ተስፋና ኣይነዕርብ!! “ንጻሕላይን ማሕላይን ሰዲድካ ‘ዶ መሬት ክወግሕ!!” ፩ይ ክፋል

ተስፋና ኣይነዕርብ!!!!

(ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰት ዛንታ።)

ንጻሕላይን ማሕላይን ሰዲድካ መሬት ክወግሕ!!”

ተስፋ ናጽነት” ምስ የዕረቡ ኣቦይ ገብረኣብ ዝበልዎ።

ክፋል

  1. ሳጓ ጻሕላይ

ኣብኡን ኣዲኡን ብዘውጽእሉ ሽም ኣይፍለጥን። ኣዲኡ፤ ንጉስ ክኾነላ ተመንያ ‘ንጉሰ’ ኢላ ኢያ ሽም ኣውጺኣትሉ። በዚኣ ንጉሰ ትብል ሽም ግን ዝፈልጦ ወዲ ዓዲ የለን። ‘ጻሕላይ’ ብትብል ሳጓ እዩ ዝፍለጥ። ኣወጻጽኣ እዛ ሳጓ ናታ ታሪኽ ኣለዋ። ቀዳማይ ንሱ ካብ የሕዋቱ ፍልይ ዘብሎ ‘ብጻሕሊ ዝተሰርሐት ‘ታዕ ታዕ’ ትብል ጸብሒ ሽሮ ምፍታዉ ‘ዩ። ጌና ቆልዓ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ከሎ ‘እንታይ ጸብሒ ኢኻ ትፈቱ’ ተባሂሉ እንተ ተሓቲቱ በቲ ኮልታፋ ምልሓሱ፥ “ታዕ ታዕ ትብል ሽሎ” ኢሉ ኢዩ ዝምልስ ዝነበረ። ካብዚ ተበጊሶም ገሊኦም ‘ሽሮ ጻሕሊ!’ኢሎም ክጽውዕዎ ጀሚሮም ነይሮም። 

ሓደ መዓልቲ ኣኮታቱ ኣስመራ ዕዳጋ ዊዒሎም ናብ ዓዶም ክምለሱ ከለዉ፡ ስለ ዝመሰዮም እግረ መንገዶም ተኣልዮም ነበሩ። እቶም ኣጋይሽ ብዝሕ ኢሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ጊዜ ድራር ንዖም ብጻሕሊ ዝተሰርሐት ታዕ ታዕ ትብል ሽሮ ምስ ወላህላህ ዝብል ረጉድ ውዑይ ጣይታ ተቐረበሎም። ምስኦም ከኣ ኣቡኡን ምዕባይ ሓዉን ተቐሪቦም ነበሩ።

ጻሕላይ ምስ ምንኣስ የሕዋቱ ብድስቲ ዝተሰርሐት ሓምሊ ብቅጫ ክድረሩ ተቐረበሎም። ነታ ሽሮ ብህርፋን ክጽበያ ስለ ዝጸንሐን፡ ምስኦም ከም ዘይቅረብ ምስ ፈለጠን፡ ሕርቃኑ ክቆጻጸር ኣይከኣለን። ሰለስተ ነገር ኣቆጢዐንኦ ነበራ። ሓደ እታ ድስቲ ባህ ኣይበለቶን። ክልተ እታ ጸብሒ ሓምሊ ጸብሒ ምስ ቅጫ ኣይፈተዋን። ሰለስተ ምዕባይ ሓዉ ምስቶም ኣጋይሽ ምቅራቡ ነበረ። ምስ ምዕባይ ሓዉ ቅንኢ ጥራይ ዘይኮነ ብቆሎን ጥጥቆን ኩሉሻዕ መተሃላለኽቲ ነበሩ። በዚ ሓሪቁ፣ ተቆጢዑን ኮርዩን ከይተደረረ ሓዲሩ።

ብጽባሒቱ ኣዲኡ እንዳቀባጠረት፥ “ኪድ! እስኪ በል ጻሕልን ድስትን እንታይ ፍልልይ ኣለዎ!” ክትብል ገንሓቶ። ብኽልተ ናይ ኢዳ ኣጻብዕቲ ርእሱ ትደራርዞ ነበረት። ኣዲኡ ባህርያቱ እንዳ ፈለጠት ጸብሒ ሽሮ ዘየድረረቶ ድሮ ተጣዒሳ ነበረት።

“እም ንዓና ኸ ብጻሕሊ ደይትቅርብልና፧” ክብል ሓተተ ‘ሞ ቀጺሉ፥ “ንዓኣቶም ብሽሮን ጣይታን ንዓና ብሓምሊን ቅጫን፡” ክብል ንመግናሕቲ ኣዲኡ ብመግናሕቲ መለሰላ።

ኣዲኡ ብናይ ምቅብጣር ቃና፡ “ደይ ከይድንጉየኩም ክሰልጠኒ ኢለ ‘የ ብድስቲ ቀሪበልኩም። ሕጂ ጣይታ ክስንክተልኩም ከኣ ‘የ፡ ምስኣ ከኣ ጥዕምቲ ሽሮ ክስርሓልኩም ‘የ።” በለቶ ርእሱ ኣንዳደራረዘትን ናብ ነብሳ ኣዝያ እንዳቅረበትን።

ምንጽርጻር ብዝተሓወሶ፥ “እሞ ሕራይ ንዓይ ምስኦም ደይትቅርብኒ፧” ክብል ሓተታ። 

“ምስ ምንኣስ የሕዋትካ ከትበልዕ ኢለ። መን ከባልዖም ደኣ፧” ክትብል ልዝብ ህድእ ኢላ መለሰትሉ።

“ንሱ ዘየባልዖም።” ክብል ብቁጥዐ ናብ ምዕባይ ሓዉ ጠመተ። ቀጺሉ፥ “ንዕዑ ብጻሕሊ ሽሮ ንዓና ብሓምሊ!” ክብል ምሬቱ ገለጸ። በዚ ከኣ እታ ብቅንኢ ዘሕረረቶ ምዕባይ ሓዉ ምስኦም ምቅራቡ ምዃኑ ከኣ ኣግሃደ።ሕጂ መስመር ከምዝሓለፈ ተረደኣ።

ኣዲኡ ድፍእ ኣቢላ፥ “እንታይ ጻሕሊ ጻሕሊ ትብል ኩሉ መግቢ ‘ንዲዩ፡ ጻሕላይ።” ክትብል ብሕርቃን መለሰትሉ።

ኣዲኡ ስለዝደፍኣቶ ሕርቃኑ ሰማይ ዓረገ። ብኡ ንብኡ ሕርቃኑ ከይወደአ፣ የሕዋቱ ዘረባ ኣዲኦም ቆብ ኣቢሎም እንዳሰሓቁ፣ ‘ጻሕላይ’ እንዳበሉ ክጽውዕዎ ጀሚሮም።

ኣብ ሊዕሊ ሕርቃኑ ሕርቃን ወሰኸሉ። ነዚ ሕርቃኑ ከኣ ኣብ ሊዕሊ የሕዋቱ ክወጽእ ‘ታ’ዴኽን ከጥፋኣክን ‘የ’ ኢሉ ከጓዮም ጀሚሩ።

በኣ ከኣ ‘ጻሕላይ’ ትብል ሳጓ ለጊባቶ ይበሃል። ኣብ እቲ መጀመርታ እኳ ‘ጻሕላይ’ ኢሎም ንዝጸውዕዎ ይጎዮም ነይሩ። ንዓበይቲ እምኒ ይድርብየሎም፣ ንነኣሽቱ ከኣ ኣርኪቡ ይቅጥቕጦም ነበረ። ደሓር ግን ጊዜ ምስነውሐን ምስ ተደጋገመን ሕግብግብ እንዳበሎ ከይፈተወ ተቐበላ።

