ንነብስኹም ብኸዩ !! መስሓቕ ሸራፋት ፪ይ ክፋል

ንነብስኹም ብኸዩ!! መስሓቕ ሸራፋት

፪ይ ክፋል
- ምናቦምን እምነቶምን – መልእኽቲ ‘ዓወት ንሓፋሽ!’
ቀዳሞት ስውኣት፡ ናጽነት ከምትመጽእ ኣመኑ ‘ምበር ናጽነት ክርእዩ ኣይተዓደሉን። ከም እቲ ዛንታ ዝተነገረና ኣብ ጊዜ መስዋእቶም ንብጾቶም ዘውርስዎም ከም መርኣያ ጽንዓት፣ ተወፋይነት፣ ሓልዮት፣ ሓቦን ጀግንነትን ‘ዓወት ንሓፋሽ’ ትብል ጭርሖ እየን ነይረን። ኣብ እዋን ሕልፈት ለበዋኦም ‘ዓወት ንሓፋሽ!’ ትብል ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓባራዊ መቃልሕ ነበረት። መቃልሕ እዛ ሓረግ ኣብ ኩሉ ነብስ ወከፍ ህሉው እዝኒ ከም እጹብ ድንቂ ደወል ከም ጥዑም ልዙብ ሙዚቃ ኢዩ ዝዜም። ነብስ ወከፍ ተጋዳላይ ኣብ ጊዜ መስዋእቱ ከመይ ኢሉ ከምዘድምጻ ኢዩ ዝሓስብ፣ ዝጭነቅን ዝለማመድን። ቕድሚ መስዋእቲ ዝገበርካ ጌርካ ናይ መወዳእታ ጉልበት ኣኻኺብካ እታ ቃል ክትድመጽ ኣለዋ። እታ ድሃይ እታ ድምጺ ናብ ናይ ኣየር ማዕበል ሰነጣጢቃ ብትንግርቲ ኣብ ኣእዛን ብጾት ክትበጽሕ ኣለዋ። እታ ድምጺ እታ ደሃይ ተመሓላልፎ መልእኽት፡ ከም ውርሻ ንብጾት እያ ትእመን። እዚ ደቂስካም ከይደቀስካም ትኽስ ኢልካም መዓልታዊ ዕለታዊ ትሓልሞ ሕልሚ ነብስ ወከፍ ተጋዳላይ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
ተጋደልቲ ከምዝሕክይዎ፥ ኣብ ሕድሕዳዊ ዕላላቶምን ጭርቃኖምን ብዛዕባ መጻኢ ሃገሮምን ህዝቦምን ብዛዕባ ምናቦምን እምነቶምን ኢዩ ነይሩ። ናጽነት ከምትመጽእ፡ ሓርነት ከምዝሰፍን፣ ሓገር ከምትምዕብል ስድሪ ኣድሪም ትኹን ጥርጥር ኣይነበሮምን። ጊዜ መስዋእቲ ኣኺላ፡ ቅድሚ “ዓወት ንሓፋሽ!” ኢሎም ምስዉኦም ኣብ ህሞት ሞትን ሕየትን ኮይኖም ነዛ ናጽነት ብምናቦም ኣማዕድዮም ከምዝርእይዋ ኢዮም ዝሓስቡ። ኣብታ ህሞት መስዋእቲ እቲኣ ሰማያዊት ባንዴራ ኣብ ናጻ መሬት ኤርትራ ደሚቃን ማዕሪጋን ክትንብልበል ይርእዩ። ሰማያዊት ባንዴራ ብሳላ ደቃ ማዓረ ካልኦት ሃገራት ኣብ ትካል ሕቡራት ሃገራት ደሚቃ ክትንብልበል ክትንብልበል ትረኣዮም። ሃገር ማዕቢላ ማዕረ ምዕቡላት ሃገራት ተሰሪዓ ከም ሲንጋፖር ብዘመናዊ ህንጻን ቅጥራን ወቂባ ትራኣዮም ነበረት።
ኣብ ፈቀዶ ኩርናዕ ናይ እቲ ከተማታት ኤርትራ ብመናፈሻ ብቅጠልያን ዕምባባትን ወቂባ ህዝቢ ብናጽነት ክዘናጋዕ፣ ማዕረ ካናዳ ብዘመናዊ ሕርሻ መሬት ቀጠልያ ኮይና ህዝቢ በሊዑ ጸጊቡ ክሓድር፣ ማዕረ ብእንድስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ምዕራብ ብጽላት ኢንደስትሪ ዘመናዊ ፋብሪካታት ተተኺለን ፍርያተን ንሰደድ ክሰዳ፣ ማዕረ ዲሞክራስ ዝኽተላ ሃገራት ህዝቢ መስሪዕ ሒዙ መራሕቱ ክመርጽ ይዕዘቡ ኮይኑ ይስምዖም ነበረ።
