ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰኑይ፣ 05 ጥቅምቲ 2020፣ ናብ ኤርትራ ምስጢራዊ ምብጻሕ ጌሩ!

ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰኑይ፣ 05 ጥቅምቲ 2020፣ ናብ ኤርትራ ምስጢራዊ ምብጻሕ ጌሩ!
ካብ ርእሲ ከተማ ኤርትራ (ካብ ኣስመራ) ናብ ማእከል መጽናዕትን ሓበሬታን – ኣዱሉስ – ብዝተመሓላለፈ ፍሉይ ፈነዋ ሓበሬታ መሰረት ናይ ኢትየጵያ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ን6 ሰዓታት ኣቢሉ ዝጸንሐ ፍሉይ ምስጢራዊ ምብጻሕ ከም ዘካየደን፣ ምስ ፕረሲደንት ኢሰያስ ካብ ርእሲ ከተማ ኤርትራ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቤ/ጽሕፈት ፕረሲደንት፣ ማለት “ኣብ ዓዲ ሃሎ” ከም ተራኸቡ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ የመልክት።
ከምኡ ናይ ኢትዮጵያ ኵነታት ዝከታተል ምንጪታት ከም ዝሕብርዎ፣ ዝተጠቕሰ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ምስጢራዊ ምብጻሕን ምስቲ ትማሊ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ንመንግስቲ መቐለ ወይ ንክልል ትግራይ ንምብዳህ ተባሂሉ ብፓርላማ ዘሕለፎም ውሳኔታትን፣ ማለት ኩሉ ፋይናንሳዊ ዓይነት ሓገዛትን ካልእ ካብ ትካል ናብ ትካል ምስ’ቲ ክልል ዝግበር ፋይናንሳዊ ርኽክባትን ከይህሉ ዘመላኽቱ ጕዳያት፣ ኮታ እቲ ናይ ናይ ማእከላይ ፈደራላዊ መንግስቲ ብናቱ ክፍሊ ዕቑር-እትዋት ኣቢሉ ንክልል ትግራይ ብዝምልከት ክውሰዱ ዝዳለወሎም ዘሎ በብዓይነቱ ስጕምትታት ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምምስጣራት ቀጥታዊ ርክባት ኣለዎም። ብተመሳሳሊ ካብ ክልል ትግራይ ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ዝርከቡ ናይ ማእከላይ ፈደራላዊ መንግስቲ ልኡኻትን ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ወከልትን ካብ ክልሉ ናይ ምስጓጕ ስጕምቲ ተታሓሒዝዎ’ሎ። በቲ ካልእ’ውን ናይ ባዕሉ ተወከልቲ ካብ ፓርላማን ካልእን ትካላት ናይ ማእከላይ መንግሰቲ ናብ ክልል ትግራይ ክምለሱ ናይ ምግባር ጻውዒት ጌሩ’ሎ፣ እዚ ከኣ ብፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ምስ’ቲ ዝበሃል “ምብቃዕ ሕጋዊ ስልጣና ናይ መንግስቲ ዶር.ኣብይ ኣሕመድ” ተታሓሒዙ ዝኸይድ’ዩ።
ትርጉም ካብ ዓረብኛ፦
ብተኽለሰንበት ተኽላይ ምንጪ ዓረብኛ ኣብ’ዚ ጠውቑ፦ https://www.adoulis.net/entry.php?id=6135
You must be logged in to post a comment.