  • መን ‘ዩ ጻሕላይ፧

ጻሕላይ ብባህሪኡ ካብ ደቂ ገዛውቱ ፍሉይ ነይሩ። ገሊኦም ንሱ ዝበላ ምንም ትኹን ምንም መዕለቢ ከይረኸበላ ዘይድቕስ፡ ሊዕሊ ዕድሚኡ ዝሓስብ ሰብ ኢሎም ይገልጽዎ። ገሊኦም ነቃጽ፡ ገሊኦም ተሪር፡ ገሊኦም ከኣ ሓራቅ ኢሎም ይገልጽዎ። ህልኽን ትርን መለለይኡ ነይረን። ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ወይ ውራይ ከም ዋና ወይ ከኣ ዓብላሊ ኮይኑ ክረአ ይድሊ ምንባሩ ይንገረሉ። ካልእ መለለይኡ ከኣ ባእሲ ‘ዩ። ነገር ምትንኳስ ስርሑ ኢያ። ብዙሕ ኣይዛረብን ግን ከኣ ወስ ኢዩ ዘቀድም። ኣብ ጊዜ ባእሲ ዋላ ነቶም ዓበይቲ ተመጣጢሩ ክሃርም ድሕር ኣይብልን። ክተሃራረም እንተዘይሰሊጥዎ ከኣ ብዶንጎላ ፈጊኡ ይሃድም ነበረ።

ሓደ እዋን ናብ እንዳ ኣኮታቱ ጌሹ ነይሩ። ኣሓ እንዳጎሰየ ጸብኡን ብራሑን እንዳሰተየ ተሰማሚዕዎ ጸብቅ ቀንዩ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ብዕራይ እንዳ ኣኩኡን ብዕራይ ናይ ጎዶቦ ተባኢሶም ቀርኒ ንቀርኒ ተሓላሊኾም ተዋግኡ። ኣብ መወዳእታ ብዕራይ ጎደቦ ሲዒሩ ንብዕራይ እንዳኩኡ ጎየዮ። ስዕረት ብዕራይ ኣኩኡ ንጻሕላይ ሽንፈት ኮይኑ ተሰሞዖ። ሽንፈቱ ንምሽፋን ከኣ ንጓሳ እቲ ብዕራይ ብበትሪ ከትከቶ። ካልኦት ጓሳት ንሓገዝ እቲ ጓሳ ምስ መጹ ንስንክላ ኣምሊጡ ሃደመ። በኣ ጌሩ ከኣ ዝጓስዮም ዝነበሩ ከብቲ ኣክኡ ጠንጢኑ ናብ ዓዱ ተመልሰ። 

ካልእ ጽቡቅ መለሊኡ ከኣ ተሓላቒ ምዃኑ ‘ዩ። ንሕዋቱ፣ ንደቂ ገዛውቱ፣ ንደቂ ጎደቦታት ከይተረፈ ክህረሙ ወይ ክጥቅዑ ወይ ከኣ ክጽረፉ እንዳረኣየ ትም ኢሉ ኣይሓልፍን ኢዩ። ፈጺሙ ንኻልእ ኣሕሊፉ ኣይህብን ‘ዩ። ንኹሎም ብማዕረ ይሕለቀሎም ነበረ። 

  • ጠራሪ፡ ደንበ እንዳባሓጎ

ጻሕላይ ‘ጠርር፡ ከም ጻሕላይ’ ትብል ካልእ ዛንታም ኣላቶ። ኣቦይ ገብረኣብ ጎረቤት እንዳ ኣቦ ሓጉኡ፡ ኣብ ሓደ ገፊሕ ደምበ እዮም ዝነብሩ። ደቂ ኣቦይ ገብረኣብ ከኣ ቀንዲ መተሃላለኽቱ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ምስቶም እቶም ደቂ ኣቦይ ገብረኣብ ተባኢሱ ነበረ። ደቂ ኣቦይ ገብረኣብ ጉልብታት ኮይኖም ብዕድመም ይዓብይዎ ‘ዮም። ንሶም ዘራይ ኣብ ዘይብሉ ተበራርዮም ቀጥቀጥዎ። ክሳብ ኣስናኑ ደም ዝነትዕ ገበርዎ። ኣብ መሬት ኣውዲቆም ብእግሮም ረጋገጽዎ። ንሱም ኣይሓመቀን ብዶንጎላ ጌሩ ተሰሃኖም። እንተኾነም ንሶም ክልተ ስለዝነብሩ፡ ኣይከኣሎምን። ድሕሪ እቲ ባእሲ ንሶም ናብ ገዝኦም ሃዲሞም ከዱ። ኣብኡ ከኣ ጸወቶኦም ቀጸሉ።