ነዚ ምናቦም ዘርኣዮም ኣሚኖም ፍሽኽ ይብሉ ‘ሞ ልቦም ብባህታን ደስታን ይምላእ። ሽዑ ክሳዶም ቅንዕ ኣቢሎም እታ “ዓወት ንሓፋሽ!” ትብል መብጸዓ ቃልኪዳኖም ብጻዕሪ ደጋጊሞም ብምጭራሕ ይጭድሩ ነበሩ። ብመስዋእትነት ሸቶኦም ዕላማኡ ከምዝወቅዕ ክንዲ ኣድሪም ትኹን ከይተጠራጠሩ ንዘለኣለም ይድቅሱ ነበሩ። ኣዚ ነይሩ ምናቦም እዚ ነይሩ ሕድሕዳዊ ምንባቦም።
ብኸምዚ ምናብ ስዉኣት ኣብ ጊዜ መስዋእቶም፡ ካብ ማዕሙቕ ልቦም ብዝፈልፈለ ፍቅርን እምነቶምን፡ ነታ ዝጀመርዋ ዕላማ ኣብ ደረታ ኣብጺሖማ ‘ዮም። ኣብ ጊዜ መስዋእቶም እምነቶም እቲ ኤርትራዊ ክብሪ ንምምላስን ነጻ ኤርትራ ምእዋጅን ኢዩ ነይሩ። ስዉኣት ይእውዱ ‘ምበር ኣይእወዱን ኢዮም። ከም ክርስቶስ ንህዝቡ ብፍቅሪን ይቕርታን ኣብ መስቀል ዝተበጀወ፡ ስዉእትና ከኣ ንህዝቦም ኣብነት ክርስቶስ ስዒቦም ተሰዊኦም።
- ስዕረት ባህሪን ባህሊን ገድሊ
ከስዒ ኤርትራን ኣደን ተመሳሳሊ ኢዩ። ማህጸን ኣደ ዥንጉርጉር ጉራሙራ ከምዝበሃል ከስዒ ኤርትራውን ክምኡ። ካብ ማህጸን ኣደ ዝውለዱ ምናልባት ዝቀራረብ ባህርያትን መልክዕን ክህልዎም ይኽእል እንተዘይኮይኑ ሓደ ዓይነት ባርህን መልክዕን ሒዞም ኣይፍጠሩን ኢዮም። ናብራን ኣተዓባብያን ተወሲኽዎ ገለ ገለ ሰባት ጸጽቡቕ ባህርያት ዝውንኑ ግሉጻት፣ ቅንዓት፣ ርህሩሃት፣ ሓለይን ምእዙዛትን ክኾኑ ይኽእሉ። ገሊኦም ከኣ ብኣንጻሩ ዝስርዑ ኣለዉ። ኤርትራም ከምሃገር፣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ወናኒ እዞም ክልተ ውሉዳት ኢዮም። ጻዕሪን ተገዳስነትን እዞም ቀዳሞት ባህሪ ዘለዎም ውሉዳት፡ ህዝቢ ከይጉሂ ዕንቅፋት ዘይብሉ መንገዲ ብምጽራግ ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ዝሕጎሰሉ ኩነታት ክፈጥር ፋሕተርተር ዝብሉ፥ እቶም ካልኦት ከኣ ከምዚ ጉርድን ገፈልን ገርካ ዝሕሰቡ ከምዛ ካብ ህዝቢ ሕቁፍን ማህጸንን ዘይተረኸቡ ብኣንጻር እቶም ቀዳሞት ንውልቃዊ ጥቅሞም ዝነጥፉ ውሉዳት እዮም።
ኣብ ገድሊ ቃልሲ ኤርትራ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ክልተ ጫፍ ባህርያት ብሓባር ኣብ ሓደን ከጋድልን ከነባብርን ዝኽእልን ዝጥርንፍ፡ ስርዓትን ሕግን ዘማእከለ ባህሊ ተፈጢሩ ነይሩ ኢዩ። እቲ ባህሊ ባህርኡ መለኾታዊ ኣራኣእያ መሰረት ዝገበረ ግን ከኣ ዝኾነ ሃይማኖትን ባህልን ልምድን መሰረት ዘይገበረ፡ ሓልዮትን ምትሕግጋዝን ባህርያት ዝነበሮ፡ እቲ ባህሊ ንኹለን ዓሌታትን ብሄራትን ብሓደ ሸነኹ ንኹለን ሃይማኖታት ከኣ በቲ ኻልእ ጠርኒፉ ናብ ሓደ ዓይነት ብሄርን ሃይማኖትን ክጥርንፍ ዝኸኣኣለ ነይሩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኮነን። እዚ ውሉድ ባህሪ ከም ባህሊ ተወሲዱን ተሰሪሒሉን። ሓደ ዓቢ ሓያል ኣብነት ናይዚ ባህሪ ብሃይማኖትካ ወይ ብበተሰብካ ምምሓል ገዲፍካ፥‘ብብጾትካ’ ምምሓል ክጥቀስ ይከኣል። እቲ ባህሪ ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ፡ እስኻ ደጀን ኩን ኣነ ክዋጋእ ዝብል መርኣያ መንፈሳዊ ሓልዮትም ነይርዎም ‘ዩ።
እዚ ባህርይን ባህሊን ነዚ ገድሊ ኤርትራ ሓደ ካብ እቶም ካልኦት ገድልታት ፍልይ ይገብሮ። እቲ ዝነበረ ባህርያት ጀግንነት፣ ሓቦን ተጻዋርነትን ኣብ እቲ ዝነበረ ይድረዓሉ። በዚ ባህሪ ዝተጸለዉ ተጋደልቲ ኩሎም ኣብ ዝወዓልዎ ጀግንነት ካብ ነንሕድሕዶም ኣይነኣኣሱን። እቲ ባህሊ ዝፈጠሮ ባህሪ ኩሉ በብኣቕሙ ኣብ ሓልዮትን ምትሕግጋዝን ብጾቶም ተራ ነይርዎ ኢዩ።
እቲ ፍጡር ባህሪ ከም ባህሊ፡ ከም ‘ድሕሪ ሞት ኣቦኻ ግዴኻ’ ዝበሃል፡ ኣብ እቲ ገድላዊ ሰንሰለት ብተመሳሳሊ ዝሰረጸ፥ ‘ድሕሪ ምስዋእ ብጻይካ፡ ግዴኻ’ ዝብል ኣምር ሒዙ ነይሩ። ከም ሰይቲ ሎጥ ንድሕሪት ቁሊሕ ከይበሉ ስዉኣት ድሕሪ መስዋእቲ እቲ ዝሰዕብ ዕማም ናይ እቶም ብሂወትና ዝተረፉ ሓላፍነት ምዃኑ ‘ዮም ዝፈልጡ ነይሮም።
እዚ ገድሊ እዚ፡ ዓቅሊ ኢዮብ ሓቲቱ ‘ዩ። ጥሜት፣ ምስኣን ድቃስ፣ ነዊሕ ጉዕዞ፣ በረኻን ቁሪን ተፈራሪቁካ ዝመረሸ ቃልሲ፡ ነዚ ኩሉ ተጻዊርካ፣ ድኻም ከይጸብጸብካ፣ ምግዳል ቃላት ዘይገልጾ ከቢድ መስዋእትነት ኢዩ። ነቲ እቲ ገድሊ ካብ ከቢድ ናብ ፈኲስ ዝቐየሮ እንተነይሩ እቲ ኣብ እቲ ገድሊ ተፈጢሩ ዝነበረ ባህሊ ምጽውዋር፣ ባህሊ ምትሕግጋዝ፣ ባህሊ ምትሕልላይ ነይሩ። ዮውሃንስ ትኳቦ (ወዲትኳቦ) ገድሊ መለኮታዊ ባህርያት፥ ከም ሓቂ፣ ምትሕግጋዝ፣ ርህራሄ፣ ሓልዮትን ሓዜኔታን ከምዝነበሮ ንምንጽብራቅ፥ “ወርቃዊ ጸብሪ፣ ደብሪ ኢዩ ደብሪ፡ ናይ ታሪክ ባሕሪ፡ ዝሓንበሰሉ ወሳኒ ዕምሪ።” ክብል ‘ዩ ምስ መለኮታዊ ባህሪ ኣመሳሲልዎ።
እዚ ኣብ ገድሊ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ባህሊን ባህርን ኣብ እቲ መጀመርታ እዋን ምሕራር ናጽነት ናብ ህዝቢ ክሰርጽ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ ቀልጢፉ ኢዩ ክኸስም ተራእዩ። ምፍላላይ ህዝቢ ናብ ጎራታት ሰረት ምስዓር ባህሪ ገድሊ ተባሂሉ ክጥቀስ ይከኣል። ተጋዳላይን ገባርን ዝብል ክልተ ጫፍ ቀንዲ መሳርሒ ንምፍልላይ ህዝቢ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ‘ገባር’ ዝብል ኣጸዋውዓ፡ ቀስ ብቀስ ኣብርክቶ ህዝቢ ኣብ ገድሊ ኣነኣእስካ መርኣያ ኮይኑ። ‘ገባር ደንባር’ እንዳተባህለም እቲ ፍልልይ ገዚፉ ከምዝረአ ተገብረ። እቶም ብዙሓት ገባራት ከኣ ደንባራት ኮይኖም ከዝረኣዩ ገበረ። ገባር ደንባር ምስተባህለ ርእሰ ምትእምማን ከጥፍእ፣ ትሑትነት ክስምዖ ተፈርደ። ‘ተጋዳላይ’ ዝብል ቃል ከኣ፡ ተጋደልቲ ኣዝዮም ምጡቃት ካብ ኣምላክ ዝሃቦም ሰብነት ንላዕሊ መለኮታዊ ሓይሊ ከምዘለዎም፡ ዝበልዎ ዝተዛረብዎ ዝኸውን ኮይኑ ንነብሶም ከምዝቆጽርዋ ስሚዒት ከምዝሓድሮም ተገብረ። ተጋዳላይ ዝተንከፎ ኩሉ ዝኸውን ርእሰ ተኣማንነቱ ንላዕሊ ብምስቃል ልዕልነት ከምዝስምዖ ተገብረ። እቲ ቀዳማይ ስዕረት ናይ እቲ ባህሪን ባህሊን ገድሊ ካብዚ ኣንጻራዊ ስሚዒታት ብምንዛሕ ኢዩ ዝጅምር።
እቲ ባህሊ ክሰዓር ዓቢ ተራ ዝነበሮ ካልእ ምሕደራ ጉራማይለ ምትኳብ ጥቅማ ጥቅሚ (Affermative action) መንግስቲ ነይሩ። ነቲ ተጠቃማይ ዝኣስርን ብስሚዒት ካብ ህዝቢ ዝፈልን ዝንቡዕ ምክፍፋል ጥቅማጥቅሚ (ኣፈርማቲቭ ኣክሽን) ክትግበር ምስ ጀመረ እት ስዕረት እቲ ባህሪ ባይታ ዘቢጡ። እቲ መስርሕ ተንኮልን ክፍኣትን ሓዚሉ ንጸይቂ ስራሕ ዝሓስብ ኮይኑ ኢዩ ተበጊሱ። ንተጋደልቲ ከከም ኣገልግሎቶም ክሳብ 30,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር ክወሃብ ምዃኑ መብጸዓ ብምእታው ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ውሽጣዊ ምትፍናን ፈጢሩ። እቲ መብጸዓ ኣብ ባይታ ከይወረደ፡ ጽልኢ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ፈጢሩ መብጸዓ ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ። ክሳብ ሎሚ ለይቲ ከኣ ኣይተተግበረን። ድሕሪኡ ነኣሽቱ ፍልልይ ዝፈጥሩ ጥቅማ ጥቅሚ ዝህቡ ግን ከኣ ምዕሩይነት ዘይብሉ ክትግበር ተጀመረ። መኪና ብነጻ ቀርጽ ምእታው፣ ምዕዳል ሃለክቲ ኣብነት ከም ጋዝ፣ ገዛ ቅድምያ ምርካብ ዝኣመሳሰሉ ተተግበሩ። እቲ ኣተገባብራ ንገሊኡ ትህብ ንገሊኡ ትገድፍ ዓይነት ስለዝነበረ ተኣማኒ ምዃንን ዘይምዃንን ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ፈጠረ።
ኣብ ምምዳብ መደብ ስራሕ ተጋደልቲ ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ዘይፍልጠቶምን ክእለቶምን ኣብ ዓበይቲ መደብ ስራሕ ተዋፈሩ። ከም ስትራተጅይ ብገባር ክሕገዙ ተገብረ። እዚ ስትራተጅይ ኣሉታዊ ሳዕበን ኣኸተለ። ዝተረኸበ ኣዎንታዊ ዓወት ተጋደልቲ ክምጎሱሉ፡ ንዝመጽእ ጥፍኣት ከኣ ገባር ክሕተትሉ ገበረ። ቀስ ብቀስ ጉቦ ብልሽውና ከምዝተኣታቶ ኮነ።
