ንነብስኹም ብኸዩ!! መስሓቕ ሸራፋት ፩ይ ክፋል

ንነብስኹም ብኸዩ!! መስሓቕ ሸራፋት

                                             ‘ትዕዝብቲ ስዉኣት’

ህላወኻ ሊዕሊ ሙውታት፣ ትሕቲ ህልዋት ኮይኑ እንተተሰሚዕካ ዳርጋ ምዉት ኢኻ። ካብ ምዉታት ዝፈልየካ ምስትንፋስካ ‘ዩ። ካብ ህልዋት ዝፈልየካ ከኣ ሓጥኣትካ፡ ሕሉፍ ክፉእ ግብርኻን እምነት ምጉዳልካን ‘ዩ። ካብዚ ንኽትነጽህ ንነብስኻ ብኸ። እግዚኣብሄር ንዝሃበካ ናይ መንጽሂ ዕድል ተጠቀም፣ ንስሓ እቶ።  

ክፋል

  1. መኣተዊ

ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሩ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር፡ ሓላልን ሓላይን ምዃኑ ዘመስከረ ጨዋ ህዝቢ ኢዩ።  ባህርያት ሕውነትን ፍቅርን፣ ኣኽባሪ ሃይማኖት፣ ጻዕራም፣ ህርኩትን ርህራሄን መገለጺ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ድልየት ትምኒትን ባህጊን ክርዓት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅሳነትን ሰላምን፣ ኣብ ርግኣትን ድሕነትን ምንጣፍ ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስኩሎም ጎረባብቱ ብታሪኽ፣ ብባህሊ፣ ብስትራተጃዊ ረብሓ ብቀረባ ዝተላገበ ጥቡቕ ርክብን ጽቡቅ ዝመነን፣ ብምክብባር ልኡላውነቱ ዓቂቡ ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ብሰላም ብጽቡቅ ጉርቡትናን ብሕድሕዳዊ ምርድዳእን ምትሕግጋዝን ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ኢዩ።

“ሰብ” ማለት ትርጉሙ ካብ ሰብ ንሰብ ክፈላለ ይኽእል። ሳይንሳዊን መንፈሳዊን ተመራመርቲ ዝሰማምዕሉ ሓደ ናይ ሓባር ትርጉም ይህሉ ኢዩ ዝብል ገምጋም ኣሎኒ። ሰብ ካብ ካልኦት ፍጡራት ፍልይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ወይ ብኣመለኻኽታ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ፈጣሪ ዝካፈል ምዃኑ ኢዩ። ብኣመለኻኽታ መንፈሳዊነት ፍጥረት ሰብነት ኣተሃናንጻ ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ኢዩ ዝመሳሰል። “ህዝቢ” ዝብል ቃል ከኣ እኩብ ሰብ ማለት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሰብም ህዝብም ኢዩ ክንብል ኮለና፡ ብሓፈሻ ኤርትራዊ መለኮታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ብትቸዓተ ብሄራት ዝተኣከብ ህዝቢ ንማለት ‘ዩ።

ይኹን ደኣ ‘ምበር ብጠንቂ ባዕዳዊ ግዝኣት መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ስለተኸልአ፣ ሃገራዊ ልዑላዊነቱ ስለተሓድገ፡ ናጽነቱ ከምልስ፣ ልኡላውነቱ ከውሕስ ምስ ኮሎንያል ገዛእቲ ብፍላይ ከኣ ምስ ንግስነት ኢትዮጵያ ነዊሕ፣ መሪርን ደማዊን ቃልሲ ጌሩ። ገድሊ ኤርትራ ፍሉይን ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ እዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ዓመታት ብቀጥታም ይኹን ብተዘዋዋሪ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ርሱን ወይ ዝሑል ኩናት ተጸሚዱ ጸኒሑ እቲ ዝኸፍአ እዋን የሕሊፉን። እዚ ደማዊ ኩናት ክሳብ ሕጂ ብግምታዊ ስሌት ብውሑዱ ሊዕሊ ሚእቲን ኣርብዓን ወይ ሊዕሊ ሚእቲን ሓምሳ ሽሕ ሂወት ኤርትራዊ ቀጢፉ ‘ዩ። ማእለያ ዘይብሉ ሰብ ሰንኪሉን ተሰዲዱን፣ ብምልዮናት ዝፍቀዱ ህዝቢ ተመዛቢሉን ብትሪልዮናት ዝፍቀድ ንብረት በሪሱን ጠፊኡን።