ንብዓት ዝበሃል ጥብ ዘይበለቶ ጻሕላይ፡ ኣብ ኣፍደገ እንዳቦ ሓጉኡ ኮይኑ ከሕነኽንኽ ጀመረ። ብስሩ ሽንፈቱ ኣይተወሓጠሉን። ንዑኡ ሽንፈት ብፍላይ ከኣ ብደቂ ኣቦይ ገብረኣብ ተሃሪሙ ምባል ናይ ሞት ሞት ‘ዩ ነይሩ። ሕነኡ ብኸመይ ከም ዝፈዲ ክሓስብ ጀመረ። ኣውጺኡ ኣውሪዱ ሓንቲ ሓሳብ መጻቶ። ነቲ ደንበ ብመስመር ሓንጢጡ ናብ ክልተ ምምቃል። ደንጎሎታት ብምንባር ምልክት ምንባር። ከምኡ ከኣ ገበረ። ኣእማን ኣኪቡ ጂቡኡ ሞልኦ። ናብ እቲ ማዕጾ እንዳቦይ ገብረኣብ እንዳ ደርበየ፡ ዓው ኢሉ፥ ‘ኣንትን መሻሙሽ ጀጃዋት ነዛ ሕንጣጥ ሰጊርኪን እንተጻዊትክን ክርእየክ ‘የ’ ክብል ፈከረሎም።

ደቂ ኣቦይ ገብረኣብ ካብ እቲ ተሓብእሉ ካብ እቲ ዓቢ ህድሞ ክሳብ ዝወጹ ኣብ ሓጹር ኮፍ ኢሉ ተጽበዮም። ምስ ተረጋግኡን ሃገር ሰላም ኢዩ ኢሎም ኣብ ዘሓሰብሉ እዋን፡ ክጻወቱ ናብ እቲ ደንበ ወጹ።

ንጻሕላይ ከም ቁብ ከይቆጸሩ ጸወቶኦም ቀጸሉ። ኣብ መንጎ ናብ እታ ሕንጣጥ መስመር ጽግዕ ክብሉ ከለዉ ደንጎላ ኣልዒሉ እንዳደርበየ ኣፈራረሆም። ንሶም ‘ውን ግብረ መልስ እንተ ገበሩ ኣይከኣልዎን። ክሳብ እምኒ ካብ መሬት ኣርዮም ዝድርብይሉ ንሱ ብብዝሒ እንዳደርበየ ተሰሃኖም። ረጊኦም ክጻወቱ ኣይከኣሉን። ከም እንደገና ናብ እቲ ዓቢ ህድሞኦም ተመልሱ። ኣቦይ ገብረኣብ ናብ ገዛ ምስ መጹ ጠርዑሉ።

ኣቦይ ገብረኣብ ናብ ገዝኦም ምስ መጹ ደቆም ነቲ ሕንጻጽ መስመር እንዳርኣዩ ንጻሕላይ ከሰስዎ። “ብከምዚ ሓንጢጡ ካብዚኣ ከይትስግሩ ኢሉ ምጽዋት ከሊእና።” በሉ።

ኣቦይ ገብረኣብ ብሕምቀት ደቆም ኣይተሓጎሱን። ብግብሪ ጻሕላይም ኣይተሓጎሱን። ግን ከኣ ደንጺዎም ነበረ። ስቅ ክብሉም ኣይከኣሉን።  

ኣቦይ ገብረኣብ ንጻሕላይ ጸዊዖም፥ “ንዓ እስኪ ‘ታ እዚ ሕንጻጽ መስመር እንታይ ማለት እዩ?” ሓተቱ፡ ህድእ ኢሎም ናብኡ እንዳ ጠመቱን ናብ እቲ ሕንጻጽ ብኢዶም እንዳመልከቱን።

