ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር

ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር
ርእሰ ዓንቐጽ ሓደለ
17 መስከረም 2020
ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝግፋዕ ዝርገጽ ዝጭቆን፡ ኣብ ዝተፈላልየ ኵርናዓት ዓለም ብሰንኪ ምሕደራ ህግዲፍ ብስደት ፋሕፋሕ ኢሉ ዝርከብ ውሉድ ተባዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽባሕ ንመላኺ ስርዓት ጃንዳ ህግዲፍ ኣልዩ ሃገር ዘውሕስን ዘቅውም ህዝቢ እዩ። እዚ ህዝቢ’ዚ ፍትሕን ሕግን ዝተክል፡ ሰላምን ራሕዋን ዘስፍን፡ ሓድነትን ምርግጋእን ዘስፍሕ፡ ዕብየትን ስልጣነን ዘረጋግጽ እዩ። ሎሚ ከኣ ኣብ ምእላይ መላኺ ስርዓት ለይትን መዓልትን ዝቃለስ ዝሰርሕ ዘሎ ተባዕ ህዝቢ፡ ዘየቋርጽ ታሪኻዊ ቀጻልነት ዘለዎ ዕማም ምእንቲ’ዚ ከኣ ሕልምታትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ክውን ክገብር ወትሩ ኣብ ድሎ ተዳሎ ዝርከብ እዩ።
ጻዕርታቱ ከኣ ንሓድነታዊ ኣረኣኣያ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ዝበረኸ መረዳእታ ኣብጺሑ ንቅድሚ ክስጉም’ዩ። እዚ ኣመለኻኽታን ኣረዳድኣን ከኣ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኣብ ሓደ ባይታ ዘስምር ሓሳብ ርእይቶን ኮይኑ፡ ብጥቅልሉ ዘይኮነ፡ ሓደ ድሕሪ’ቲ ሓደ ንዝትግበር ፋጻሜታት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘኽእሎ ኣገባብ’ዩ።
ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ኤርትራ ተጻዒኑ ዝርከብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ሓደጋታት ማእላያ የብሎምን። ነዞም ሓደጋታት ሓደ ብሓደ ክትፍውስ ዘኽእለካ ባይታ ምፍጣር ብቀዳምነት ኣብ ሓድነታዊ ኣረኣእያ ዝተጠርነፈ ህዝባዊ ደገፍ ዘድልዮ እዩ።
ሓድነታዊ ኣረኣእያ እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ብዝተፈላልዩ ወገናት ዝተፈላልየ መልሲ ክወሃበሉ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ’ቲ ቀንዲ ከርሲ ሕቶ ክመጽእ ዝኽእል መልሲ ግን ዝፈላለ ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ህዝብናን ሃገርና ንፍትሓዊ ሕጋዊ፡ ትካላዊ መደባትን ሓባርዊ ውሳኔን ህዝቢ ክስርሓሉ ክኽእል ዘለና ሓባርዊ ረብሓን ጠቕምን ዘተኮረ ኮይኑ እቲ ዝቀረበን ዝሓሸን መልሲ ክኸውን ይኽእል። ንሓባራዊ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ ክነጽግ ዝኽእል ክህሉ ንስለ ዘይክእል ከኣ ሓደነታዊ ኣረኣእያ ማለት ነታ እንሃንጻ ፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊነት ኤርትራ መብጽዓታትና ነተግብረሉ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ዘንጸባርቐሉ ራእይ ማለት’ዩ።
ምእንቲ’ዚ እምበኣር ኣብ ሃገርናን ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ማሕበራዊ፡ ሰብኣዊ ሓደጋታት ኣደራዕን፡ ንምድሓን ቀዳምነት ፍሉይ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ብኡ መሰረት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንሕልፎ ውሳኔታት ንሕንጽጾ መደባት ኣብ ትግባረ ውዒሉ ዕዉት ክኸውን ሓድነታዊ ኣረእእያና ብኡ መልክዕ ተሰሪዑን ተቐሪጹን ክሕይልን፡ ክሰፍሕን ይግባእ። ኣብ’ዚ ደረጃ ከኣ በዚ ሕጂ ጀሚርዎ ዘሎ ዕበየት ህዝባዊ ናዕቢ ”ይኣክል” ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓደ ጭቡጥን ንጹርን ቅኑዕን ንቃልሲ ዝመርሕ ምዕራፍ ክበጽሕ ብዙሕ ተስፋ ዝንበረሉ ጉዳይ ሓደ ኣገዳሲ ደረጃ ቃልሲ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ክስርሓሉ ስለ ዘለዎ ከኣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ዕማማት ምስ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ተኸቲሉ ክስዕብን፡ ህዝብና ተስፋ ትጽቢን ዘንብረሉ፡ ተኣማንነት ርእሰ ምርኾሳ ደላይ ፍትሒ ህዝብና በሪኹ ኣብ ጎኑ ምህላዉ ዓቕሙን ክእለቱን ኣወሃሂዱ ብዝለዓለ ከሰንዮን ንቅድሚት ክደፍኦ ይግባእ።
እቲ ዓቕሚ ተኽእሎታት ዕድል ኩሉ ኣብ ጎንና ዘሎ እዩ። ነዚ ዓቕምታት ተኽእሎታት ዕድልን ግን በቲ ኤርትራዊ ሓድነታዊ ኣረኣእያ ኣቢሉ ንምውህሃዱ ተደላይነት ዘሎዎ መስርሕ ክቀላጠፍን እዋናዊ ሃገራዊ ጠለብ’ዩ። ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር ስለ ዝኾና ከኣ ኣብ ስምምዕ፡ ምርድዳእ፡ ሓድነታዊ ኣረኣእያና በጺሕና ብዓንቶብኡ ንድሌታትና ባህግና ቀሪጽና ኣብ ትግባረ ክንወፍረሉ ከናዋፍረሉ ግድነት እዩ። ኣብ’ዚ ዘለና ሓሳብን ተበግሶን ከኣ ልዕሊ ውድባዊ ሰልፋዊ ማሕበራዊ እምነት ከቢድ ሚዛን ስለ ዘለዎ ምርጫና ዝፈላልይ ዘይምዃኑ ንሓደ ኣንፈት ዝመርሓና ዝመስል በጺሕዎ ዘሎ ኣውንታዊ ታሪኻዊ መድረኽ ክተባብዕን ክድገፍን ዘለዎ’ዩ።
ክንዕወት’ና
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣታን
ዜናን ሓበሬታን ሓደለ
17 መስከረም 2020
You must be logged in to post a comment.