ፈ/ሽ ውድብ ሓድነት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣኼባ ኣካይዱ ፡ 2 ጥቅምቲ 2020

ፈጻሚት ሽማግለ ውድብ ሓድነት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣኼባ ኣካይዱ

2 ጥቅምቲ 2020

ለት 2 ጥቅምቲ 2020 ፈጻሚት ሽማግለ ውሓደለ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መእተዊ ኣኼባ ኣቦ መንበር ፈ/ሽ ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ሓፈሻዊ ህሉው ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝግረፍ ዘሎ ህዝብናን ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ናብራን ብተርእዮ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ዝወርዶ ዘሎ ተወሳኺ ኣደራዕ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዝቀጸለ ኣጀንዳታቱ፡ ብመጀመሪያ ነቲ ኣብ 26-27 መስከረም ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ዝቀረበ ጸብጻባት ፈ/ሽ ኣብ ውሽጢ ዓመት ንዝተዓመመ ስርሓት ብግቡእ ዘቅረበ ምንባሩ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ኣብ’ቲ ዝቀረበ ጸብጻባት ብዝያዳ ክስርሓሉ ዝግባእ ንስለ ዘለዎ፡ ኣብ’ዚ ን2020-2021 ዝሰፍር መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈታት ልዑል ግምት ተገይርሉ ብኣትኵሮ ብምልኣት ክኸውን ሓያል ቃልስን ተወፋይነት ከም ዘድልዮ ዘትይሉ። በዚ መሰረት ኣብያተ ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ቦርድ ክሕይላን ኣበርትዔን ክሰርሓ ጥራሕ ዘይኮነ ኣዓቕምን ክእለትን ንዘለዎም ኣባላት ውድብ ኣብ’ቲ ከፍርይሉ ዝኽእሉ መደብ ክነጥፉ ኣብ’ቲ ዝተበገሰ ዕላማ ህዝባዊ ቃልሲ ውሓደለ ልሉይ ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘትዩ።

ፈ/ሽ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውድብ ክዕመም ዝጸንሐ ስርሓት፡ መላእ ኣባላት ውድባት ንዝተዋህቦም ምቅሊት ስርሓት ኣብ ምፍጻም ከካይድዎ ዝጸንሑ ስርሓትን፡ ንዘቅርብዎ ርእይቶን ሓሳባትን፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ከም ዝነበሮን ዘለዎን ርእዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ’ቲ መላእ ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ይኹን ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንዝቀረቡ ኣገደስቲ ሓሳባት ርእይቶን ለበዋታትን ክሰርሓሉ ከም ዝግባእ ተሰማሚዑ።

ብፍላይ እዋናዊ ጠለብ ህዝብና ንምምላእን ዘተኣማምን ሓያል ደምበ ፍትሒ ብምውናን ንቀጻሊ መኸተ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ድሉው ክኸውን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ መስርሕ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብማዕር ክስጉምን፡ ብዝከኣሎ ዓቕሚ ክሳተፍ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ውሓደለ

2 ጥቅምቲ 2020   

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.