ጻሕላይ ክቀርቦም ኣይደለየን፡ ብርሑቅ ከይኑ ግን መለሰሎም፥ “ሓንጺጸዮ ‘ለኹ፡ ሓንጺጸዮ።” በሎም ብስኑ ከንፈሩ እንዳነኸሰ።

ኣቦይ ገብረኣብም፥ “እዚ ኸ እንታይ ማለት ‘ዩ፧” በልዎ ደንጺዎም።

መመሬትና ኣቦይ ገብረኣብ፡ ኣይትምጽኡና ኣይንመጻኩምን።” ክብል ትርር ኢሉ መለሶሎም።

ኣቦይ ገብረኣብ ዝተጸበይዎ መልሲ ስለ ዘይነበረ ሰንበዱ። ተሪር ነቃጽ ምዃኑ እኳ ዝፈልጥዎ እንተኾኑ፡ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ይዛረብ ኢዩ ኢሎም ሓሲቦም ኣይፈልጡን ‘ዮም። ‘ከምዚ ኢልካ ኸ ዘረባ ኣሎ ዲዩ፧’ ኢሎም ንነብሶም ሓተቱ። ዘረብኡ ክንዲ ዕድሚኡ ኣይነበረን። ደንጺዎም ነበሩ ክስሕቁ ከኣ ደለዩ ‘ሞ ክምስ በሉ። ርግእ ኢሎም፥ “ኪድ ሙሽሙሽ፡ ከምቶም ጀጋኑ ግዳ መሬት ዓድኻ ደይትጥርር፧” ክብሉ መለስሉ። ኣቦይ ገብረኣብ መሊቋቶም እያ። ሻዓ ኢዮም ተጣዒሶም።

እታ ‘ሙሽሙሽ’ ትብል ጸርፊ የሒማቶ ነበረት። ዘረቦኦም ላግጺ ኮይኑ ተሰሞዖ። ካብ እቲ ኮፍ ኢሊዎ ዝነበረ ሓጹር ጥር ኢሉ ተንሰአ። ናህሪ ብዝተሓወሶ ሕርቃን፥ “ኣነ ከም ዞም ቦጅባጅ ደቅኹም መሲለኩም፡ ሱረይ ንቁልቁል ተጸበዩ ከርእየኩም ‘የ!” ክብል ፈከረ። 

ኣቦይ ገብረኣብ ትቕብል ኣቢሎም ንዝተዛረብዎ ብዝክሕስ ሞራል ዝህብ ቃል፥ “ወዲ ሓብሮም፡ ጠርር! ሱረይ ንቁልቁል!!” ክብሉ ነታ ዝተዛረባ ደጊሞማ። ቀጺሎም ከኣ፥ “ወይ ዘመን ዘይየምጽኦ የለን፣ ጌና ጉድ ክንርኢ ኢና” ኢሎም ሊዕሊኡ ክዛረቡ ኣይደለዩን።  ካልእ ጸርፊ ከይመጾም ከሎ ደቆም ሒዞም ናብ እቲ ዓቢ ህድሞኦም ኣምርሑ።

ደቂ ኣቦይ ገብረኣብ ከኣ ኣቦኦም ዝዘረይሎም መሲሊዎም ተሓጎሱ። ካብ ባይታም እንዳ ነጠሩ ዘለሉ። ተተቀባቢሎም ከኣ “ጠራራይ” እንዳበሉ ምልሓሶም እንዳ ኣውጽኡ ኣብ ሊዕሊ ጻሕላይ ኣላገጹ።