- ብደምን ዓጽምን ዝመጸ ዝተጠልመ መንነት — መስሓቅ ሸራፋት
ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ብተዋረድ እንዳተሰጋገረ ክመጽእ ጸኒሑ። መግዛእቲ ቱርኪ፣ መግዛኣቲ ግብጺ፣ መግዛእቲ ጥልያን፣ መግዛእቲ ኢንግሊዝ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝጥቀሱ ገዛእቲ ኤርትራ ኢዮም። ኣብዚ ጊዜ እዚ፡ እዚ ሕጂ ኤርትራዊ መንነት ኣይነበረን። ኤርትራዊ ከም ካልኣይ ዜጋ ወይ ትሕቲኡ ኢዩ ዝረአ ዝነበረ። ኤርትራዊ እየ ንምባል ገበን፡ ቋንቋ ኤርትራ ንምዝራብ ትፈርሃሉ ዝነበረ እዋን ነይሩ።
ዝተኸፈለ ዋጋ መስዋእትነት ቀሊል ኣይኮነን። ምጽናት ስድራ፣ ስድራ ብዘይ ኣላይ ምግዳፍ፣ ኣብ ድፋዕ ከርፋሕ ናብራ፣ ምምሕዛው ምስ ለመምታን ተባላዕቲን ነብሳት፣ ሃሩርን ቁሪን ምጽዋር፣ ኣብ ፈቀዶ በረኻ፥ ኣብ ፈቀዶ ስንጭሮ ሩባታትን ታባታትን ከርተት ምባል፣ ኣብ ርሱን ሑጻን ተጸሚምካ ምንባር ከቢድ መስዋእትነት ኢዩ። ኤርትራዊያን ምስ ጸላኢ ብጀግንነት ተዋጊኦም ኣዋጊኦም ደምን ዓጽምን ከፊሎም ብጽንኩር ሓሊፎም ተሰዊኦም መንነት ኣውሒሶም።
ሳላ ብደምን ዓጽምን ስዉኣት እዚ መንነት ተፈጢሩ። ሳላ መስዋእቶም ኤርትራዊ ሓበን ተፈጢሩ። እቶም ዕድል ጌሮም ብሂወት ዝኣተዉ ተጋደልቲ ኣብ እቲ ፈለማ ነታ ናጽነት ሪእዮማ ነቲ ሓበን ሓጎስን ባህታን ከኣ ምስ ህዝቦም ኣስተማቂሮሞ። እንተኾነ ብድሕሪኡ ኣብ ምስፋን ሓርነት ኣይተዓወቱን። ድሕሪ ናጽነት እንተኾነም ህዝቢ ኤርትራ ኣይጠዓሞን። ናተይ ብዝብሎ መንግስቲ ብሓርነት ክነብር ዕድል ኣይገበረን። እቲ ዝሓለፈ መብጸዓ ገድላዊ ሰንሰለት ተበትከ። እቲ ድነበረ መብጸዓን እምነትን ተጠልመ። ድሕሪ ናጽነት ቀጺሉ ክትግበር እምነት ዝተገብረሉ ቀንዲ ዕላማ፡ ብደረጃ ሃገር መነባብሮ ውጹኦ ህዝቢ ምምዕባልን ነቲ ሰባኣዊ ኩነት ወይ ሂወት ምምሕያሽ ግን ተዓጽፈ። ስዉኣት ዝነበሮም ተስፋታት ምፍጣር ምዕብልቲ ኤርትራ ከም በዓል ሲንጋፖር ናይ ምዃን ሕልሚ ተኾልፈ።
እንኮ ሂወቱ ክህብ ዘይበቀቀ፣ ዘፍቅሮም ደቁ መባእ ዝሃበ፣ ንብረቱን ንዋቱን ንገድሊ ዝወፈየ፡ ንጊላነት ዘይኮነስ ንናጽነት፣ ንዲክታተርነት ዘይኮነስ ንሓርነት፣ ንግፍዒ ዘይኮነስ ንፍትሒ፣ ንሕስረት ዘይኮነስ ንኽብረት ወዲ ሰብን ሃገርን፣ ንኩናት ዘኮነስ ንሰላም፣ ንህውከትን ንስእነትን ዘይኮነስ ንቅሳነትን ንራህዋን ብዘይ ተጉላባነት ተቃሊሱ ’ምበር ናተይ መንግስተይ ብዝብሎ ክግፋዕ ኣይበረን።