ባህርያት ገዲሊ ፍሉይነት ነይርዎ ክበሃል ከሎ ነዊሕን ሕልኽላኽ ዝበዝሖን ምዃኑ በቲ እቲ ሓደ ሸነኽ፡ ካብ ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከቡ ውሑዳት ገድልታት ሓደ ምዃኑ በቲ እቲ ካልእ ሸነኽ እቲ ገድሊ ረዚን ምዃኑ ንምግላጽ ‘ዩ። ኣብ ላዕሊ ከም እተገልጸ እቲ ገድሊ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ምስምዃኑ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ ከቢድ ‘ዩ። ኣብ መሬት ኤርትራ ደም ስዉእ ዘይነጠቦ ዓጽሚ ስዉእ ዘይተዘርኣሉ ቦታ የለን። ዮውሃንስ ትኳቦ (ወዲ ትኳቦ) በቲ ጥዑም ላዝኡ፥ “ታሪኽ ኣለዎ እቲ ጎቦ / ታሪኽ ኣለዎ እቲ እምባ ሰብ ከይድይቦ” ኢሉ ዘዜመሉ ነዚ ንምግላጽ ‘ዩ።

እቲ ገድሊ ፍሉይ ዘብሎ እምነት እቶም ተጋደልቲ እቲ ሕመረት እቲ ገድሊ ብቀዳማይ ደረጃ ዝጥቀስ ኢዩ። ተጋዳላይ ንሂወቱ ዝበቅቅ ኣይነበረን። ብእምነቱ ናጽነት ከምትመጽእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሓርነት ከምዝላበስ እምነት ነይርዎ። ድሕሪ ናጽነት ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብ ጊዜ ቃልሲ ብዝነበረ ናይ ሓባር ርዲኢት፣ ብሂወት ዝተረፈ ሕድሪ ከቀጽል፣ ዝተኣትወ መብጸዓ ክሕሉ፣ ህዝቢ ብሰላም ክነብር፣ ቀሲኑ ወፊሩ ክወጽእን ክኣቱን፣ ሓይሊ ስልጣን ብድምጹ ከረጋግጽ፣ ክምዕብል ክብልጽግ ወ.ዘ.ተ ዝብል ንህዝቢ ዝጠቅም ፖሊሲታት ክትግብር ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ ነዊሕ፥ ኣሰልቻዊን ኣድካምን ቃልሲ ናጽነቱ እኳ እንተ ኣውሓሰ፣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም እቲ ለዋህነቱን ብርኹነቱን፣ ከም እቲ ገርህነቱን እምነቱን፣ ከም እቲ ቅንዑንኡን ሓቅነቱን፣ ከም እቲ ግሉጽነቱን ሓላይነቱን፡ ከም እቲ ክረክቦ ዝግብኦ ጻምኡ ጌና ኣይረኸበን። ጌና ሓርነቱ ኣይተላበሰን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ እቲ ክኸውን ዝነበሮ ከይኮነ፡ እቲ ክኸውን ዘይነበሮ ኢዩ ኣብ ባይታ ዝተተግበረ።  ኣብ እዘን ዝሓለፋ 29 ዓመታት እዋን ናጽነት ኣንጻር እቲ መብጸዓን ዝነበረ እምነት ስዋኣትን ኢዩ ኣብ ተግባር ኣብ ባይታ ዝተተግበረ።  

ሸቶ ተጋደልቲ፡ ሰውራ ክድግፉ፣ መግዛእቲን ጎበጣን ክኣልዩ ‘ምበር ቃልሶም ንብሕታዊ ጥቅሚ ኣይነበረን። ኣብ ፈቀዶ ጎቦታት፣ ኣብ ፈቀዶ እምባታት፣ ኣብ ፈቀዶ ስንጭሮን ሩባን መንእሰያት ናይ ንእስነት ጊዜኦም ዘሕረሩ ንስለ ርኣዩለይ ኣይነበረን። ገድሎም ንስለ ህዝቦም፥ ክቱር ቃንዛ ዝተቀንዘዉ፡ ሞቶ ህዝቦም ዝሞቱ፡፣ ስንክልና ህዝቦም ዝሰንከሉ፡ ንስለ ህላወ ናጽነት፣ ሓርነት ሰላምን ቅሳነትን፣ ንስለፍትሕን ፍትሓዊ ፍርድን ‘ምበር ንስለ ቀለዓለም ኣይነበረን። መስዋእቶም፡ ስንክልንኦም፣ ንስለ ዲሞክራሲ፣ ንስለ ራህዋን ሕባራዊ ምዕባለን ብልጽግናን ‘ምበር ንስለ ብሕታዊ ዕብለላ ኣይነበረን። እቲ ዝኾነ እቲ ዝነበረ ሕልሚ ስዉኣት ሕልሚ ኮይኑ ከምዝተርፍ ብመደብን ኣፍልጦን ክሳብ ዝመስል ተሰሪሒሉ። 

ኣብዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ዘይተተግበረ መብጸዓን ዝተኾልፈ ጻማን ትንታነ ንምሃብ ምፍታን ኢዩ። ትርጉም መስዋእትን ጻማን ብኸመይ ኢዮም ክሰማምዑ ዘይከኣሉ፧ ምስ እዚ ኣብ መንጎ እዘን ድሕሪ ናጽነት ዘለዋ ጊዜ ዝተፈጠረ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክ ድህስስ ክፍትን ኢየ። 

ኣብ ኤርትራ ዓመት መጸ 20 ሰነ ኩሎም ስዉኣት ኤርትራ ድዝከርሉ መዓልቲ ‘ያ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ትምእርቲ ሕላገት ናጽነት ኤርትራ ዝተኸፍለ ሂወት፣ ዝፈሰሰ ደምን ዝተከስከሰ ዓጽምቲን ንኽትዝክርን ክዝንተውን ዝተሓርየት ረዛን መዓልቲ ኢያ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን፣ ምእንቲ ምዕቃብ ሃገር ንእስነቶም ዝወፈዩ ኣብ ውሽጢ ዓሚቕ ትዝታን ልዑል ሓበንን ኮይኖም ዝኽሪ ዝግበሩላ መዓልቲ ኢያ።

መስዋእቲ ኣብ ኤርትራ ክተዘንትውን ክትዝክርን፡ እዚን እትን ኢልካ ኣፍኩስካ፡ ሓደ ስድራቤት ኣትሒትካ ካልእ ስድራቤት ኣልዕልካ ተልዕሎ ተራ ዛንታ ኣይኮነን። መስዋእቲ ኣብ ኤርትራ ፍሉይነት ኣለዎ። ቀዳማይ፥ ኤርትራ ብዓይኒ ሚዛን ዓለም ካብ ካልኦት ሃገራት ኣንጻራዊ ድበዝሐ መስዋእቲ ከፊላ ኢያ።  ካልኣይ፥ ምኽንያት መስዋእቲ ንኤርትራውያን ናይ ኣሃዛዊ ዕብየት ዘርኢ ጥራይ ኣይኮነን። መስዋእቲ ንኩሉ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ውልቃዊ ጉዳይ ዝትንክፍ ፍጻሜ ‘ዩ። ቅልል ብዝበለ ኣገላልጻ መስዋእቲ ዘይተንከፎ ኤርትራዊ ስድራቤት የለን። ካብ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ዘይተሰወአ ኣባል ወይ ዘመድ የለን። ኣብ ዝርዝር ምስ ንኣቱ መስዋእቲ ኣቦ፣ ወይ ኣደ፣ ሓዊ ወይ ሓፍቲ፣ ሓወቦ ወይ ኣኮ፣ ኣሞ ወይ ሓትነ፣ ዓርኪ ወይ መማህርቲ ወይ መጻውቲ፣ ወዲ ወይ ጓል ሓወቦ፣ ኣኮ ኣሞ ወይ ሓትነ ወይ ገዛውቲ ወይ ጎደቦ ይህሉ ‘ዩ።

ትርጉም ስዉኣት ብዝተፈላለየ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃቦ ኢዩ። ሰባት በብናቶም መንገድን ኣራኣእያን ነናቶም ትንታነታት ይህቡሉ ኢዮም። ኣቅራቢ እዚ ጽሑፍ፡ ትርጉም መስዋእቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ህላወ ናጽነትን ሓርነትን፡ ሰላምን ቅሳነትን፣ ራህዋን ሰላምን ከምኡ እውን ምስ ሉኡላውነትን ቀጻልነትን ኤርትራ ዝተተሓዘ፡ ዝተላገበን ዝተሓላለኸ ምዃኑ ይኣምን።

ብኣቅራቢ እዚ ጽሑፍ ኣራኣእያን እምነትን ትርጉም መስዋእቲ፡ እቲ ስዉእ፥“ምእንቲ ምሕራር ናጽነትን ሓርነትን፣ ምእንቲ ምስፋን ሰላምን ቅሳነትን፡ ምእንቲ ራህዋን ምዕባለን፣ ምእንቲ ምዕቃብ ሉላዊት ኤርትራን ኢሎም ሂወቶም ዝወፈዩን መባእ ዝተኸፈሉን፡ ከምኡ ‘ውን ብግፍዒ ዝተሰደዱ ኣብ ፈቀዶ በረኻ ዝሞቱን፡ ኣብ ሜትደተራንያን ባሕሪ ድራር ዓሳ ዝኾኑን” ተባሂሉ ክትርጎም ይከኣል።