ጻሕላይ ካብ ሕርቃኑ ኣይወጸን። መሊሱ ብሕርቃን ነደደ። ኣቦይ ገብረኣብ ስለዝነበሩ ‘ምበር ብዶንጎላ ጌሩ ምፈግኦም ነይሩ።

ድሕሪኡ ‘ጠርር፡ ከም ጻሕላይ’ እንዳተባህለ ካብ እቲ ዝተባህሎ ተዓባብዩን ተኻቢዱን ካብ ቤት ናብ ቤት፣ ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር፣ ኣብ እንዳ መርዓ፣ ኣብ እንዳ ሓዘን፣ ኣብ እንዳ ጥምቀት፣ ኣብ እንዳ ጸበል፣ ኣብ እንዳ መስተ፣ ኣብ እንዳ ስዋ፡ ኣብ ቤተክርስትያን እንዳ ማርያም፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን እንዳ ኪዳነምህረት፡ ኣብ እንዳ መስጊድ፡ ሰብ ኩሉ እንዳ ተቀባበለ መዛረቢ ገይሮሞ ቀንዮም።

  • ዕላል ፖለቲከኒ

ኣዋኑ ጎበጣ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝሓየለሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ። ውግእን ወረ ውግእን እዩ ዝዕለል ዝነበረ። ፍርድ ጎዲሉ፡ ፍትሕ ተጓዕጺጹ ስለዝነበረ ዘመነ ጸልማት ተባሂሉ ድጽዋዕ ዝነበረ እዋን ኢዩ። ዝግበር ዝነበረ ተፍትሽ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሊዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዝነበረ ግሕሰትን ዓመጽን መንእሰያት ኣይተጻወርዎን። በብሓደ ንበረኻ ገጾም ይውሕዙ ነበሩ። ‘በብሓደ ምንእሰያት ወሓዱ’ ተባሂሉ ከኣ ይዕለል ነበረ። እዚን ከምዚን ዓይነት ዕላል ከኣ ኣብ እንዳ ምልእተ እንዳ ስዋ ብትሒም ትሒም ሓንሳእ ሓንሳብ ከኣ ብጋህዲ ይዕለል ነብረ።

ወ/ሮ ምልእተ ሽፎና ካብን ናብትን ንየው ነጅጀው እንዳ ነውንወት ዓሟዊላ ተእንግድ ነበረት። ኩሉሻዕ ፍሽኽ ምስበለት ‘ያ። ምልእተ ድልድልቲ፣ ከደራይት፣ ምጭው ገጽ ዘለዋ ወ/ሮ ኢያ። ጽብቅቲ ምስ እቲ ምዃና ኣንስቲ እታ ዓዲ ብጽቡቅ ኣይጥምተኣን ኢየን። ሰብኡተን ከይትሕድገን ፍርሃት ኣለወን።

ኣብ እንዳ ስዋ እንዳ ምልእተ ብዘይካ እዞም ጃሱስ ተባሂሎም ብዓዲ ዝፍረጁን ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኩሉ ወዲ ዓዲ ዝዘናጋዓላ እንዳ ስዋ ኢያ። ብፍላይ ቀዳም ቀዳም ኣብ ኣስማራ ዕዳጋ ክኸውን ከሎ እንዳ ምልእተ ክሳብ ኣፋ ጢቅ ኢላ ‘ያ ትመልእ ‘ሞ፡ ገሊኦም ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ኢዮም ስወኦም ዘጠዓዕሙ። ኣብ እዞ መዓልትም ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ዊዒሎም ስለዝመጹ ከም ኣመላ መሊኣ ዘላ።

ዕላል ኣብ እንዳ ስዋ እንዳ ምልእተ ተዋዊዑ ነበረ። ብዛዕባ ሃገር ብዛዕባ ፖለቲካ ይዕለል። ደሃይ ተጋድሎ ኣብኡ ኢኻ ትረክብ። ብዛዕባ ዓዲ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣግህድ ኣቢልካ ስለ ዘይዕለል፡ ገለ መመኽንያ ገርካ ኢኻ ተዕልል። ናይ እቲ እዋን እቲ ዕላል ከኣ ጻሕላይ በሎ ብዝተባህለ ብጓል መንገዲ ዕላል ተጋደልቲን ዕላል ናጽነትን ኢዩ ነይሩ።  