ስደት መንእሰያት ብዝሒ ወሲኹ፡ ሞት ዝበዝሑ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ፈቀዶ በረኻን ባሕርን ዛሕ ኢሉ ንቡር ቀብሪ ሲኢኑ። ብሰንኪ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት (ሃገራዊ ባርነት)፡ መርዓን ደርዓን ንቡር ስኢኑ። ወለዲ ከኣ ንቡር ናባይ ሰኣኑ።
ብፍላጥ ብዝተኣታተወ ምምሕደራ ሕንፍሽፍሽ፡ ሕጽረታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ብምፍጣር፣ ማሕበራዊ ርክብ ህዝቢ ከምዝበታተኽን ህዝቢ ነንሕድሕዱ ከምዝጠራጠርን ከምዝኻሰስን ብምግባር ህዝቢ ጊዚኡ ኣብ ዘይጠቅም ነገራት ከምዘሕልፍ ኮይኑ። ትምህርቲ ክብሪ ስኢኑ ቲሒቱ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ። እቲ ብብልሒ ዝፍለጥ ሓንጎል ኤርትራውያን ከምዝለምስን ርእሰ ምትእምማን ከምዝስእን ተሰሪሒሉን።
ን29 ዓመታት ዓመት’ መጸ 20 ሰነ፡ ምስ እቲ ክውንነት ደየሳንዩ፡ ብመደብ ዝኸዱ፡ ብኣሽቃዕላል ዝደጋገሙ ህውተታ ክቃላሕ ጸኒሑ። ሃገር ከልምዑ፣ ሃብቲ ከጥርዩ፣ መነባብሮ ከመሓይሹ፣ ድራር ዕለት ክኾኑ ዘይከኣሉ ጓንጓ ጭርሖታት፣ ዘይትግበሩ መደባት ልምዓት፣ ዘይፍጸሙ መብጸዓታት፣ ደይጭበጡ ተስፋታት ተሰሚዑ። እዚ ኣብ ዓለምና ካብ ዝተፈጸሙ ጥልመታት እቲ ዝከፍአ ጥልመት ኢዩ።
ኣብ እቲ ፈለማ መንግስቲ ፍጹም ተኣማኒ ኮይኑ ኢዩ ቀሪቡ። ግን ከኣ ፍጹም እሙን ተመሲሉ ብዘይ ኣፈላላይ ተጋደልትን ህዝብን ኢሉ ንዝፈላለዮም ኣግዲዕዎም። ርግቢት ተመሲሉ ናብ ተመን ተቀይሩ። ዝኹሕል ተመሲሉ ዓይኒ ህዝቢ ኣንቂሩ። መትሓዚ ዘይብሉ፡ ካብ ቀዳማይ ዳሕራዋይ፣ ካብ ዳሕራዋይ ቀዳማይ ዝገድድ ጸላእ ህዝቢ ኮይኑ ተረኺቡ።
ጽልዋ ናይ እዚ ዝተገብረ ጥልመት፣ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ዝተሓተ ደረጃ ምዕባለ ሃገር ኣብጺሒዋ። ተበራቢሩ ዝነበረ ምዕባለ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ዝነበረ ምዕባለ ኣብሪሱ ሃገርና ከም ሽንት ገመል ንድሕሪት ከምእትምለስ ገይሩ፣ ቁጠባ ተረሚሱ፣ ዝነበረ ርጉእ ፖለቲካና ተዘሪጉ፣ ብዘይኣፈላላይ ሕብረተሰብ ተዶቂሱ፣ ስድራቤት ተበታቲኑ፣ መንእሰያት ብጅምላ ተሰዲዶም፣ ዞቦኣዊን ሃገራዊን ቁመና ሃገር ተበላሽዩን ህዝቢ ተዋሪዱ። ኣብ መወዳእታ ብደምን ዓጽምን ዝመጸ መንነት ተጠሊሙን መስሓቅ ሸራፋት ምዃን ኣሲዒቡን።

ደብረ
3ይ ክፋል ይቕጽል
You must be logged in to post a comment.