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተወሃበ ትርጉም መሰረት፥ ኩሎም ስዉኣት ንብሎም ብቀጥታ እቶም ኣብ ሜዳ ኣብ ውግእ ዝተሳተፉ ናይ ህዝባዊ ግንባር ተጋደልቲ ጥራይ ኣይኮኑን። ሃገራዊ መንነት፡ ሃገራዊ ናጽነት፡ ብቃልሲ ተጋደልቲ ጥራይ ኣይኮነን ተረኺቡ። ንጉዳይ ሃገር ኢሉ ወጺኡ ዝሞተ ስዉእ ኢዩ። ብጉዳይ ሃገር ሂወቱ ዝተቀዘፈ ስዉእ ኢዩ። ኣብ ሃገሩ ምንባር ተኸሊኡ ሂወቱ ዝሰኣነ ስዉእ ‘ዩ። እቶም ንናጽነትን ንድሕነት ሉኡላዊት ሃገር ሂወት ዝሰኣኑ፡ ካብ ኩሉ ወገናት ብዘይ ኣፈላላይ ደኣ ‘ምበር ካብ ሓደ ውድብ ወይ ካብ ሓደ ብሄር ወይ ሓደ ሃይማኖት ኣይኮነን።

ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝወጹ ግን ከኣ ኣብ እቲ ውሽጢ ኣቲ ገድሊ ብዝተፈጥረ ሕድሕዳዊ ረጽሚ ሂወቶም ዝኸፈሉ ስዉኣት ኤርትራ ‘ዮም። ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ብጀብሃ ዝፍለጡ) ከምኡ ‘ውን ስዉኣት ኣብ እቲ ፈላማ ዝነበረት እታ ብሓራኻት ትፍለጥ ዝነበረት ውድብ ብኣብነት ክጥቀሳ ይኽእላ።

ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብዝተፈላለየ ጊዜን ቦታን፣ ኣብዝተፈላለየ ስርሒታትን መደባትን ሂወቶም ከፊሎም ኢዮም። ነዚ ዕላማ ኢሎም ብውፉይ ዝፍለጡ፥ ብግፍዒ ጸላኢ ሂወቶም ዝተሓድጉ ኩሎም ስዉኣት ኤርትራ ‘ዮም። ኣብ ውሽጢ እቲ ብጸላኢ ዝተዳፈናን ዝተቃጸላ ዓድታት ብሰማእትነት ብኣልማማ ድራር ጥይት ዝኾኑ ስዉኣት ኤርትራ ኢዮም። 

ምስቲ እቲ ናይ ስዉኣት ዕድል ዝተኣሳሰር ዕድል ዘለዎም፡ ኣላይን ጧሪን ዝሰኣኑ ስድራቤት ስዉኣት ማዕረ ስዉኣት ክዝከሩ ዘለዎም ‘ዮም።

ብተወሳኺ ብዘይ ክፍሊትን ጻማን ከርፋሕ ሂወት ዘሕለፉ፣ ኣብ ድፍዓት ኮይኖም ሂወቶም ከወፍዩ ተቀሪቦም ዘለዉ፡  ንምክልኻል ብሃገራዊ ኣገልግሎትን ህዝባዊ ሰራዊትን ዝቆመ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝበሃል፡ ክዝከሩ ይግባእ።

ድሕሪ ናጽነት ብዘጋጠመ ዘይቅርኑዕ ምሕደራ፡ ስድራ ጠንጢኖም፣ ሃገር ገዲፎም ዝወጸኡ ተስፋ ዘዕረቡ መንእሰያት ከም ኣካል ናይዚ መስዋእቲ ክውሰዱ ይግባእ። ትምህርቲ ተስፋ ምስተሳእኖ፣ ሰሪሕኻ ምእታው ምስተኾልፈ፣ ናብራኻ ናብራ በረኻ ምስኮነ፡ መጻኢ ሂወት ጸልማት ምዃኑ ዘማዕደዉን ህጻናትን (ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ) መንእሰያትን እግሮም ናብ ዝመርሖም ንስደት ምስ ወጹ ኣብ ፈቀዶ ጫካ ዝተረፉ፣ መዝሓል ካራ በደዊንን ድራር ዓሳ መደተራንያን ባሕሪን ዝኾኑ ብዝሒ መንእሰያት ኤርትራ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዚ ከም ኣብነት ትራጀዲ ላምፐዱዛ ምዝካሩ እኹል ኢዩ። እዚኦም ብዘይጥፍኣቶም ዝተቀጽዑ ኣካል ህዝቢ ብምዃኖም ክንዝክሮም ይግባእ።     

ንጉዳይ ሃገር ኢሉ ወጺኡ ዝሞተ ስዉእ ኢዩ። ብጉዳይ ሃገር ሂወቱ ዝተቀዘፈ ስዉእ ኢዩ። ኣብ ሃገሩ ምንባር ተኸሊኡ ሂወቱ ዝሰኣነ ስዉእ ‘ዩ።

ብ ደብረ

ይቕጽል

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.