ጻሕላይ በሎ እንዳ ተባህለ ከኣ ንመዕለሊ መመኽነይታ ኮነ። እቲ ዝዕለል ዝነበረ ዛዕባ ጻሕላይ ካብ እቲ ንሱ ዝተባህሎ ተወሳሲኽዎን ተዓባቢ ‘ዩ ተዓሊሉ። “እዛ ናይ ምጥራር ሓሳብ ‘ሲ ከመይ ኢሉ ኣምጺእዋ፧” ይብል ሓደ ድምጹ ካልኦት ክሰምዕዎ ዓው ኢሉ።

“እዚ ካብኡ ኣይኮነን፡ ሚርያም ዓድና ሕሹኽ ኢላቶ ‘ያ።” በሉ ሓደ ካህን መስቀሎም ዊጥ ኣቢሎም እንዳ ኣርኣዩ። ነቲ ተባህለ ዝተባህለ ምስ ትንቢት ከተኣሳስርዎ እንዳፈተኑ። “መላእኽቲ ብህጻናት ጌሮም ይዛረቡ ኢዮም።” ክብሉ ከኣ ወሰኽሉ።

መብዛሕቲኦም ምስምምዕም ንምግላጽ ክሳዶም ነቅነቁ። “ወይ ምጥራር መሬት! ኣንቱም እዚ ሕንጫል ቆልዓ ገለ ዝተራኣዮ ሃሊዎ ‘ምበር. . .” ትንቢት ተዛሪቡ ምስ ዝብሉ ዝተሰማሙዑ ይደግምዎ ዝነበሩ። 

ኣዝማች፡ ኣቡኡ ንጻሕላይ ምስ ኣቦይ ገብረኣብ ደንጉዮም ናብ እቲ እንዳ ምልእተ ድመጹ። ሚኒሊኾም ዓቲሮም ከኣ ኣብቲ ዝነበረ ኦሙር ዕላል ተሓወሱ። ኣብ መንጎ፥ “ሰሚዕኻ ‘ዶ ኣዝማች! እዞም ደቅና ‘ኮ ኣብ ከምዚ ቦታ ዲሂኾሞም ይበሃል ኣሎ” በሉ ኣቦይ ገብረኣብ ሕሹኽ ኢሎም።

“መን ደኣ ሕሹኽ ኢሉካ፧” ኢሎም ሓተቱ ንሶም ‘ውን ብሑሽኽታ።

“ዑፍ ፖለቲከኒ፡” በሉ ኣቦይ ገብረኣብ። ዑፍ ፖለቲከኒ ካብ እሙናት ምንጭ ዝተረኸበ ሓበሬታ ማለት ኢዩ። ምልእተ ለይቲ ለይቲ ተጋደልቲ ተእቱ እያ ተባህላ ስለ ትሕመ፡ ካብ እንዳ ምልእተ ዝተረኸበ ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ ‘ዩ ዝእመን። ኣዝማች ኢዮም ሓበሬታ ካብ እንዳ ምልእተ፥ ‘ዑፍ ፖለቲከኒ፡’ ኢሎም ሽም ዝሃብዎ። ኣዝማች ዕላል ፖለቲካ ክሰምዕዎ ‘ምበር ክዛረቡ ኣይብርሆምን ኢዩ። ተዛሪቦም እንተ ተባሂሉ፡ “ግደፉና ሓሰውቲ፡ ፖለቲከኒ፡” ኢሎም ‘ዮም ነቲ ዕላል ብሜላ ዝዓጽዉዎ።

ሎሚ ግን ከምኡ ኣይበሉን። ኣዝማች ዓው ኢሎም፥ “ምልእተ!! ኣንቲ ምልእተ!” ክብሉ ተደሃዩ።

ኣቦይ ገብረኣብ ሓመዶም ቡን በለ። ቀለብለብ ከኣ በሉ። ብእግሮም ጌሮም ከኣ ንኣዝማች ጉንትል ኣበልዎም። ኣዝማች ነገሩ ተረዲኢዎም፥ “ደሓን ደሓን ገብረኣብ ሓወይ፥ ደይ ስዋ ክእዝዝ ደልየ ኢየ።” በልዎም በሕሹኽታ። 

