብምቕራብ ኣዕጋቢ መልሲ
ክረክብን፣አብ ዝተወሰነ ግዜ ጸብጻብ ስርሓት ዝቕበልን፤ ንመስርሕ ዝጠቅም ኣብ ቕዋም ተመርዂሱ ሕግታት
ይስንድ፡፡
ስራሕ ፈጻሚ ኣካል፡-ነቲ ባይቶ ዘጽደቕሉ መደበስርሓት ይትርጉም፡ካብ ፕሮግራምን ሕግታት ማሕበር ከይወጸ፣
ነጻ ኮይኑ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ተብግሶ ይወስድ፤እንተ ደኣ ዝምድናታትን፣ውዑላት ምስ ሃገራውያን
ውድባትን፣ኣህጉራውያን ምንቅስቓሳት ድርጅታት ክግበር ኮይኑ ብቐዳምነት ባይቶ ንዘቕርቦ ሰነድ ክጸድቕ
ይግባእ። ብሃጺሩ ክልቲኡ ትካላት ናይ ተሓታትነትን ጉሉጽነትን መስርሕ ክኽተላ ምስ ዝኽእላ እቲ መስርሕ
ዲሞክራሲ ይካናወን አሎ ክትብል ትኽእል።
ብተወሳኪ ኣገዳስን ክትህሉ ዘለዋን ኣብ ጉባኤ እትምረጽን፡ዕርቅን ገምጋሚ ኮሚተ(Supervisor)፤ኣማኻሪት
ክትብሃል ትክኣል ስርሓታ ኸኣ፦ ንዝፍጠሩ ግርጭታት ኣብ እዋኖም እትፈትሕ ስልጣን ማዕረ ደረጃ ባይቶ
እትግመት(ከም ፈራዲት ኣካል እትሕሰብ) ተኻታታሊት ስርሓትን ኣጋባባቱን ብደምቢ እትምጥንን ኮይና፡
ብጉቡእ ፍልይ ዝበለ ጸብጻብ ናብ ባይቶ ተቕርብ፡፡ኣብ ዕላዊ ጉባኤ ክኣ ናታ ገምጋምን ርእይቶን ንጉባኤኘታት
ከተቕርብ መበትን ጉቡኡን ዘለዋ ክትከዉን ከላ ውሕስነት እትህብ ክባሃል ይካኣል፡፡ ኣብ ርእሲኡ ክኣ ናይ
ንብረትን ገንዘብን ዝቓጻጸር ፍልይቲ ኣካል ክትህሉ ከሎ፡ስርሓት ኣጋባቡ ዝሓዘን ስርዓተ ሕጊ ዝክተል ከብለካ
ይካአል። ምስኡ ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታትን ዕላዊ ሙሉኣት ኣባላትካ ዝሳተፍዎ ኣኼባ ክካየድ ከሎ እተን ናጻ
ማዕክናት ክሳተፋ ምስ ዝግበር ጉሉጽነት ክራጋገጽ ይካኣል፡፡ ጕባኤ እቲ ዝላዓለ ኣካል ካብ ተባህለ ኩሉ ስርሓት
ኣቡኡ ክውዳእን ክሳሰን ክካናወን ይግባእ ዝብል ራኢ ኣሎና፡፡
ከምዚ ዝበለ ዓይነት ኣጋባብ ክንክተል እና ተማሕጸና፣ንመጀመርያ ህዝባዊ ባይቶ ኤርትራዊያን ዋሽንግተን ዲሲ
ከምዚ ዓይነት ኣጋባብ ኣካይድና ዝብሉ መግለጺ ምሃቦም ሑጉስ ግንዛቤ ኣሕዲሩልና፣ጥራይ ዘይኮነስ እወ ክግበር
ይካኣል ክንብል ንበቅዕ፡፡
ቀጺልና፡ “ እቲ ሓቃዊ ፖለቲካ ኢማኑወል ካንት (Immanuel Kant) ካብ ዝጻሓፎ፡ “ ዋላ ሓንቲ ሱጉምቲ
ንቕድሚት ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ሞራል ቅድሚ ኩሉ እንተ ዘይሰሪዕካዮ ‘’ እዘን ክልተ ቅጽላት ፖለቲካን