ምልእተ ምስ መጻቶም፥ “እስከ በሊ ሓደ ሓደ በልዮም!” ኢሎም ንኹሎም ኣብ እቲ እንዳስዋ ዝነበሩ ክትቀድሓሎም ኣዘዝዋ። ምልእተ ክምስ እንዳበለት ትእዛዝ ተቀቢላ ስዋ ከተምጽእ መቀመጫኣ ነው ነጀው እንዳወዝወዘት ንውሻጠ ኣተወት።

ኣዝማች ብቀዳድ ጁባ ‘ዮም ዝፍለጡ። ኣብ ጅብኦም ዘላ ገንዘብ ምስኦም ኣይትሓድርን ‘ያ። ኣዝማች እንተ ደኣ ብኣልማማ ኣዚዞም ገንዘብ ኣለዎም ማለት ‘ዩ። ኣብ እንዳ ምልእተ እንዳ ስዋ ነጊፎማ ‘ዮም ዝኸዱ። ዕዳጋኣ ዝዓመረላ ምልእተ ንኹሎም ቀድሓትሎም። ምስጋና ከካብ ኩርናዕ እቲ ገዛ ወሓዘ።

“የቀንየልና አዝማች ብጽቡቅ ይመለስ!!’ ይብል ሓደ። “ኣንታ ብሩኽ፣ በዚሑ በዚሑ።” ይብል እቲ ኻልእ።

ኣብ መንጎ ሓደ፥ “ኣዝማች እንታይ ደኣ እዚ ዝበሃል ዘሎ፧” ክብል ዕላል ጀመረ። ካልእ ትቅብል ኣቢሉ፥ “ካን ኣዲኡ ነዚ ወሊዳ መኺና!” ክብል ወሰኸሉ። ገሊኦም ከኣ ፍርሃት ብዝተሓወሶ፥ “እሞ ሰብኣይ እየ ዝበለ ይስዓባ።” ይብሉ ነበሩ። 

ሓደ ብድድ ኢሉ፡ ብረዚን ብናይ ስኻር ነጎድጓዳዊ ድምጺ፥ “ስምዑ ጽባሕ ኣብኣ ክንራኸብ ኢና። ሽዑ ኣብ ናይ ኣዴኽን ማህጸን ኣይትምለሳ!!” ክብል ፈከረ። ኩሉ ሰብ ኢዩ ዝፈርሆ። ወኪል ክልተ፡ ብኽልተ ካራ ዝበልዕ ተባሂሉ ኢዩ ዝሕመ። ጃሱስ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ኢዩ ዝእመን። ብውሽጢ ውሽጢ ከኣ ምስ ተጋደልቲ ይሰርሕ ኢዩ ተባሂሉ ይሕመ ኢዩ።

በዚ ዘይተሓጎሱ ኣዝማች ቁጥዖም ገንፊሉ ወጸ። ብድድ ኢሎም፥ “ስምዑ ‘ስከ፡ ሓሳእ ‘ስኪ ዕሽታኹም ሃቡኒ።”በሉ ህድእ ኢሎም። ኣዝማች እንተ ተዛሪቦም ህድእ ኢሎም ኢዮም ዝጅምሩ። ቀስ ብቀስ ከኣ እንዳረሰኑ ይመጹ። ቀጺሎም፥ “እዚ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ ኣይኮነን። ፖለቲከኒ ‘ዩ። ኣይነገፋፋሓዮ። ኣይነካብዶ። እዚ ጸገም ንምፍጣር ሽም ምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ሕማቕ ኣመል፡ ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ሎሚ ሕንጫል ቆልዓ ኢሊዎ ኢልና ደይናቱ ኣይንሃቦ። ክገብር ዝደለየ ናቱ ይግበር። ኣብ እንዳ ምልእተ ተሓቢእኻ ሓሜት ነውሪ ‘ዩ።” ኢሎም ናብ ደገ ገጾም ከዱ። ኣቦይ ገብረኣኣብ ከኣ ሰዓብዎም።

ብ ደብረ

ካልኣይ ክፍል ይቕጽል

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.