ሞራልን ናይ መብዛሕትኦም ደቅሰብ ባህጊ እዩ።ጽነ-ሓሳብ ናይ ፕሮፈሰር ኪንግስበርግ፡ ንሓቂ ምድላይን፣ናጽነት
ምጭባጥን፡ሰላም ምርካብን ናይ መጠረሽታ ወዲ ሰብ ክብጽሓ ዝድለያ ምዕራፍ እየን እናበለ ይገልጽ። እዚ
ዓይነት ሓሳብ መብዝሕትኦም ፍላስፋታት ቁቡል ይኹን’ምበር ሞራላዊ ጉቡእ ቅድሚ ሕረያ ፖሊቲካ ክህሉ
ይግባእ እኳ ይብሉ እንተኾኑ፡ኣብ ምርጫ ደቂ ሰብ ግን እቲ ዉሑድ ጉድኣት ዘስዕብ እዮም ዝመርጹ እናበሉ
የስምሩሉ፤ማክስ ወይበር(Max Wiber) ገለ እዋናት ክገበሩ ዘይብሎም እኳ ይኹን’ምበር ተገዲድካ መፋራርሒ
ዝኸዉን ወይ ንጹቡቕ ክትካላኸል ክትብል ዓጻቕ ስጉምቲ ክትወስድ ትግደድ፤ምኽንያቱ ምስ ዘይትወስዶ ሳዕበኑ
ኣዚዩ ጎዳኢን ሰረት ዝገድፍ ስለ ዝኾነ ይብል። ልክዕ ከምዚ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝብና ክወስዶ ዘለዎ ስጉምቲ፣
ኣብ ርእሲ ደስቡጣ ስርዓተ ኢሳያስን ጉጅሉኡን፡ኣብ ምፍሳስ ደም እትግድደሉ እዋን ማለቱ እዩ። ንፍትሕን
ዲሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ንምምጻእ እቲ ዝኽፈል ከፊልካ ክራጋገጽ ስለ ዘለዎ፡፡
ኣብ ሞራልን ፖለቲካን ዘሎ ዘታዊ/ሞጎታዊ ዝምድናታት ነዊሕን ሰፊሕን ክትዓት በቢዓይነቱ መብሪሂታት እኳ
ይሓሉ እምበር ብሕጽር ዝበለ ንሕና ኣብ ደምበ ፍትሒ እንዋሳእ ብፍላይ እቶም ሓላፍነት ተሰኪሞም ዘለዉ
ዓበይቲ/በሃራት ነዘን ክልተ ኣምር፣ሞራልን ፖለቲካን ኣዋሃሂዶም ነቲ ክብጽሕዎ ዝደልዩ ሃገር ምድሓን፣ሓድነት
ህዝቢ ምሕላው ክጥቀምሉ’ዶ ይፍትኑ ? እዚ ነባሪ ውጥረት ኣብ ሞንጎ ምሒር ድልየት/ባህጊ ኣምር፡ዘድሊ
ምምሕያሽ ፣ እዩ ድፊኢትን ድልየትን/ወኒ ን-ማሕበራዊ ምዕባለ፡ፖለቲካን ሞራልን፡ክህብ ከሎ ብወገኑ ንምዕባሌ
ንሰፊሕ ምርጫ(ኤቲክ ሞራል)ዘጣጥሕ ባይታ እዩ፡፡
እዚ ዓይነት ኣጋባብ እና ተኸተልና ሞራል/ኤቲክ፤ፖለቲካን ክዋሃሃድን፡ንእነካይዶ ኣጋባብ መስርሕ ዲሞክራሲ
ክንክተል እና ኣማሕጸና ነዚ እነቕርቦ ሓሳብ ርእይቶ ክትህብሉ ነማሕጽን፡፡
ሕጂ’ውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር
ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምድ ብዙ ቡቱኞሊ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.